ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፐሺታ ሱርስት—መብራህቲ ጥንታዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ

ፐሺታ ሱርስት—መብራህቲ ጥንታዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ

ብ1892 ኣግነስ ስሚዝ ልዊስን ማርጋረት ዳንልፕ ጊብሰንን ዝስመን ክልተ መናቱ ኣሓት፡ ኣብ ምድረ በዳ ንትሽዓተ መዓልቲ ዚኣክል ብግመል ተጓዒዘን፡ ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ናብ ዚርከብ ገዳም ሰይንት ካተሪን በጽሓ። እዘን ኣብ መወዳእታ 40ታት ዕድሚአን ዚርከባ ኽልተ ኣሓት፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ጕዕዞ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ጕዕዞ ዝገበራ ስለምንታይ እየን፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎካ እምነት ኬደልድለልካ ይኽእል እዩ።

ኣግነስ ስሚዝ ልዊስን ገዳም ሰይንት ካተሪንን

የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድርን” ብዛዕባኡ ንኺሰብኩ መዘዞም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ብቕንኣትን ብትብዓትን እዮም ፈጺሞምዎ። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበርዎ ኣገልግሎት ሓያል ምጽራር ስለ ዘለዓዓለ ግና፡ እስጢፋኖስ ሰማእት ኰነ። ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከኣ ካብ የሩሳሌም ብሰሜን 550 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ኸተማታት ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ናይ ሶርያ ኣንጾክያ ተዓቝቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 11:19

ኣብ ኣንጾክያ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ የሱስ “ብስራት” የበስሩ ነበሩ፣ ሓያሎ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ከኣ ኣመንቲ ዀኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:20, 21) ኣብ ውሽጢ መካበብያ ኣንጾክያ፡ ግሪኽኛ ሓባራዊ ቛንቋ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብቲ መካበብያ ወጻእን ኣብቲ ኣውራጃን ግና እቲ ህዝቢ፡ ሱርስት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ሱርስት ተተርጐመ

ኣብ ካልኣይ ዘመን ቍጽሪ እቶም ሱርስት ዚዛረቡ ክርስትያናት እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ሱርስት ኪትርጐም ኣድለየ። ስለዚ፡ ክፋላት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ብመጀመርታ ናብ ላቲን ዘይኰነስ ናብ ሱርስት እተተርጐመ እዩ ዚመስል።

ብ170 ድ.ክ. ቴሽን ዝስሙ ሶርያዊ ጸሓፊ (ከባቢ 120-173 ድ.ክ.)  ነተን ኣርባዕተ ቀኖናውያን ወንጌላት ኣብ ሓደ ጠርኒፉ፡ ድያተሳሮን ዚብሃል ጽሑፍ ብግሪኽ ወይ ብሱርስት ኣዳለወ። ድያተሳሮን “ብኣርባዕተ [ወንጌል]” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ። ጸኒሑ ኸኣ፡ ኤፍሬም ዝስሙ ሶርያዊ (ከባቢ 310-373 ድ.ክ.) ብዛዕባ ድያተሳሮን ዜብርህ ጽሑፍ ስለ ዘዳለወ፡ እቶም ሶርያውያን ክርስትያናት ነዚ ጽሑፍ እዚ ብሰፊሑ ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ተረጋገጸ።

እቲ ድያተሳሮን ዚብሃል ጽሑፍ ሎሚ ኣጸቢቑ የገድሰና እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ምሁራት፡ ወንጌላት ኣብ ካልኣይ ዘመን፡ ማለት ካብ 130 ድ.ክ. ክሳዕ 170 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ከም እተጻሕፈን ብዛዕባ ህይወት የሱስ ቅኑዕ ጸብጻብ ከም ዘይሓዘን እዮም ዚካትዑ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኻብ ሽዑ ንነጀው እተረኽበ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ድያተሳሮን፡ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ሰፊሕ ዝርጋሐ ኸም ዝነበሮ ኣረጋጊጹ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ወንጌላት ኣቐዲሙ ተጻሒፉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ቴሽን ንድያተሳሮን ኣብ ዝጠርነፈሉ እዋን፡ ነቲ ወንጌላት ኣቡኸሪፍ ዚብሃል ጽሑፋት በቲ ነተን ኣርባዕተ ቕቡላት ወንጌላት እተጥቐመሉ መገዲ ገይሩ ስለ ዘይተጠቐመሉ፡ ወንጌላት ኣቡኸሪፍ ከም እሙን ወይ ቀኖናዊ ወንጌላት ጌርካ ይርአ ኸም ዘይነበረ ዚሕብር እዩ።

ብ464 ድ.ክ. ዝነበረ ፐሺታ ሱርስት እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብጥንታውነቱ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ኢደ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ

ኣብ መጀመርታ ሓምሻይ ዘመን፡ ኣብ ሰሜናዊ መሰጶታምያ ብሱርስት እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርጊሑ ነበረ። እዚ ኣብ መበል ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ድ.ክ. ተተርጒሙ ኪኸውን ዚኽእል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ን2 ጴጥሮስን ን2ይን ን3ይን ዮሃንስን ንይሁዳን ንራእይን ገዲፍካ ንዅሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ፐሺታ ብዚብል ስም ዚፍለጥ ኪኸውን ከሎ፡ “ቀሊል” ወይ “ንጹር” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። ፐሺታ፡ ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥንቲ ኸም እተመሓላለፈ ዜረጋግጽ ኣዝዩ ጥንታውን ኣገዳስን መርትዖታት እዩ።

እቲ ዜገርም ከኣ፡ ሓደ ኻብቲ ኢደ ጽሑፋት ፐሺታ ብ459/460 ድ.ክ. ከም እተጻሕፈ ዚሕብር ዕለት ኣለዎ። ውሱን ዕለት ዘለዎ ኣዝዩ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ። ኣብ ከባቢ 508 ድ.ክ.፡ ፐሺታ፡ ነተን ጠፊአን ዝነበራ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሓዊስካ፡ ከም ብሓድሽ ተኸለሰ። ትርጕም ፊሎሲንያ ተባሂሉ እውን ተፈልጠ።

ተወሳኺ ኢደ ጽሑፋት ሱርስት ተረኽበ

ክሳዕ መበል 19 ዘመን፡ ዳርጋ ዅሉ ቕዳሓት እቲ ፍሉጥ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ወይ ድሕሪኡ ነዊሕ ጸኒሑ እተጻሕፈ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ዜገድሶም፡ ከም ናይ ላቲን ቩልጌትን ናይ ሱርስት ፐሺታን ዝኣመሰለ ጥንታዊ ትርጕማት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ሓደ ጥንታዊ ትርጕም ሱርስት ምስ ተኸለስ ፐሺታ ኸም እተረኽበ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። ኣሰር እቲ ብሱርስት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኣይ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ብምዃኑ፡ እዚ ትርጕም እዚ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜብርህ እዩ፣ ንምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣዝዩ ኺጠቕሞም ይኽእል እዩ። ብሓቂዶ ጥንታዊ ትርጕም ሱርስት ነይሩ እዩ፧ ይርከብ ድዩኸ፧

ተደምሲሱ ኣብ ልዕሊኡ እተጻሕፎ ሱርስት ሲና። እቲ ኣብ ሕድጋት ዚርአ ዘሎ ጽሑፍ፡ ኢደ ጽሑፍ ወንጌላት እዩ

እወ፡ ብርግጽ። አረ፡ ክልተ ኻብዚ ኽቡር ኢደ ጽሑፋት ሱርስት ተረኺቡ እዩ። ሓደ ኻብኡ ኣብ ሓምሻይ ዘመን እተዳለወ ኢደ ጽሑፍ እዩ። እዚ ኢደ ጽሑፍ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ብ1842 ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ምድረ በዳ ናይትርያ ኻብ ዘሎ ገዳም ብቤተ መዘክር ብሪጣንያ እተረኽበ ሓያሎ ኢደ ጽሑፋት ሱርስት እዩ። በቲ ዊልያም ኩርተን ዝስሙ ሓጋዚ ሓላው ኢደ ጽሑፋት ቤተ መዘክር ስለ እተረኽበን ስለ እተሓትመን ከኣ፡ “ሱርስት ኩርተን” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። እዚ ኽቡር ጽሑፍ እዚ፡ ነተን ኣርባዕተ ወንጌላት ዝሓዘ ዀይኑ፡ ማቴዎስን ማርቆስን ዮሃንስን ሉቃስን ብዚብል መስርዕ እተጻሕፈ እዩ።

ክሳዕ ግዜና ዝጸንሐ ኻልኣይ ኢደ ጽሑፍ ከኣ፡ ሱርስት ሲና እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ እተረኽበሉ መገዲ፡ ምስተን ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሳ መናቱ ኣሓት እተተሓሓዘ እዩ። ኣግነስ ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ ሸሞንተ ቛንቋ ወጻኢ ተማሂራ ነይራ እያ፣ ሓደ ኻብኡ ሱርስት እዩ ነይሩ። ብ1892 ኣግነስ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ገዳም ሰይንት ካተሪን ዜደንቕ ነገር ረኸበት።

ኣግነስ ኣብቲ ቦታ እቲ ኣብ ዚርከብ ሓደ ጸልማት መኽዘን፡  ኢደ ጽሑፍ ሱርስት ረኸበት። ባዕላ ኸም ዝገለጸቶ፡ ‘እቲ ጽሑፍ ኣዝዩ ረሳሕን ዳርጋ ዅሉ ገጻቱ ድማ ንዘመናት ዚኣክል ከይተገንጸለ ብምጽናሑ ንሓድሕዱ እተላገበን ስለ ዝነበረ ንኽትርእዮ ዜጽልእ እዩ ነይሩ።’ እዚ ኢደ ጽሑፍ እዚ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ተደምሲሱ ኣብ ልዕሊኡ ብዛዕባ ጻድቃን ደቂ ኣንስትዮ ዚገልጽ ጽሑፍ ብሱርስት ተጻሒፍዎ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣግነስ ነቲ ብታሕቲ ዝነበረ ገሊኡ ኢደ ጽሑፍን ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝነበረ “ናይ ማቴዎስ፡” “ናይ ማርቆስ፡” ወይ “ናይ ሉቃስ” ዚብል ቃላትን ኣስተብሂላትሉ እያ። እቲ ኣብ ኢዳ ዝሓዘቶ ጽሑፍ፡ ብሱርስት እተዳለወ ዳርጋ ምሉእ እተን ኣርባዕተ ወንጌላት ዝሓዘ ኮዴክስ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ምሁራት፡ እዚ ኮዴክስ እዚ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን ከም እተጻሕፈ እዮም ዚኣምኑ።

ሱርስት ሲና ሓደ ኻብቲ ኽሳዕ ሕጂ እተረኽበ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ እዩ ዚቝጸር፣ ከም ኮዴክስ ሲናቲከስን ኮዴክስ ቫቲካነስን ምስ ዝኣመሰለ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ድማ እዩ ዚስራዕ። ኣብዚ እዋን እዚ ኢደ ጽሑፋት ኩርቶንን ሲናን ቅዳሓት እቲ ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ወይ መጀመርታ ሳልሳይ ዘመን እተጻሕፈ ጥንታዊ ወንጌላት ሱርስት እዩ።

‘ቃል ኣምላኽና ንዘለኣለም ይነብር’

እዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ፡ ሎሚ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቕሞም ድዩ፧ ብዓጀባ እምበር! ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ዘሎ፡ ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ደድሕሪ ማርቆስ 16:8 ዚርከብ ነዊሕ መደምደምታ ንርአ። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ብግሪኽኛ እተዳለወ ኮዴክስ እስክንድርያን ኣብ ናይ ላቲን ቩልጌትን ኣብ ካልእን ይርከብ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን እተዳለወ ሓቅነት ዘለዎ ኽልተ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ማለት ኮዴክስ ሲናቲከስን ኮዴክስ ቫቲከነስን ኣብ ማርቆስ 16:8 እዩ ዚውድእ። ሱርስት ሲና እሞ ኸኣ፡ ነዚ ነዊሕ መደምደምታ እዚ ዝሓዘ ኣይኰነን፣ እዚ ኸኣ እቲ ነዊሕ መደምደምታ ደሓር እተወሰኸ ከም ዝዀነን ክፍሊ እቲ በዅሪ ወንጌል ማርቆስ ከም ዘይኰነን ይሕብር።

ካልእ ኣብነት ከኣ ንርአ። ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ዳርጋ ዅሉ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7 ብዛዕባ ስላሴ ዚገልጽ ናይ ሓሶት ሓሳብ ተወሰኾ። ይኹን እምበር፡ እዚ ወሰኽ እዚ ኣብቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣይርከብን እዩ። ኣብ ትርጕም ፐሺታ እውን እንተ ዀነ ኣይርከብን እዩ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7 እተገብረ ወሰኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምብልሻው እተገብረ ውዲት ምዃኑ የረጋግጽ።

ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ኣምላኽ ከምቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ፡ ነቲ ቕዱስ ቃሉ ዓቂብዎ እዩ። ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (ኢሳይያስ 40:8፣ 1 ጴጥሮስ 1:25) እቲ ፐሺታ ብዚብል ስም ዚፍለጥ ትርጕም፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ ብልክዕ ንኺመሓላለፍ ንእሽቶ ግናኸ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።