ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ኣእዳውን ቀላጽምን ዘይብሉ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ

ኣእዳውን ቀላጽምን ዘይብሉ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ

ሰባት ዚወድቁ ዘለዉ ዀይኑ ኺስምዖም ከሎ፡ ብኣእዳዎም ኣብ ጥቓኦም ንዘሎ ነገር ኪሕዙ ይደልዩ እዮም። ኣነ ግና ኣእዳው ኰነ ቐላጽም ስለ ዘይብለይ ከምኡ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ህይወተይ ምእንቲ ኽትድሕን ኣእዳወይ ኪቝረጻ ኸለዋ ወዲ ሸውዓተ ዓመት እየ ነይረ።

ብ1960 እየ ተወሊደ፣ ሽዑ ኣደይ ጓል 17 ዓመት እያ ነይራ። ኣቦይ፡ ኣነ ገና ኸይተወለድኩ እዩ ሓዲጉና ኸይዱ። ኣነን ኣደይን ምስ እንዳ ኣቦሓጎይ ኣብታ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ወይ ምብራቕ ጀርመን ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር፡ በርግ ኣብ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ንቕመጥ ኔርና። ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህልውና ኣምላኽ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም፣ ስድራይ እውን ነዚ ኣረኣእያ እዚ ሓዙ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቦታ ኣይነበሮን።

እናዓበኹ ክኸይድ ከለኹ፡ እቲ ኣቦሓጎይ ዚገብረለይ ዝነበረ ኣቓልቦ የሐጕሰኒ ነይሩ። ኣብ ኣግራብ ደይብካ ጨናፍር ኣብ ምቝራጽን ኣብ ካልእ ሓያሎ ንጥፈታትን የሳትፈኒ ነይሩ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ንጥፈታት እፈትዎ ነይረ እየ። ቅሳነትን ሓጐስን ዝመልኦ ህይወት እዩ ነይሩኒ።

ህይወተይ ዝቐየረ ሓደጋ

ሓደ መዓልቲ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር ኣጋጠመኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርተይ ጀሚረ ነይረ። ንገዛና ኽምለስ ከለኹ፡ ኣብ ሓደ ገመዳት ኤሌክትሪክ ዚስከም ዓንዲ ሓዂረ። ካብ መሬት ኣብ ናይ 8 ሜተር ብራኸ ምስ በጻሕኩ፡ ሓያል ኤለክትሪካዊ ማሕታ ስለ ዝወቕዓኒ ሃለዋተይ ኣጥፊአ። ኣብ ሆስፒታል ምስ ተበራበርኩ፡ ኣእዳወይ ምሳይ ዘለዋ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ክልቲአን ኣእዳወይ ከም ሕሱም እየን ነዲደን፣ እቲ መጕዳእቲ ዜስካሕክሕ ስለ ዝነበረ፡ ደመይ ምእንቲ ኸይምረዝ ክልቲአን ኣእዳወይ ግድን ኪቝረጻ ኣድልዩ። ኣደይን ኣቦሓጎይን ዓባየይን ክሳዕ ክንደይ ሕርር ኵምትር ከም ዝበሉ ኽትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣነ ግና ቈልዓ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣእዳወይ ምስኣነይ ኣማስያኡ ኣብ ህይወተይ ኪገብረለይ ዚኽእል ጽልዋ ኣይተረድኣንን ነይሩ።

ካብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውጻአይ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ጀሚረ። እቶም ቈልዑ የላግጹለይ፡ ይደፍኡኒ፡ ንገዛእ ርእሰይ ክከላኸለላ ስለ ዘይክእል ድማ እተፈላለየ ነገራት ይድርብዩለይ ነይሮም። በቲ ጭካነን ምስትንዓቕን ዝመልኦ ተግባራቶም ኣመና ተጐዲአ እየ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ዝዀነ ኣብ ቢርከንቨርደር ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ስንኩላን ተሰዲደ። እታ ቤት ትምህርቲ ኻብ ዓድና ኣዝያ ርሕቕቲ ስለ ዝነበረት፡ ኣደይን ኣቦሓጎይን ዓባየይን ኪበጽሑኒ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብ እዋን ዕረፍቲ ጥራይ እየ ዝረኽቦም ነይረ። ኣብተን ዝቐጸላ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብ ኣደይን ኣቦሓጎይን ዓባየይን ተፈልየ እየ ዓብየ።

ብዘይ ኣእዳውን ቀላጽምን ምዕባይ

ብኣእጋረይ ብዙሕ ነገራት ምግባር ተማሂረ እየ። ፋርኬታ ወይ ማንካ ብኣጻብዕ እግርኻ ሒዝካ ምብላዕ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እሞ ብኣእምሮኹም ስኣልዎ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኽእለት እዚ ኸማዕብሎ ኽኢለ እየ። ብኣእጋረይ ገይረ ኣስናነይ ክምውጽን ጸጕረይ ክምሽጥን ክኢለ እየ። ምስ ሰባት ክዘራረብ ከለኹ፡ ኣእጋረይ ብምንቅስቓስ ምልክታት ክገብር እውን ጀሚረ። እወ፡ ኣእጋረይ ከም ኣእዳወይ ኰይነናኒ እየን።

ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ስነ ፍልጠታዊ ልቢ ወለድ ምንባብ እፈቱ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ ብምዕቡል ቴክኖሎጂ እተዳለዋ ኣእዳው ኪህልዋኒ ብኣእምሮይ እስእል ነይረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሽጋራ ኸትክኽ ጀሚረ። ርእሰ ተኣማንነት ከም ዚህልወንን ማዕረ ሰበይ ዝዀንኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓንን ዚገብር ኰይኑ እዩ ተራእዩኒ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ኣእዳው ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ፡ ሽጋራ ዜትክኹ፡ እኹላት ሰባት እዮም፡ ኣነ እውን ከምኡ ኽገብር እኽእል እየ’ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩኒ።

ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ትሑዝ እየ ነይረ። ኣባል እታ ሓራ መንእሰይ ጀርመን እትብሃል ብመንግስቲ እትምወል ማሕበር መንእሰያት ብምዃን፡ ከም ጸሓፊ እታ ማሕበር ኰይነ ኣገልጊለ እየ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ኸባቢ፡ ሓላፍነት ከም ዚህልወካ ዚገብር እዩ ነይሩ። ምስ ሙዚቃዊት ጕጅለ ሓቢረ፡ ግጥምታት ገጢመ፡ ንስንኩላን ኣብ ዚዳሎ ስፖርት እውን ተሳቲፈ እየ። ስልጠናይ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ከተማና ኣብ እትርከብ ሓንቲ ትካል ክሰርሕ ጀሚረ። እናዓበኹ ብዝኸድኩ መጠን፡ ምሉእ ሰብ ክኸውን እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ነተን ሰብ ዝሰርሖ ኣእዳወይ ቀጻሊ እወድየን ነይረ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምቕባል

ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ስራሕ ምእንቲ ክኸይድ ባቡር እናተጸበኹ ኸለኹ፡ ሓደ ሰብኣይ ናባይ መጺኡ፡ ኣምላኽ ንኽልቲአን ኣእዳወይ ከም ብሓድሽ ኪመልሰለይ ብኣእምሮይ ክስእሎ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ደንጽዩኒ እዩ፣ ኣእዳወይ ክምለሳለይ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ኻብ ሓቂ ዝረሓቐን ኪኸውን ዘይክእልን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣምላኽ ከም ዘየለ እየ ዝኣምን ነይረ። ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዘ፡ ካብቲ ሰብኣይ እቲ ርሒቐ እየ።

ድሕሪ ገለ እዋን፡ ሓንቲ መሳርሕተይ ንስድራ ቤታ ኽበጽሖም ዓዲማትኒ። ቡን ክንሰቲ ኸለና፡ ወለዳ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኪዛረቡ ጀሚሮም። ሽዑ ንፈለማ እዋን፡ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ሰሚዐ። (መዝሙር 83:18) ብውሽጠይ ግና ‘ስሙ መን እዩ ብዘየገድስ ኣምላኽ ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ተጋግዮም ከም ዘለዉ መርትዖ ከቕርበሎም እየ’ ኢለ ሓሲበ። ኣረኣእያይ ቅኑዕ ምዃኑ ብምትእምማን ምሳታቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጥ ተሰማሚዐ። እቲ ዜገርም ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ መርትዖ ከቕርብ ኣይከኣልኩን።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝመርመርና መጠን፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዝነበረኒ ኣተሓሳስባ ቐስ ብቐስ እናተቐየረ መጺኡ። ኣማኢት አረ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢታት ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ፡ ንህሉው ኵነታት ዓለምና ምስቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን ሉቃስ ምዕራፍ 21ን ካልኣይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3ን ዚርከብ ትንቢታት ኣነጻጺርናዮ። ልክዕ ከምቲ እተፈላለየ ምልክታት ሓደ ሕሙም፡ ንሓደ ሓኪም ነቲ ሕማም ብልክዕ ኪፈልጦ ዚሕግዞ፡ እቲ ኣብዚ ትንቢታት እተጠቕሰ እተፈላለየ ፍጻመታት፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ኸስተውዕል ሓጊዙኒ እዩ። * ኣዝየ ኸኣ ተደኒቐ፣ ከመይሲ፡ እዚ ትንቢታት እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ ዚፍጸም ነይሩ።

እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ሓቂ ምዃኑ ኣሚነ፣ ናብ የሆዋ ኽጽሊ ኸኣ ጀሚረ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ውሉፍ ኣትካኺ ሽጋራ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምትካኽ ኣቋሪጸዮ። ንሓደ ዓመት ዚኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ስለ ዝነበሩ፡ ብ 27 ሚያዝያ 1986 ብሕቡእ ኣብ ባስካ እየ ተጠሚቐ።

ንኻልኦት ምሃብ

ብሰንኪ እቲ እገዳ፡ በብንኣሽቱ ጕጅለታት ኴንና ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ንእከብ ስለ ዝነበርና፡ ሒደት ኣሕዋት ጥራይ እየ ዝፈልጥ ነይረ። ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ግና፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ናብታ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይተኣገደላ ምዕራብ ጀርመን ክኸይድ ፈቒዶምለይ። ኣብ ህይወተይ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክእከብን ኣሽሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክርእን ድማ ክኢለ። እዚ ብሓቂ ፍሉይ ተመክሮ እዩ ነይሩ።

መንደቕ በርሊን ድሕሪ ምፍራሱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዒሉ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ናጻ ዄንና ኸነምልኾ ኽኢልና ኢና። ኣብ ዕዮ ስብከት ዝነበረኒ ተሳትፎ ኸዛይድ እኳ እንተ ደለኹ፡ ምስ ዘይፈልጦም ሰባት ምዝራብ ግና የፍርሃኒ ነይሩ። ብሰንኪ ስንክልናይን ዝበዝሐ እዋን ቍልዕነተይ ኣብ መናበዪ ስንኩላን ስለ ዘሕለፍክዎን ካብ ካልኦት ዝተሓትኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ብ1992 ግና፡ ኣብ ሓንቲ ወርሒ 60 ሰዓት ክሰብኽ ፈቲነ። ጽቡቕ ስለ ዝዓየኹ ድማ ብዙሕ ሓጐስ ከስተማቕር ክኢለ እየ። ስለዚ፡ ኣብ ወወርሒ ኸምኡ ኽገብር ወሲነ፣ ከምኡ እናገበርኩ ድማ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ክቕጽል ክኢለ።

ነተን፡ “መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ እውን ዘይደክም፧” ዚብላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቓላት ኵሉ ሳዕ እየ ዝዝክረን። (2 ቈረንቶስ 11:29) ኣካላዊ ስንክልና እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ክሓስብን ክዛረብን እኽእል እየ። ስለዚ፡ ንኻልኦት ምእንቲ ኽሕግዝ ዝከኣለኒ እየ ዝገብር። ኣእዳው ስለ ዘይብለይ ነቶም ድሩትነት ዘለዎም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክድንግጸሎም እኽእል እየ። ሓደ ነገር ክትገብር እናደለኻ ኽትገብሮ ብዘይ ምኽኣልካ ዚስምዓካ ስምዒት ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጦ። ከምኡ ንዚስምዖም ሰባት ከተባብዖም እፍትን እየ። በዚ መገዲ እዚ ንኻልኦት ምሃብ የሐጕሰኒ እዩ።

ንሰባት ብስራት ምንጋር የሐጕሰኒ እዩ

የሆዋ መዓልታዊ ይሕግዘኒ እዩ

ከም ሓቂ ግና ሓድሓደ እዋን ተስፋ እቘርጽ እየ። ምሉእ ሰብ ክኸውን እየ ዝደሊ። ባዕለይ ብዙሕ መዓልታዊ ንጥፈታት ክዓዪ እኽእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ጕልበትን እዩ ዚሓትተኒ። በብመዓልቱ በተን፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ዚብላ ቓላት እየ ዝምራሕ። (ፊልጲ 4:13) የሆዋ መዓልታዊ ንጥፈታተይ ከካይድ ዜድልየኒ ሓይሊ በብመዓልቱ ይህበኒ እዩ። የሆዋ ኸም ዘይሓደገኒ ተገንዚበ እየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣነ እውን ፈጺመ ኽሓድጐ ኣይደልን እየ።

የሆዋ ነቲ ኣብ እዋን ቍልዕነተይን ጕብዝናይን ዝሰኣንክዎ ነገር፡ ማለት ስድራ ቤት ብምሃብ ባሪኹኒ እዩ። ኢልከ እትብሃል ፈቃርን ለዋህን ዝዀነት እትድነቕ ብዓልቲ ቤት ኣላትኒ። ብተወሳኺ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት፡ ማለት መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኰይኖምኒ እዮም።

ምስታ ኢልከ ዝስማ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ

በቲ ኣምላኽ፡ ገነት ከም ዜምጽእ፡ ንኣእዳወይ ሓዊስካ ድማ ‘ንዅሉ ከም ዜሐድሶ’ ዝሃበና ተስፋ እውን እጸናናዕ እየ። (ራእይ 21:5) ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ ኸስተንትነሉ ኸለኹ፡ እዚ ተስፋ እዚ ዝያዳ እዩ ጋህዲ ዝዀነለይ። ቆራያት ኣሕውዩ እዩ፣ አረ ንእተቘርጸት እዝኒ ሓደ ሰብኣይ እውን ናብ ቦታኣ መሊስዋ እዩ። (ማቴዎስ 12:13፣ ሉቃስ 22:50, 51) የሆዋ ዝሃበና ተስፋታትን የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ብሓድሽ ምሉእ ሰብ ከም ዝኸውን ኣእሚኑኒ እዩ።

እቲ ዝዓበየ በረኸት ግና ንየሆዋ ኣምላኽ ክፈልጦ ምኽኣለይ እዩ። የሆዋ ኣቦይን ፈታውየይን፡ መጸናንዕየይን ብርታዐይን ኰይኑኒ እዩ። ልክዕ ከምቲ፡ ‘የሆዋ ብርታዐይ እዩ፣ ረድኤቱ ተቐቢለ እየ፡ ልበይ እውን ተሓጒሱ እዩ’ ብምባል ዝጸሓፈ ንጉስ ዳዊት እተሰምዖ እዩ ዚስምዓኒ። (መዝሙር 28:7) ነዚ ዜደንቕ ሓቂ እዚ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ክዕቅቦ እየ ዝደሊ። ኣእዳውን ቀላጽምን እኳ እንተ ዘይብለይ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ተቐቢለዮ እየ።

^ ሕ.ጽ. 17 ብዛዕባ ምልክታት ዳሕሮት መዓልትታት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ዲና እንነብር ዘለና” ንእትብል ምዕራፍ 9 ርአ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።