ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 25

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧

ቦሊቭያ

ናይጀርያ፡ ቀደምን ሕጅን

ታሂቲ

ከምቲ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብል ስም ዚእምቶ፡ እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዜተኵረላ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ።—ሉቃስ 8:1

ኣብቲ ማሕበረሰብ፡ ማእከላት ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ቦታ እቲ ተላዒልካ እዩ ዚግበር። (ማቴዎስ 24:14) ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እተፈላለየ ዕቤትን ንድፍን እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኵሉ ግና ተራ ኣዳራሽ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ንልዕሊ ሓንቲ ጉባኤ የገልግል። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ምስ ወሰኽ ጉባኤታትና ንምስጓም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ (ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ) ሃኒጽና ኢና። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ክኢሉ፧—ማቴዎስ 19:26

ንማእከላዊ ማዕከን ብእተገብረ ወፈያታት ይህነጽ። እዚ ወፈያታት እዚ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይለኣኽ እሞ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጻ ወይ ኬጥርያ ንዚደልያ ጉባኤታት ይውሃበን።

እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ብዘለዎም ዘይክፈሎም ወለንተኛታት ይህነጽ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተወዲቡ ኣሎ። ጕጅለታት ኣገልገልትን ወለንተኛታትን ህንጸት፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ፡ አረ ናብ ግሉል ቦታታት እውን እናተንቀሳቐሱ፡ ኣብኡ ንዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምህናጽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዝዎም እዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ድማ፡ ብቑዓት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህንጸትን ንሕደሳን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቈጻጸሩ ተሸይሞም ኣለዉ። ብዙሓት ክኢላታት ሰብ ሞያ ብወለንታ ጕልበቶም ይውፍዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህንጸት ዚካየደሉ ቦታ፡ ኣባላት እታ ዚህነጸላ ጉባኤ ንመብዛሕትኡ እቲ ዜድሊ ጕልበት የበርክቱ እዮም። መንፈስ የሆዋን ህዝቡ ብምሉእ ነፍሶም ዚገብርዎ ጻዕርታትን፡ ነዚ ዅሉ ኸም ዚከኣል ይገብሮ ኣሎ።—መዝሙር 127:1፣ ቈሎሴ 3:23

  • ቦታታት ኣምልኾና፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ብዘላ ዓለም ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ እተኻእለ ብኸመይ እዩ፧