ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቈልዑ ምስ ዚሓዝኑ

ቈልዑ ምስ ዚሓዝኑ

ብሞት ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ትሓዝን ዲኻ ዘለኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንሓዘንካ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ ከምዚ ዓይነት ጸገም ንዘጋጠሞም ሰለስተ መንእሰያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እስከ ርአ።

ታሪኽ ዳሚ፦

ዳሚ

ኣብ ፈለማ፡ ቀሊል ሕማም ርእሲ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣቦይ ቃንዛ ምስ በርትዖ ግና፡ ኣደይ ኣምቡላንስ ጸዊዓ። እቶም ወሃብቲ ቐዳማይ ረድኤት ኪወስድዎ ኸለዉ ኽሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክሮ። ንመወዳእታ ግዜ ብህይወት ከሎ ዚርእዮ፡ ሽዑ ጥራይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣቦይ ብሕማም ኣነውሪዝማ ሞተ። ሽዑ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጥራይ እየ ነይረ።

ንዓመታት ዚኣክል፡ ኣቦይ ብሙማቱ ንርእሰይ እወቕሳ ነይረ። ወሃብቲ ቐዳማይ ረድኤት ኪወስድዎ ኸለዉ ዝነበረ ዅነታት እዝክር እሞ፡ ‘ሽዑስ ስለምንታይ እየ ስቕ ኢለ ደው ዝበልኩ፧ እንታይ ኰይነ እየኸ ገለ ነገር ዘይገበርኩ፧’ ብምባል ንርእሰይ እሓትታ ነይረ። ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ክርኢ ኸለኹ፡ ‘እዚኣቶም ብህይወት እናነበሩስ፡ ኣቦይ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣደይ ብዛዕባ ስምዒተይ ክዛረብ ሓጊዛትኒ እያ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ድማ ካብ ጉባኤ ጽቡቕ ደገፍ ረኺብና ኢና።

ገሊኦም ሰባት፡ ኣብቲ ዜሕዝን ፍጻመ ዘጋጠመሉ እዋን ጥራይ ሓዚንካ፡ ድሕሪኡ ሓዘንካ ዚውዳእ እዩ ዚመስሎም፣ ናተይ ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ክሳዕ ዕድመ ዀተቴ ዝበጽሕ ኣይሓዘንኩን።

ወላዲኦም ብሞት ንዝሰኣኑ መንእሰያት ዝህቦም ምኽሪ፡ “ብዛዕባ እቲ ዚስምዓኩም ነገራት ንሓደ ሰብ ንገሩ። ብዛዕባ ስምዒትካ ቐልጢፍካ ብዝገለጽካ መጠን፡ ብዝያዳ እዩ ጽቡቕ ዚስምዓካ።”

ኣቦይ ኣብ ጐድነይ ከም ዘየሎ እናፈለጥኩ፡ ኣብ ህይወተይ ነጥበ መቐይሮ ዝዀነ ፍጻመታት ከሕልፍ ከቢድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ኣብ ራእይ 21:4 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ [ኣዒንትና] ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ምጽንናዕ እረክብ እየ።

ታሪኽ ዴሪክ፦

ዴሪክ

ኣነን ኣቦይን ሓቢርና ዓሳታት እንገፈሉን ኣብ ኣኽራን እንሓድረሉን ዝነበርናሉ እዋናት ገለ ኻብቲ ብሉጽ ተዘክሮታተይ እዩ። ኣቦይ ናብ ኣኽራናት ምኻድ ኣዝዩ እዩ ዚፈቱ ነይሩ።

ኣቦይ ንገለ እዋን ብሕማም ልቢ ይሽገር ነይሩ እዩ። ቈልዓ ኸለኹ፡ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ኣብ ሕክምና ኽበጽሖ ይዝከረኒ። ሕማሙ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ግና ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ብሕማም ልቢ ሞተ።

ኣቦይ ምስ ሞተ ብዙሕ እየ በኽየ፣ ዓቕለይ ስለ ዝጸበበኒ፡ ንማንም ክዛረብ ኣይደለኹን። ከም ሽዑ ገይሩ ሕማቕ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን፣ ብድሕሪኡ ዝዀነ ይኹን ነገር ክገብር ኣይተበርሃንን ነይሩ። ኣባላት እታ ዝነበርክዋ ጕጅለ መንእሰያት ቤተ ክርስትያን ኣብ ፈለማ ተገዳስነት የርእዩኒ ነይሮም፣ እዚ ግና ቀልጢፉ እዩ ኣቋሪጹ። ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ “ኣቦኻ፡ መዓልቱ ኣኺሉ” ወይ “ኣምላኽ ጸዊዕዎ” ወይ ድማ “ሕጂ ኣብ ሰማይ ኣሎ” ይብሉኒ ነይሮም። እዚ መልስታት እዚ ፈጺሙ ኣየዕገበንን፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ድሕሪ ግዜ፡ ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀሚራ፣ ጸኒሕና ኣነን ሓወይን ሓቢርናያ። ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዜጸናንዕ ተስፋ ትንሳኤን ተማሂርና ኢና። (ዮሃንስ 5:28, 29) እታ ዝያዳ ዝሓገዘትኒ ጥቕሲ ግና ኢሳይያስ 41:10 እያ፣ ኣብኣ ኣምላኽ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ [እየ]” ኢሉ ኣሎ። የሆዋ ምሳይ ከም ዝዀነ ምፍላጠይ፡ ኣብ እዋን ሓዘነይ ኰነ ሕጂ ዓብዪ ምጽንናዕ እዩ ዀይኑኒ።

ታሪኽ ጀኒ፦

ጀኒ

ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹ እያ ኣደይ ብሕማም መንሽሮ ሞይታ። ሽዑ ሕልሚ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ቤትና ኸም ዝሞተት፡ ኣቦሓጎይን ዓባየይን ከኣ ኣብኡ ኸም ዝነበሩ እዝክሮ እየ፣ ኵላቶም ስቕ ኢሎም ነይሮም። እንቋቝሖ ኸም እተደረርና እውን እዝክሮ እየ። ኵሉ ህይወተይ እተበላሸወ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዀነ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ዓመታት፡ ምእንቲ እታ ንእሽቶ ሓብተይ ኢለ ኽብርትዕ ከም ዘሎኒ ስለ ዝሓሰብኩ፡ ንስምዒተይ ክዓብጦ ጽዒረ እየ። ክሳዕ ሎሚ እውን፡ ነቲ ዚስምዓኒ ብርቱዕ ሓዘን ኣብ ውሽጠይ ክዓብጦ እጽዕር እኳ እንተ ዀንኩ፡ ከምኡ ምግባረይ ግና ንጥዕናይ ጽቡቕ ኣይኰነን።

ኣባላት እታ ኣብ ከባቢና ዝነበረት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣዩና ፍቕርን ዝገበሩልና ደገፍን እዝክሮ እየ። ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ምክፋል ካብ እንጅምር ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበርና፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸምዛ ንነዊሕ ዓመታት ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝነበርና ገይሮም እዮም ሒዞምና። ኵሉ ሳዕ ምግቢ ኣብ ኣፍ ደገና ይሓድጉልና ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦይ ንዓመት ዚኣክል ድራር ዝሰርሐ ኣይመስለንን።

ልዕሊ ዅሉ ዝፈትዋ ጥቕሲ መዝሙር 25:16, 17 እያ። ኣብኣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ፡ “ኣነ በይነይን ረዳኢ ኣልቦን እየ እሞ፡ ገጽካ ናባይ ምለስ፡ ሞገስካ ኸኣ ኣርእየኒ። ጭንቂ ልበይ በዚሑ ኣሎ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ” ብምባል እዩ ተማሕጺንዎ። ክንሓዝን ከለና በይንና ኸም ዘይኰንና ምፍላጠይ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ኣምላኽ ምሳና እዩ። ሳላ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ሓገዝ፡ ኣብ ህይወተይ ንቕድሚት ክስጕምን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ዜጸናንዕ ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ነገራት ከተኵርን ክኢለ እየ። ንኣደይ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ፍጹም ጥዕና ሃልዩዋ እንደገና ኽርእያን ብዝያዳ ኽፈልጣን ተስፋ ኣሎኒ።—2 ጴጥሮስ 3:13

ብዛዕባ እቲ ንዝሓዘኑ ዜጸናንዕ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ምደለኻዶ፧ ነታ “እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብናጻ ኣራግፋ። ኣብ www.pr418.com/ti ኣቲኻ፡ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።