ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለፈቭረ ዴታፕለ—ተራ ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪፈልጡ ደለየ

ለፈቭረ ዴታፕለ—ተራ ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪፈልጡ ደለየ

ኣብ መጀመርታ 1520ታት፡ ሓደ ሰንበት ንግሆ፡ ተቐማጦ እታ ጥቓ ፓሪስ እትርከብ ሞ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ፡ በቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝሰምዕዎ ኣዝዮም ተገረሙ። ወንጌላት ብቛንቋ ላቲን ዘይኰነስ በቲ ቛንቋ ኣዴኦም ዝዀነ ፈረንሳይኛ ኺንበብ እዮም ሰሚዖምዎ!

እቲ ነዚ ተበግሶ እዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ዛክ ለፈቭረ ዴታፕለ (ብላቲን፡ ጀኮበስ ፌበር ስታፕዩለንሰስ) ዚብሃል ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድሕሪ ግዜ ናብ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣምላኽ ነቶም ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዚርከቡ ተራ [ሰባት] ንቓሉ ኪቕበልዎ ብኸመይ ይሕግዞም ከም ዘሎ ኽትግምት ጥራይ ኢኻ እትኽእል።”

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብ ፓሪስ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራትን፡ ብተራ ቛንቋ እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ይቃወሙ ነበሩ። እሞ ደኣ፡ ለፈቭረ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፈረንሳይኛ ኺትርጕም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ተራ ሰባት ንቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኺርድእዎኸ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧

ናይ ሓቂ ትርጉም ቅዱሳት ጽሑፋት ምድላይ

ለፈቭረ፡ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምዃኑ፡ ናይ ሓቂ ትርጉም ጽሑፋት ፍልስፍናን ስነ ሃይማኖትን ንምርካብ ምርምር ኪገብር ርእሱ ዝወፈየ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ንዘመናት ዚኣክል ዝቐጸለ ዜስሕት ትርጉማትን ጌጋታትን፡ ጥንታዊ ቕዳሓት ከም እተበላሸወ ተገንዘበ። ናይ ሓቂ ትርጉም ጥንታዊ ጽሑፋት ምእንቲ ኺረክብ ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ምርምር፡ ነቲ ቐንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ናይ ላቲን ቩልጌት ብዕምቈት ኬጽንዖ ጀመረ።

እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገበሮ ዕቱብ መጽናዕቲ፡ “መለኮታዊ ሓቂ ምጽናዕ ጥራይ እውን . . . ዓብዪ ሓጐስ ክንረክብ ይሕግዘና እዩ” ናብ ዚብል መደምደምታ ኺበጽሕ ሓገዞ። ስለዚ፡ ለፈቭረ ፍልስፍና ምጽናዕ ሓዲጉ፡ ብምሉእ ሓይሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓም ኣተኰረ።

ብ1509፡ ለፈቭረ፡ ባዕሉ ኣብ ቩልጌት ዝገበሮ መአረምታ እተጠቓልል፡ እናነጻጸርካ ኸተጽንዕ እትሕግዝ ብሓሙሽተ እተፈላለየ ትርጉማት ላቲን እተዳለወት መጽሓፍ መዝሙር * ኣሕተመ። ከምቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ዘይኰነስ፡ ንኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብባህርያውን ብቐሊልን መገዲ ኺትርጉም ጸዓረ። እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ንምትርጓም ዚጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ፡ ኣብ ካልኦት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን መራሕቲ ተሓድሶን ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።—“ ማርቲን ሉተር ብለፈቭረ እተጸልወ ብኸመይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኣብ ፋይቭፎልድ ሳልተር ዚርከብ ኣብ መዝሙር ዘሎ መዓርጋት ኣምላኽ ዝሓዘ ሰሌዳ፡ ሕታም 1513

እቲ ብትውልዱ ካቶሊክ ዝነበረ ለፈቭረ፡ ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ኪህሉ ዚኽእል፡ ተራ ሰባት ንቕዱሳት ጽሕፋት ብግቡእ እንተ ተማሂሮምዎ ጥራይ ከም ዝዀነ ይኣምን ነበረ። መብዛሕትኡ ቕዱሳት ጽሕፋት ብላቲን ጥራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተራ ሰባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ግና ብኸመይ እዮም፧

ኵሉ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ

መእተዊ ወንጌላት፡ ለፈቭረ፡ ኵሎም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዴኦም ኪረኽብዎ ይደሊ ኸም ዝነበረ የረጋግጽ

እቲ ለፈቭረ በዚ ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዚረኽብዎ ንምግባር ቈረጸ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ፡ ኣብ ሰነ 1523 ብፈረንሳይኛ እተዳለወ ትርጉም ወንጌላት፡ ንእሽቶ ዓቐን ኣብ ዘለወን ክልተ ጥራዝ ኣሕተመ። ዋጋ እዚ ንእሽቶ ሕታም እዚ፡ ፍርቂ ዋጋ ናይቲ ተራ ሕታም ስለ ዝነበረ፡ ድኻታት ሰባት ሓደ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ሓጊዙ እዩ።

እቶም ተራ ሰባት ቅልጡፍን ዜሐጕስን ምላሽ እዮም ሂቦም። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ፡ ቃላት የሱስ ብቛንቋ ኣዴኦም ኬንብቡ ተሃንጥዮም ስለ ዝነበሩ፡ እተን ፈለማ እተሓትማ 1,200 ቅዳሕ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ተወድኣ።

ምእንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትብዓት ዝመልኦ ኣቕዋም ምሓዝ

ለፈቭረ፡ ኣብ መእተዊ እተን ወንጌላት፡ ናብ ፈረንሳይኛ ዝተርጐመለን ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እቶም “ተራ ኣባላት” እታ ቤተ ክርስትያን “ብዛዕባ ሓቅታት ወንጌል ልክዕ ከምቶም ብቛንቋ ላቲን ዘለዎም ርግጸኛታት ምእንቲ ኪዀኑ” እዩ። ለፈቭረ፡ ተራ ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ምእንቲ ኺፈልጥዎ፡ ኪሕግዞም ዚደሊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ለፈቭረ፡ ትምህርቲ ሰብን ፍልስፍናን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዘበላሸዋ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 7:7፣ ቈሎሴ 2:8) “ሰባት ደጊም ብትምህርቲ ሰብ ምእንቲ ኸይጥበሩ፡” እቲ ወንጌል “መልእኽቱ ኸይተበላሸወ ኣብ መላእ ዓለም ዚእወጀሉ ግዜ ኸም ዝበጽሐ” ድማ ይኣምን ነበረ።

ለፈቭረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፈረንሳይኛ ኸይትርጐም ዚቃወሙ ዝነበሩ ሰባት ንዘቕረብዎ ግጉይ መጐተ ንምቅላዕ እውን ጽዒሩ እዩ። “ንተራ ሰባት፡ ንወንጌላት ኣምላኽ ብቛንቋኦም ኪርእይዎን ኬንብብዎን እንተ ዘይፈቒዶምሎምሲ፡ ከመይ ገይሮም እዮም እሞ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ምእንቲ ኺሕልዉ ኺምህርዎም ዚኽእሉ፧” ብምባል ንግብዝናኦም ኰነኖ።—ሮሜ 10:14

ነዊሕ ከይጸንሑ፡ እቶም ሶርቦነ ኣብ ዚብሃል ዩኒቨርስቲ ፓሪስ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ንለፈቭረ ስቕ ኬብልዎ ምፍታኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ኣብ ነሓሰ 1523፡ “ነታ ቤተ ክርስትያን ዚጐድእ እዩ” ብምባል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ እታ ሃገር ከይትርጐምን ብዛዕባኡ መግለጺታት ከይውሃብን ተቓወሙ። ንጉስ ፈረንሳ ዝነበረ ፍራንሲስ እቲ ቐዳማይ ጣልቃ እንተ ዘይኣቱ ነይሩ፡ ንለፈቭረ ኸም መናፍቕ ገይሮም ብምርኣይ ምዀነንዎ ነይሮም።

እቲ “ስቕተኛ” ተርጓሚ ዕዮኡ ዛዘመ

ለፈቭረ እቲ ብዛዕባ ዕዮኡ ዚግበር ዝነበረ ርሱን ክርክር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምትርጓም ኬጐናድቦ ኣይፈቐደን። ብ1524፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (ሓዲሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ) ተርጒሙ ምስ ወድአ፡ እቶም ምእመናን “ብምሉእ ተወፋይነትን ዓሚቝ ስምዒትን” ምእንቲ ኺጽልዩ ትርጉም መጽሓፍ መዝሙር ብቛንቋ ፈረንሳይኛ ኣሕተመ።

ኣብ ሶርቦነ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ንዕዮ ለፈቭረ ብደቂቕ ኪምርምሩ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ እቲ ለፈቭረ ዝተርጐሞ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኺነድድ ኣዘዙ፣ ንኻልእ ጽሑፋቱ ድማ “ንናይ ሉተር ትምህርቲ ኑፋቐ ዚድግፍ እዩ” ብምባል ኰነንዎ። እቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ርእይቶኡ ኺገልጽ ምስ ጸውዕዎ፡ ለፈቭረ “ስቕ” ኪብል ብምምራጽ ናብ ስትራስበርግ ሃደመ። ኣብኡ ድማ ብስቱር መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ቀጸለ። ዋላ እኳ ገሊኦም ሰባት ንኣቕዋሙ ትብዓት ከም ዝጐደሎ ገይሮም እንተ ረኣይዎ፡ ንሱ ግና ነቶም ከም ‘ሉል’ ኪምሰል ንዚከኣል ክቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘየማስውሉ ሰባት፡ እዚ እቲ ዝበለጸ ምላሽ ምዃኑ እዩ ዚኣምን ነይሩ።—ማቴዎስ 7:6

ካብቲ ዝሃደመሉ እዋን ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ንጉስ ፍራንሲስ እቲ ቐዳማይ ንለፈቭረ ውልቃዊ መምህር እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ቻርለስ ወዱ ኪኸውን መዘዞ። እዚ መዝነት እዚ ድማ ንለፈቭረ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጕሙ ኺውድእ ዜኽእሎ እኹል ግዜ ኺረክብ ሓገዞ። ብ1530 ድማ ብፍቓድ ሃጸይ ቻርለስ እቲ ሓምሻይ፡ ባዕሉ ዘዳለዎ ምሉእ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ፈረንሳ ወጻኢ፡ ማለት ኣብ ኣንትወርፕ፡ በልጅዩም ተሓትመ። *

ትምኒቱ ኣይሰመረሉን

ለፈቭረ ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ንስርዓታት ሰብ ሓዲጋ ናብቲ ንጹህ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ክትምለስ ተስፋ ይገብር ነበረ። “ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቱ ኼንብቦን ኪምሃሮን፡ ቅኑዕን ግዴታኡን ከም ዝዀነ” ብጽኑዕ ይኣምን ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ኵሉ ሰብ ከም ዚበጽሕ ንምግባር ኣበርቲዑ ዝጸዓረ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ለፈቭረ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ባዕላ ተሓድሶ ኽትገብር ዝነበሮ ትምኒት እኳ እንተ ዘይሰመረሉ፡ ንተራ ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪፈልጡ ስለ ዝሓገዞም፡ እቲ ዝሓደጎ ውርሻ መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ፋይቭፎልድ ሳልተር፡ ሓሙሽተ ትርጉማት መጽሓፍ መዝሙር በብዓምዲ ፈላልያ እተቕርብ ኰይና፡ ነተን ቴትራግራማተን ዚብሃላ ንስም ኣምላኽ ዚውክላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ዜጠቓልል መዓርጋት ኣምላኽ ዝሓዘ ሰሌዳ ኣለዋ።

^ ሕ.ጽ. 21 ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብ1535 ኦሊቬታን ዝስሙ ተርጓሚ ፈረንሳይኛ፡ ኣብ በዅሪ ቛንቋታት እተመርኰሰ ናይ ርእሱ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕተመ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኺትርጕም ከሎ ድማ ዝያዳ ኣብ ትርጉም ለፈቭረ ይምርኰስ ነበረ።