ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 15

ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧

ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧

ፊንላንድ

ምምሃር

ምጕሳይ

ምምስካር

ኣብ ውድብና ዚኽፈሎ ቐሺ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትስረት ከላ ዚግበር ዝነበረ፡ ብቕዓት ዘለዎም ሓለውቲ፡ ‘ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኺጓስዩ’ ይሽየሙ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ኣብ ጉባኤ ዚመርሑን ዚጓስዩን መንፈሳዊ ብስለት ዘለዎም ሰብኡት እዮም፣ ነዚ ዚገብርዎ ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኰነን፣ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ ኣይኰነን።’ (1 ጴጥሮስ 5:1-3) ብኸመይ እዮም ዜገልግሉና፧

ይከናኸኑናን ይሕልዉናን። ሽማግለታት ንጉባኤ ብመንፈሳዊ ንምዕቋብ ይመርሑን ይሕግዙን እዮም። ኣምላኽ ነዚ ኣገዳሲ ግደ እዚ ብሕድሪ ኸም ዝሃቦም ስለ ዚፈልጡ፡ ንህዝቡ ኣይጕይተቱሎምን እዮም፣ የግዳስ፡ ንድሕንነትናን ንሓጐስናን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። (2 ቈረንቶስ 1:24) ከምቲ ሓደ ጓሳ ንነፍሲ ወከፍ በጊዑ ብትግሃት ዚከናኸና፡ ሽማግለታት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ብውልቂ ኺፈልጡ ይጽዕሩ እዮም።—ምሳሌ 27:23

ብኸመይ ፍቓድ ኣምላኽ ከም እንገብር ይምህሩና። ኣብ ሰሰሙን፡ ሽማግለታት ንእምነትና ንምብርታዕ፡ ኣኼባታት ጉባኤ ይመርሑ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:32) እዞም ውፉያት ሰብኡት እዚኦም፡ ኣብ ንጥፈታት ወንጌላውነት እውን ምሳና ብምዕያይን ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ብምስልጣንን፡ መሪሕ ግደ ኣለዎም።

ብሕታዊ መተባብዒ ይህቡና። ሽማግለታት ጉባኤና፡ በብውልቂ ብመንፈስ ዜድልየና ዘበለ ምእንቲ ኼማልኡልና፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓገዝን መጸናንዕን ንምሃብ፡ ኣብ ቤትና ወይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪበጽሑና ይኽእሉ እዮም።—ያእቆብ 5:14, 15

መብዛሕትኦም ሽማግለታት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚገብርዎ ዕዮ፡ ግዜን ቈላሕታን ዚጠልብ ዓለማዊ ዕዮን ሓላፍነት ስድራ ቤትን ኣለዎም። ነዞም ጻዕረኛታት ኣሕዋት እዚኦም፡ ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13

  • ሽማግለታት ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለዎም፧

  • ሽማግለታት ብብሕቲ ተገዳስነት ዜርእዩና ብኸመይ እዮም፧