ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ትምህርቲ ንወለድን ንቘልዑን ይህቡ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ትምህርቲ ንወለድን ንቘልዑን ይህቡ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወለዲ ንደቆም ኬፍቅርዎምን መምርሒታት ኪህብዎምን ኬዕቍብዎምን ከም ውህበት ኣምላኽ ገይሮም ኪርእይዎምን ከም ዘለዎም ይምህር እዩ። (መዝሙር 127:3፣ ምሳሌ 1:8፣ ኤፌሶን 6:1-4) ሓደ ኻብቲ ወለዲ ንደቆም ኬዕቍቡሉ ዘለዎም ብዙሕ ሓደጋታት፡ ጾታዊ ማህሰይቲ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ጥዑይ ርክብ ስድራ ቤት ዜደንፍዕ ሓበሬታታት ኬሕትሙን ኪዝርግሑን ጸኒሖም እዮም። ብዘይካዚ፡ ወለዲ ንደቆም ካብ ጾታዊ ማህሰይቲ ኼዕቍብዎምን ብዛዕባ እቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ኼውርዱሎም ዚኽእሉ ኺምህርዎምን ዚሕግዞም ናውቲ ኣዳልዮም እዮም። እዚ ዚስዕብ ዝርዝር፡ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ጕዳያት እዚ ንጹር መምርሒ ዚህብ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ናውቲ ዜርኢ እዩ። እዘን ዓንቀጻት ንእተሓትማሉ ብዝሒ ቕዳሓትን ቋንቋታትን ኣስተብህለሉ። a

  • ኣርእስቲ፦ ሕቡእ ገበን—ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዚፍጸም ጾታዊ ርክብ

    • ጽሑፍ፦ ናይ 8 ለካቲት፡ 1981 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቕዳሓት፦ 7,800,000

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 34

  • ኣርእስቲ፦ ንግዳያት እቶም ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዚፍጸም ጾታዊ ርክብ ዚኸውን ሓገዝ

    • ጽሑፍ፦ ናይ 1 ጥቅምቲ፡ 1983 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቕዳሓት፦ 10,050,000

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 102

  • ኣርእስትታት፦ ቈልዓ ምዕማጽ—ንኣዴታት ዜባህርር ተግባርቈልዓ ምዕማጽ—ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዚፍጽም መን እዩ፧ቈልዓ ምዕማጽ—ንውሉድካ ኸተዕቍቦ ትኽእል ኢኻ

    • ጽሑፍ፦ ናይ 22 ጥሪ፡ 1985 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቕዳሓት፦ 9,800,000

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 54

  • ኣርእስትታት፦ ግዳያት እቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዚፍጸም ዓመጽ ዝዀኑ ንጹሃት ሰባትኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዚፍጸም ዓመጽ ዜስዕቦ ስዉር በሰላ

    • ጽሑፍ፦ ናይ 8 ጥቅምቲ፡ 1991 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቕዳሓት፦ 12,980,000

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 64

  • ኣርእስትታት፦ ውሉድካ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ!ንውሉዳትና ኸነዕቍቦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ኣብ ቤትካ ተኸላኸለሎም

    • ጽሑፍ፦ ናይ 8 ጥቅምቲ፡ 1993 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቕዳሓት፦ 13,240,000

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 67

  • ኣርእስቲ፦ ንውሉዳትኩም ኣዕቍብዎም

    • ጽሑፍ፦ ብ2002 ኣብ ምልክታታት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝወጸት ቪድዮ ቍ. 4

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 2

  • ኣርእስቲ፦ የሱስ ብኸመይ እዩ ዕቝባ ረኺቡ፧

  • ኣርእስትታት፦ ንነፍሲ ወከፍ ወላዲ ዜገድስ ሓደገኛ ዅነታትንውሉዳትኩም ብኸመይ ከም እተዕቍብዎምንቤትካ ዕቝባ ዚርከበሉ ቦታ ግበሮ

    • ጽሑፍ፦ ናይ ጥቅምቲ 2007 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቕዳሓት፦ 34,267,000

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 81

  • ኣርእስትታት፦ ንገዛእ ርእሰይ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኻብ ዜውርዱ ሰባት ክከላኸለላ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧፣ ወለዲ ዚሓትትዎ ሕቶታት፦ ንውሉደይ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክዛረቦዶ ይግብኣኒ እዩ፧

  • ኣርእስቲ፦ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ኪምህርዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም

    • ጽሑፍ፦ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ብ5 መስከረም 2013 ዝወጸት ዓንቀጽ (እንግሊዝኛ)

    • ብዝሒ ቛንቋታት፦ 64

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ካብ ዜስዕብዎ ጕድኣት ንምዕቋብ፡ ንወለድን ንውሉዳቶምን ምምሃር ኪቕጽሉ እዮም።

a ጽሑፋት እተሓትመሉ ዕለት፡ ነቲ ናይ እንግሊዝኛ ሕታማት እዩ ዜመልክት።