ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 5

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧

ኣርጀንቲና

ሰራ ልዮን

በልጅዩም

ማለዥያ

ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት መንፈሳዊ መምርሒ ወይ መጸናንዒ ኺረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ናብኡ ምኻድ ኣቋሪጾም እዮም። እሞኸ ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዳሎ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ኣብኡኸ እንታይ ኢኻ ኽትረክብ፧

ምስ ፈቃራትን ሓለይትን ሰባት ብምሕባርካ ትሕጐስ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብጉባኤታት እተወደቡ ነበሩ፣ ንኣምላኽ ንምምላኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕን ንሓድሕዶም ንምትብባዕን ከኣ ኣኼባታት ይገብሩ ነበሩ። (እብራውያን 10:24, 25) ፍቕሪ ኣብ ዝሰፈኖ ሃዋህው ይእከቡ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ምስ ናይ ሓቂ ኣዕሩኾም፡ ማለት ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ከም እተኣከቡ ዀይኑ ይስምዖም ነበረ። (2 ተሰሎንቄ 1:3፣ 3 ዮሃንስ 14) ንሕና እውን ኣርኣያኦም ንስዕብን ከማታቶም ሓጐስ ንረክብን ኢና።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ትምሃር። ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብሓንሳእ እዮም ዚእከቡ። ብቕዓት ዘለዎም መምህራን፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ናብራና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም እንኽእል ምእንቲ ኸነስተውዕል፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ይሕግዙና እዮም። (ዘዳግም 31:12፣ ነህምያ 8:8) ኵሉ ሰብ ኣብቲ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን መዝሙር ኣብ ምዝማርን ኪሳተፍ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ፡ ክርስትያናዊ ተስፋና ኽንገልጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና።—እብራውያን 10:23

ኣብ ኣምላኽ ዘላትካ እምነት ትድልድል። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓንቲ ብግዜኡ ዝነበረት ጉባኤ፡ “ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ” በላ። (ሮሜ 1:11, 12) ኣብ ኣኼባታትና፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾትና ኣዘውቲርና ስለ እንራኸብ፡ እምነትናን ክርስትያናዊ ናብራ ኽንነብር ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ይድልድል እዩ።

እሞኸ፡ ኣብ ዚቕጽል ናብ ኣኼባታትና ኼድካ፡ ነዚ ነገራት እዚ ስለምንታይ ብዓይንኻ ዘይትርእዮ፧ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉኻ እዮም። መእተዊ ዅሉ ኣኼባታትና ብናጻ እዩ፣ እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ።

  • ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንገብር ከለና፡ ናይ መን ኣርኣያ ኢና እንስዕብ፧

  • ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብ፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧