ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 137 ክፍሊ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ

ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 137 ክፍሊ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ

ብ13 መስከረም 2014፡ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 137 ክፍሊ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ሰፊሕ ተመክሮ ንዘለዎም ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነተን እተመደቡለን ጉባኤታትን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብ ምህናጽ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኪዀኑ ዜሰልጥን እዩ። ጠቕላላ ቝጽሪ እቶም ኣብ ፓተርሰን ብኣካል ተረኺቦም ከምኡ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ጃማይካን ፖርቶ ሪኮን ኰይኖም ብቪድዮ ነቲ መደብ ብቐጥታ እተኸታተልዎ ተኣከብቲ፡ 12,333 እዩ ነይሩ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ፡ ኣቦ መንበር እቲ መደብ እዩ ነይሩ። ኣብ መእተዊ መደረኡ፡ ሓሳባት የሆዋ ኻብ ሓሳባትና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚልዕል ገለጸ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) ተምሃሮ ጊልዓድ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንኣእምሮኦም ብሓሳባት ኣምላኽ እኳ እንተ መልእዎ፡ ‘ጫፍ መገድታት ኣምላኽ’ ጥራይ ከም ዝፈለጡ ገለጸ። (እዮብ 26:14) ሓው ሀርድ ቀጺሉ፡ ብዛዕባ ሓሳባት ኣምላኽ ክንዘራረብ ኣብ እንእከበሉ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ብዙሕ ከም እንጥቀም፡ እዚ መደብ ስነ ስርዓት ምረቓ እውን ካብዚ ከም ዘይፍለ ገለጸ።

‘እቲ ፍረ መንፈስ፡ ዓቕሊ እዩ።’ (ገላትያ 5:22) ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነ ጆን ላርሰን፡ ነታ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ዓቕሊ ኸነርኢ እንኽእለሉ ኽልተ መገዲ ኣጕልሐ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ኬሰልጥነናን ብእምነት ክንስረት ኪሕግዘናን ከሎ ኽንዕገሶ የድልየና። (1 ጴጥሮስ 5:10) የሆዋ ንኣብርሃም ኼሰልጥኖን ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ኣብ መወዳእታኡ ኺፍጽመሉን ከሎ፡ ኣብርሃም ስለ እተዓገሰ ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ።—እብራውያን 6:15

ካልኣይ፡ ንገዛእ ርእስና ኽንዕገሳ የድልየና። ተምሃሮ፡ ናይ ጊልዓድ ስልጠናኦም ምስ ወድኡ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ ኪጽበዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ሽዑ ንሽዑ እንተ ዘይሰሊጥዎም፡ ‘እንታይ እየ ዀይነ፧’ ኢሎም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ሓው ላርሰን ኣብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተመርኲሱ፡ ንገዛእ ርእሶም ብምዕጋስን ኣምላኽ ንስልጠናኦም ኪፍጽሞ ኸሎ ትጉሃት ብምዃንን ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪሰግርዎ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋገጸሎም።—እብራውያን 6:11, 12

“ልብኹም ትሑት ይኹን፡ ንዘለኣለም ድማ ብህይወት ንበሩ!” ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ ኣብ መዝሙር 22:26 እተመስረተ መደረ እዩ ኣቕሪቡ፣ ናይ መወዳእታ ኽፋል እታ ጥቕሲ ቓል ብቓላ ኽትትርጐም ከላ፡ “ልብኹም ንዘለኣለም ብህይወት ይንበር” እያ ትብል። እዚ በረኸት እዚ ኽንረክብ፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ሓው ሞሪስ፡ የሆዋ ኺጥቀመልና እንተ ዀይኑ፡ ትሑታት ክንከውን ከም ዜድልየና ኣጕልሐ። ዝዀነ ይኹን ካባና፡ ዋላ እውን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክርስትያናት ዝዀነ፡ ንክርስቶስ የሱስ ምምሳል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺዝንግዕ ይኽእል እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:9

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ትሕትና ናይ ዘርኣዩን ናይ ዘየርኣዩን ሰባት ታሪኽ ንረክብ ኢና። ሄሮድስ ኣግሪጳ ንሽሕጣን እቶም ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ክብሪ ዝሃብዎ ህዝቢ ብትዕቢት ስለ እተቐበለ፡ “መልኣኽ የሆዋ ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ።” (ግብሪ ሃዋርያት 12:21-23) ብኣንጻሩ ግና፡ ጴጥሮስ ‘ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ብዘይ ምሕሳቡ’ የሱስ ምስ ገንሖ፡ ኣየስቈርቈረን ወይ ኣይተቘጥዐን። (ማቴዎስ 16:21-23) ነቲ ተግሳጽ ተቐቢልዎን ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት ኰይኑን እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:5

ገሊኦም ተምሃሮ፡ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ኪዓይዩ ስለ ዝዀኑ፡ ሓው ሞሪስ፡ ትሕትና እንተ ዘይብሎም ኣብ ምድቦም ዘይሕጕሳት ከም ዚዀኑ ኣጠንቀቖም። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ትሕትና ኸም ዚጐድሎ ኣይግንዘብን ይኸውን። ነዚ ነጥቢ እዚ ንምጕላሕ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ሓደ ሽማግለ ትሕትና ብዘይ ምርኣዩ ምኽሪ ምስ ተዋህቦ፡ “ኣነ ኻብ ዝፈልጦም ሰባት፡ ከማይ ዝበለ ትሑት ሰብ የለን” ኢሉ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ዝጸሓፈ ነገሮም። ሓው ሞሪስ ነቶም ተምሃሮ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኼወግዱ ኣተባብዖም። ብዛዕባ ዘለዎም ስልጣን ዘይግቡእ ኣረኣእያ እንተ ኣወጊዶም፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ናይ ሓቂ ስልጣን ዘለዎም የሆዋ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ምዃኖም እንተ ተገንዚቦም፡ ትሑታት ከም ዚዀኑ ገለጸ።

“ኣምላኽ መንፈሱ ቘጢቡ ኣይህብን እዩ።” (ዮሃንስ 3:34) ናይ ጊልዓድ መምህር ዝዀነ ማይክል በርነት፡ ነቶም ተምሃሮ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምድቦም ንዜጋጥሞም ብድሆታት ወይ ጥርጣረታት ኬሰንፉ ኸም ዚሕግዞም ኣዘኻኸሮም። መንፈስ ኣምላኽ ንበሳልኤል፡ ማሕደር ኪሃንጽ ንእተዋህቦ ሓላፍነት ኪፍጽሞ ኣኽኢልዎ እዩ። (ዘጸኣት 35:3035) መንፈስ ቅዱስ ንበሳልኤል ነቲ ኸም ኢደ ጥበበኛ መጠን ዝነበሮ ተውህቦ ኣዕብይዎ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ኪምህር እውን ኣኽኢልዎ እዩ። ተመረቕቲ ጊልዓድ ነቲ ኣብ ክፍሊ እተማህርዎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ምሳሌ ትምህርቲ ምስ ዚስዕብዎ፡ መንፈስ ቅዱስ ብተመሳሳሊ መገዲ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።

ብግዜ በሳልኤል፡ እስራኤላውያን ኣንስቲ እውን ኣብ ህንጸት እቲ ማሕደር ዓብዪ ግደ ነይርወን እዩ። (ዘጸኣት 35:25, 26) ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ኽፍሊ ዝነበራ ኣሓት ንሰብኡተን ኣብ ምድጋፍ “ክኢላታት ኣንስቲ” ኸም ዝዀና ኣርእየን እየን። ሓው በርነት፡ ነቶም ተምሃሮ “ንተውህቦኹም ብትሕትናን ብናይ ተኣዛዝነት መንፈስን ተጠቐሙሉ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ የሆዋ መንፈሱ ኣብዚሑ ኺህበኩም እዩ” ዚብል ምኽሪ ብምሃብ መደረኡ ዛዘመ።

“ምሳይ ክትስዕስዕ ትኽእልዶ፧” ሓጋዚ ኮሚተ ትምህርቲ ዝዀነ ማርክ ኑሜር፡ ነቲ ንጉስ ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኬደይቦ ኸሎ ዘጋጠመ ነገር ከም ኣብነት ተጠቒሙ እዩ መደረኡ ኣቕሪቡ። (2 ሳሙኤል 6:12-14) እቲ ታቦት ኪድይብ ከሎ፡ ዳዊት ብትሕትና ምስተን “ግዙኣት ገላዉኡ” ዀይኑ ብሓጐስ ይስዕስዕ ነበረ። (2 ሳሙኤል 6:20-22) እዘን ግዙኣት፡ ነታ ምስ ንጉስ ዳዊት ዝሳዕሰዓላ መዓልቲ ፈጺመን ኣይርስዕኣን እየን። ሓው ኑሜር ቀጺሉ ነቶም ተምሃሮ፡ ምስተን “ግዙኣት ኪስዕስዑ” ኣተባብዖም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ሓተቶም፦ “ነቶም ዝዀነ ሓላፍነት ዘይብሎም እውን ሓገዝኩም ከም እትህቡ ጌሮም ድዮም ሰባት ኪፈልጥኹም፧ . . . ንኻልኦት በቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ባህርያት ዲኹም ኣኽቢርኩም ክትርእይዎም፧”

እቶም ተመረቕቲ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሎም ብቐጻሊ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ እንተ ኣርእዮም ንየሆዋ ኺመስልዎ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 113:6, 7) ዋላ እውን ገሊኦም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ትሕትና እንተ ጐደለቶም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍጽምና ኻልኦት ኪጸልዎም ፈጺሞም ኬፍቅዱ የብሎምን። ሓው ኑሜር ቀጺሉ፡ “ንርእስኹም ክብ ኣቢልኩም ኣይትርኣዩ። ንኣባጊዕ የሆዋ ኸምቲ ንሱ ገይሩ ዚሕዘን ጌርኩም ሓዝወን” በሎም።

“ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ምምስካር።” ሓላዊ ኽፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዀነ ዊልያም ሳሙኤልሰን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዝረኸቦ ዘበለ ኣጋጣሚ ብስራት ንምስባኽ ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:17) ድሕርዚ፡ ሓው ሳሙኤልሰን ነቶም ተምሃሮ፡ ኣብ ጊልዓድ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ዜሐጕስ ተመክሮ ብመርኣያ ኼርእዩ ዓደሞም። ንኣብነት፡ ክልተ ሰብ ሓዳር ንሓንቲ ኣብ ዕዳጋ እትሸይጥ ሰበይቲ ረኸብዋ። ዕዳጋ ዝሕል ክሳዕ ዚብል ድሕሪ ምጽባዮም ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኣይዋ። ብዘይካዚ፡ በቲ ቛንቋ ኣዲኣ ዝዀነ ላኦስኛ ዝያዳ ሓበሬታ ምእንቲ ኽትረክብ ምስ jw.org ኣላለይዋ። እቶም ሰብ ሓዳር ነታ ሰበይቲ ኺምለስዋን ተገዳስነታ ኪዅስኵሱን ክኢሎም እዮም።

“ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ርእስኹም ኣቕርቡ።” ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዚዓዪ ዊልያም ኖንኪስ፡ ንኣርባዕተ ኻብቶም ተመረቕቲ ቓለ መጠይቕ ገበረሎም። እዞም ተምሃሮ፡ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 6:8 ተገሊጹ ዘሎ ዓይነት መንፈስ ብምንጽብራቕ ድሮ ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ርእሶም ኣቕሪቦም እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ግና ነዚ ብዝበለጸ ኺገብርዎ ኣዳልይዎም እዩ። ሓብቲ ስኖልያ ማሴኮ፡ ኣብ ጊልዓድ፡ ኣበየናይ መዳይ ህይወታ ምምሕያሽ ክትገብር ዜድልያ ምዃኑ ኸም እተማህረት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዳ ድሕሪ ምውዓላ እውን ከይተረፈ ንግዜኣ ብኸመይ ብጥበብ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ከም እተማህረት ገለጸት። “እቲ ስልጠና፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ንላዕሊ ኽገብር ከም ዝኽእል ክግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ” ድማ ትብል። ሓው ደኒስ ኔልሰን፡ እቲ ኣብ ጸፎንያስ 3:17 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ኣገልግሎት ተስፋ ንኸይቈርጽ ብኸመይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ተማሂሩ እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ዋላ እውን ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ውጽኢት እንተ ዘይረኸብኩ፡ የሆዋ እልል እናበለ ይሕጐስ ከም ዘሎ ኽዝክር ኣሎኒ፣ ስለዚ፡ ኣነ እውን ከምኡ ኽገብር ይግብኣኒ።”

“ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ።” (ማቴዎስ 6:26) ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ስቲቨን ለት፡ ቀንዲ መደረ እቲ መደብ ኣቕረበ። ሓው ለት፡ ኣብቲ ‘ንኣዕዋፍ ክንምልከት’ ወይ ተጠንቂቕና ኽንምርምር ከም ዘሎና የሱስ ዝመሃረና ትምህርቲ ተመርኲሱ፡ ካብ ኣዕዋፍ ብዙሕ ክንምሃር ከም እንኽእል ገለጸ።—እዮብ 12:7

ንኣብነት፡ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንኣዕዋፍ ዚምግበን፡ ንዓና እውን ዜድልየና ኼማልኣልና እዩ። ኣባላት “ቤተ ሰብ ኣምላኽ” ኢና፣ ‘ነቶም ናቱ ዚናቢ’ ምዃኑ ኸኣ ኣረጋጊጹልና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15፣ 5:8) ርግጽ እዩ፡ ግዴና ኽንገብር ኣሎና። ከምቲ እተን ኣዕዋፍ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወለን ምግቢ ንምርካብ ኪደልያ ዘለወን፡ ንሕና እውን በረኸቱ ንምርካብ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንደሊ’ ኣሎና።—ማቴዎስ 6:33

ብዘይካዚ ሓው ለት፡ ብዙሓት ኣዕዋፍ ሓደጋ ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕወን ናይ መጠንቀቕታ ጩቕጩቕታ ኸም ዜስምዓ ተዛረበ። ብተመሳሳሊ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ንኣብነት ሓደ ሓው “ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡” ከነጠንቅቖ ይግብኣና። (ገላትያ 6:1) ብዕዮ ስብከትና ኣቢልና እውን ንሰባት ብዛዕባ እታ እናቐረበት ትመጽእ ዘላ “መዓልቲ የሆዋ” ነጠንቅቖም ኢና። (ጸፎንያስ 1:14) ኣብ ካልእ ኣብነት ከኣ፡ ሓው ለት፡ ልክዕ ከምተን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጐዓዛ ኣዕዋፍ ብልዕሊ በረኽቲ ኣኽራን ዚነፍራ፡ ንሕና እውን ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ዘይስገር ዚመስል ዕንቅፋታት እውን ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ገለጸ።—ማቴዎስ 17:20

መደምደምታ። እቶም ተምሃሮ ዲፕሎማኦም ምስ ተቐበሉ፡ ሓደ ኻብቶም ተመረቕቲ፡ ሞሳ እቶም ተምሃሮ እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ። ሓው ሀርድ ኣብ መደምደምታ እቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሓሳባት የሆዋ ኣብ ልብና ንምስራጽ እንገብሮ ጻዕሪ ምስቲ መስማር ኣብ መገዲ ባቡር ንምስማር ዚግበር ዕዮ ኣመሳሰሎ። ሓደ መስማር ብጽኑዕ ምእንቲ ኺስመር፡ ደጋጊምካ ብሞደሻ ኽትሃርሞ የድልየካ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ተመረቕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊልዓድ እተማህርዎ ብቐጻሊ ኺሓስቡ ኣለዎም። ሓው ሀርድ ኣብ መደምደምታ፡ “ግዜ ወሲድኩም፡ ኣብ ውሽጢ ልብኹም ኣጸቢቕኩም ሰምርዎ፣ ብሓሳባት ኣምላኽ እንተ ተመሪሕኩም ንኻልኦት በረኸት ክትኰኑ ኢኹም” በሎም።