ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ናብራኻ ሃታሃታ ዝመልኦ ድዩ፧

ናብራኻ ሃታሃታ ዝመልኦ ድዩ፧

ናብራኻ ሃታሃታ ዝመልኦ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንዓኻ ጥራይ ኣይኰነን ከምኡ ዚስምዓካ። ዘ ኢኮኖሚስት እትብሃል መጽሔት፡ “ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ዅሎም ሰባት፡ ብዕዮ ትሑዛት ዝዀኑ እዩ ዚመስል” ትብል።

ብ2015 ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ንዚነብሩ ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛታት መጽናዕቲ ምስ ተገብረሎም፡ መብዛሕትኦም ነቲ ስራሖምን ናብራ ስድራ ቤቶምን ዚጠልቦ ነገራት ኬማልኡ ኸም ዚኸብዶም ገሊጾም እዮም። ገለ ኻብቲ ምኽንያታት፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ዝያዳ ሓላፍነታት ምህላው፡ ምውሳኽ ወጻኢታት፡ ከምኡ ድማ ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛታት ብገምጋም ኣብ ሰሙን 47 ሰዓት ከም ዚሰርሑ ሓቢሮም እዮም። ዳርጋ 1 ኻብ 5 ድማ፡ 60 ሰዓት ወይ ልዕሊኡ ኸም ዚሰርሕ ገሊጹ እዩ።

ን36 ሃገራት ኣብ ዘጠቓለለ ኻልእ መጽናዕቲ ድማ፡ ካብቶም ምላሽ ዝሃቡ እቶም ልዕሊ ርብዒ፡ ግዜ ዕረፍቶም እኳ ኸይተረፈ ሃታሃታ ዝመልኦ ኸም ዝዀነ ገሊጾም እዮም። ቈልዑ እውን ብጽዑቕ መደባት ልዕሊ ዓቕሞም እንተ ደኣ ተጻዒኖም፡ በዚ ኺጽለዉ ይኽእሉ እዮም።

ግዜና ኻብ ዜፍቅደልና ንላዕሊ ብዙሕ ነገራት ክንዓምም ብቐጻሊ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ውጥረት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ዝያዳ ሚዛናዊ ዝዀነ ህይወት ምምራሕ ግና ይከኣል ድዩ፧ እምነታትናን ምርጫታትናን ሸቶታትናን እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ፈለማ፡ ናብራ ገሊኦም ሰባት ሃታሃታ ዝመልኦ ዝዀነሉ ኣርባዕተ ምኽንያት እስከ ንመርምር።

1 ስድራ ቤትካ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ኸተማልእ ምድላይ

ጌሪ ዝስሙ ኣቦ፡ “ኣብ ሰሙን፡ ሸውዓተ መዓልቲ እየ ዝሰርሕ ነይረ” ይብል። ቀጺሉ ድማ፡ “ወትሩ፡ ንደቀይ በብሉጹ ኽህቦም እደሊ ስለ ዝነበርኩ እየ ኸምኡ ዝገብር ነይረ። ኣነ ዘይረኸብክዎ ነገራት ኪረኽቡ እደሊ ነይረ” ይብል። ወለዲ ጽቡቕ ድራኸታት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ቀዳምነት ንዚህብዎ ነገራት ግና ኪምርምርዎ ኣለዎም። ገሊኡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ብገንዘብን ብጥሪትን ኣዝዮም ዚግደሱ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ፡ ሓጐስን ዕግበትን ኣይረኽቡን እዮም፣ ካብቶም ፍቕረ ንዋይ ዘይብሎም ሰባት ብዝያዳ ድማ ጥዕና ይስእኑ እዮም።

ንጥሪት ብዙሕ ኣተኵሮ ኣብ ዚግበረሉ ስድራ ቤት ዚዓብዩ ቘልዑ ሕጉሳት ኣይኰኑን

ገሊኦም ወለዲ፡ ደቆም ኣብ መጻኢ ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑሎም፡ ንዓታቶምን ንደቆምን እተፈላለየ ንጥፈታት ዝሓቘፈ ጽዑቕ መደብ የውጽኡ እዮም። እዞም ወለዲ እዚኦም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም እኳ ኸምኡ እንተ ገበሩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና እቶም ወለድን እቶም ውሉዳትን እዮም ዚህሰዩ።

2 ብዙሕ ምጥራይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ምእማን

መዋዓዋዕቲ ንሓድሽ ፍርያቶም እንተ ዘይዓዲግናዮ፡ ብዙሕ ነገር ይተርፈና ኸም ዘሎ ኼእምኑና ይጽዕሩ እዮም። መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ከም ዝገለጸቶ፡ ሰባት ኣብቲ ዘለዎም ሓጺር ግዜ ‘እንታይ ከም ዚዕድጉ ወይ ዚርእዩ ወይ ዚበልዑ ገና ኸይመረጹ ኸለዉ፡ ብዝሒ ፍርያት ኣመና እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ዚኣክል ግዜ ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ገይርዎም ኣሎ።’

ብ1930 ሓደ ኽኢላ ስነ ቝጠባ፡ ኣብ ተክኖሎጂ ዚርአ ምዕባለ ንሰራሕተኛታት ዝያዳ ግዜ ዕረፍቲ ኸም ዚህቦም ተነብዩ ነይሩ። ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ግና ተጋግዩ! ጸሓፊት መጽሔት ኒው ዮርከር ዝዀነት ኤልዛቤት ኮልበርት፡ ሰባት “ብኣጋኡ ኣብ ክንዲ [ስራሕ] ዜቋርጹ፡ ሓድሽ ነገራት ኬጥርዩ እዮም ዚደልዩ” ትብል። እዚ ኸኣ ገንዘብን ግዜን ዚሓትት እዩ።

3 ትጽቢታት ካልኦት ሰባት ከተማልእ ምጽዓር

ገሊኦም ሰራሕተኛታት ንኣስራሒኦም ምእንቲ ኸየጕህይዎ ኢሎም ነዊሕ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። መሳርሕቲ ድማ ነቶም ካብ ስራሕ ደንጕዮም ዘይወጹ መሳርሕቶም ሕማቕ ከም ዚስምዖም ብምግባር ጸቕጢ ኺገብሩሎም ይኽእሉ እዮም። ቍጠባዊ ቕልውላው እውን፡ ሰባት ነዊሕ ሰዓታትን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ኪሰርሑ ፍቓደኛታት ከም ዚዀኑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ወለዲ ኸም ካልኦት ስድራ ቤታት ሃታሃታ ዝመልኦ ናብራ ኺነብሩ ጸቕጢ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዘይገይሮም፡ ንደቆም ጽቡቕ ነገራት ዝሓረምዎም ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።

4 ደረጃኻ ኽብ ከተብልን ንርእስኻ ባህ ከተብልን ምጽዓር

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ቲም፡ “ንስራሐይ ኣዝየ እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ፡ ኵሉ ግዜን ብዅሉ ዓቕመይን እየ ዝሰርሕ ነይረ። ብቕዓተይ ከመስክር ዘሎኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ” ይብል።

ብዙሓት ሰባት እውን ልክዕ ከም ቲም፡ እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ኣረኣእያ፡ በቲ ብስራሕ ትሑዛት ዚዀኑሉ መጠን ከም ዚጽሎ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤልዛቤት ኮልበርት፡ “ብስራሕ ትሑዝ ምዃን ማሕበራዊ ደረጃ ጌርካ ይርአ እዩ። ብስራሕ ዝያዳ ትሑዝ ብዝዀንካ መጠን፡ ብዝያዳ ኣገዳሲ መሲልካ ትርአ” ትብል።

ሚዛናዊ ኹን

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትግሃትን ጻዕርን የተባብዕ እዩ። (ምሳሌ 13:4) ኰይኑ ግና፡ ሚዛናዊ ምዃን እውን የተባብዕ እዩ። መክብብ 4:6፡ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ” ትብል።

ሚዛናዊ ህይወት ምምራሕ፡ ንኣእምሮኣውን ንኣካላውን ጥዕናና ጽቡቕ እዩ። እሞ ደኣ ገለ ኻብቲ ንናብራኻ ሃታሃታ ዝመልኦ ዚገብሮ ነገራት ክትንኪ ወይ ሚዛንካ ኽትሕሉ ይከኣል ድዩ፧ እወ። ኣርባዕተ ነጥቢ እስከ ርአ፦

1 ኣኽቢርካ ንእትርእዮ ስርዓታትን ንሸቶታትካን መርምሮ

እተወሰነ ቝጠባዊ ውሕስነት ኪህልወካ ምድላይ ንቡር እዩ። እኹል ዚብሃል ገንዘብ ግና ክንደይ ዚኣክል እዩ፧ መዐቀኒ ኣሳልጦ እንታይ እዩ፧ ብኣታዊ ወይ ጥሪት ሓደ ሰብ ጥራይ ድዩ ዚልካዕ፧ ብኣንጻሩ ድማ፡ ኣመና ብዙሕ ድቃስ ወይ መዘናግዒ እውን ውጥረት ኬዛይድ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቲም ከምዚ በለ፦ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ንህይወትና ኣጸቢቕና ምስ መርመርናዮ፡ ከነቕልሎ ወሲንና። ናይ ሕጂ ዅነታትናን ሓደስቲ ሸቶታትናን ዜርኢ ሰሌዳ ኣዳሊና። ዛጊት ዝገበርናዮ ውሳነታት ብኸመይ ከም ዝጸለወናን ሸቶታትና ንምውቃዕ እንታይ ክንገብር ከም ዜድልየናን ድማ ተመያይጥና።”

2 ደድሕሪ ጥሪት ክትጐዪ ዚጸልወካ ነገራት ነኪ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ን“ትምኒት ኣዒንቲ” ኽንቈጻጸሮ ይመኽረና እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) መወዓውዒታት ነዚ ትምኒታት እዚ ብምጕህሃር፡ ነዊሕ ሰዓታት ክትሰርሕ ወይ መጠኑ ብዝሓለፈን ብዙሕ ወጻኢታት ብዚሓትትን መዘናግዒ ኽትዘናጋዕ ኪደፋፍኣካ ይኽእል እዩ። ርግጽ እዩ፡ ንዅሉ መወዓውዒታት ከተወግዶ ኣይትኽእልን ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንመወዓውዒ እትቃልዓሉ ግዜ ገደብ ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት እውን ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ።

ፈተውትኻ ብዙሕ ኪጸልዉኻ ኸም ዚኽእሉ እውን ኣይትረስዕ። ደድሕሪ ሃብቲ ዚጐይዩ ወይ ንኣሳልጦኻ በቲ እተጥርዮ ጥሪት ዚልክዕዎ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ንዝሓሸ ነገራት ቀዳምነት ዚህቡ ፈተውቲ ኸተናዲ ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን” ይብል።—ምሳሌ 13:20

3 ንስራሕካ ገደብ ግበረሉ

ንኣስራሒኻ ብዛዕባ ስራሕካን ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራትን ኣዛርቦ። ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ካልእ ብሕታዊ ንጥፈታት ብዛዕባ ምጽማድ ሕማቕ ኪስምዓካ የብሉን። ዎርክ ቱ ሊቭ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቶም ኣብ መንጎ ስራሖምን ቤቶምን ደረት ዝገበሩ ወይ እውን ዕረፍቲ ዝወሰዱ ሰባት፡ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ብርቱዕ ጸገም ተፈጢሩ ኸም ዘይጸንሕ እዮም ተገንዚቦም” ትብል።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጌሪ፡ ጽቡቕ እቶት ስለ ዝነበሮ ንሰዓታት ስራሑ ኺንክዮ ወሰነ። ጌሪ፡ “ናብራና ብዛዕባ ምቕላል ምስ ስድራ ቤተይ ተመያይጠ። ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር ከኣ በብቝሩብ ስጕምቲ ወሲድና። ናብ ኣስራሕየይ ከይደ ድማ ኣብ ሰሰሙን ዝወሓደ ሰዓታት ክሰርሕ ከም ዝደሊ ነጊረዮ፣ ንሱ እውን ምስ ሓሳበይ ተሰማሚዑ” ይብል።

4 ምስ ስድራ ቤትካ ንእተሕልፎ ግዜ ቐዳምነት ሃቦ

ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ግዜ ኼሕልፉ፡ ውሉዳት ድማ ምስ ወለዶም ግዜ ኼሕልፉ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ማዕረ ማዕረ እተን ናብራአን ሃለኽለኽ ዝዀነ ስድራ ቤታት ክትነብር ኣይትጽዓር። ጌሪ፡ “እተዕርፈሉን እትዛነየሉን ግዜ መድብ፣ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ከኣ ሕደጎ” ዚብል ሓሳብ ይህብ።

ስድራ ቤትኩም ክትተኣኻኸብ ከላ፡ ተለቪዥን፡ ሞባይል ተሌፎን፡ ወይ ካልእ መሳርሒታት ካብ ሓድሕድኩም ከም እተግልሉ ኺገብረኩም ኣይተፍቅዱ። ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ብሓባር ተመገቡ፣ ንእዋን መኣዲ ድማ ብስድራ ቤት ንምዝርራብ ተጠቐሙሉ። ወለዲ ነዚ ቐሊል ምኽሪ እዚ ምስ ዚስዕቡ፡ ደቆም ድሕንነት ይስምዖም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ ንፉዓት ይዀኑ።

ንእዋን መኣዲ፡ ብስድራ ቤት ንምዝርራብ ተጠቐሙሉ

ኣብ መደምደምታ፡ ‘ኣብ ህይወት ቀንዲ ዜገድሰኒ ነገር እንታይ እዩ፧ ስድራ ቤተይ እንታይ ዓይነት ህይወት ኪህልዋ እየ ዝደሊ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ዝያዳ ሓጐስን ትርጉምን ዘለዎ ህይወት ክትነብር ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ንዜንጸባርቕ ነገራት ቀዳምነት ሃብ።