ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ሃይማኖቶም ንዝነበሩ ሰባት የርሕቕዎም ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ሃይማኖቶም ንዝነበሩ ሰባት የርሕቕዎም ድዮም፧

 ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዀይኖም እተጠምቁ ኽነሶም፡ ንኻልኦት ምስባኽ ደው ዘበሉ፡ ምናልባት ከኣ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ምእካብ ዝገደፍዎ፡ ኣይነርሕቖምን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መንፈሳዊ ተገዳስነቶም ከነለዓዕል ንጽዕር ኢና።

 ከቢድ ሓጢኣት ንዝፈጸመ ሰብ ብኡብኡ ኣይነወግዶን ኢና። ሓደ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥሓስ ልማድ እንተ ገይርዎ እሞ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሰብ እቲ ነርሕቖ ወይ ነወግዶ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ፡ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ” እዩ ዚብል።—1 ቈረንቶስ 5:13

 ሓደ ሰብኣይ እንተ ተወጊዱ እሞ ሰበይቱን ደቁን ግና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖምከ፧ እቲ ምስ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ዚተሓሓዝ ርክቦም ይቕየር እዩ፣ ዝምድናኦም ግና ኣይብተኽን እዩ። ሓዳሮምን ፍቕሪ ስድራ ቤቶምን ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ርክብን ኣይቋረጽን እዩ።

 እተወገዱ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ኪእከቡ ይኽእሉ እዮም። ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም ድማ፡ ካብ ሽማግለታት ጉባኤ፡ መንፈሳዊ ምኽሪ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ዕላማ ናይዚ ምድላው፡ እቲ ሰብ ተመሊሱ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ንምሕጋዝ እዩ። እተወገዱ ሰባት፡ ዘይግቡእ ባህርያት ኣወጊዶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሑ ልባዊ ድሌት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም፡ ተመሊሶም ኣባል ጉባኤ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።