ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ሕግታት ኣለዎም ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ሕግታት ኣለዎም ድዩ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታትን ትእዛዛትን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን ንርእስና ዚጠቕመናን ውሳነታት ንምግባር ከም ዚሕግዘና ይኣምኑ እዮም። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ነዚ ስርዓታትን ትእዛዛትን ንሕና ኣይኰናን ኣውጺእናዮ፡ብእኡ ግና ንምራሕ ኢና። ዓርኪ ምስ ምሓዝ ብእተተሓሓዘ ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ እስከ ንርአ። a

  •   ሓዳር ነባሪ ጥምረት እዩ። (ማቴዎስ 19:6) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓርኪ ምሓዝ ወይ ፍቕራዊ ርክብ ምምስራት ናብ ሓዳር ዚመርሕ መደብ ከም ዝዀነ ስለ ዚግንዘቡ፡ ኣቕሊሎም ኣይርእይዎን እዮም።

  •   እቶም ሓዳር ኪገብሩ ዕድሜኦም ዝበጽሐ ጥራይ እዮም ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርቱ ዘለዎም። ምኽንያቱ፡ ንሳቶም፡ ‘ብጽሕናኦም ኣሕሊፎም’ ወይ ከኣ ጾታዊ ስምዒት ዚሕይለሉ ዕድመ ኣሕሊፎም እዮም።—1 ቈረንቶስ 7:36

  •   ዓርኪ ዚሕዙ ወይ ፍቕራዊ ርክብ ዚምስርቱ ሰባት፡ ኪምርዓዉ ናጻ ዝዀኑ ኪዀኑ ኣለዎም። ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ንፍትሕ ዜብቅዕ ምኽንያት ምንዝርና ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ገሊኦም ብሕጊ እተፋትሑ ሰባት እንደገና ኺምርዓዉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናጻ ኣይኰኑን።—ማቴዎስ 19:9

  •   ኪርምርዓዉ ዚደልዩ ክርስትያናት፡ ካብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ጥራይ መጻምድቲ ኪሓርዩ እዮም ተማዒዶም። (1 ቈረንቶስ 7:39) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ትእዛዝ እዚ ብዛዕባ ሓደ ንእምነታትና ዜኽብር ሰብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሓደ ንእምነታትና ዚቕበልን ዚትግብርን እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ይግንዘቡ እዮም። (2 ቈረንቶስ 6:14) ኣምላኽ ንኣምለኽቱ፡ ከም ናቶም ዓይነት እምነት ምስ ዘለዎ ሰብ ኪምርዓዉ ወትሩ ይእዝዞም ነይሩ። (ዘፍጥረት 24:3፣ ሚልክያስ 2:11) እዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ግዜና ዘለዉ ተመራመርቲ እውን ግብራዊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም እዮም። b

  •   ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዝዎም ኣለዎም። (ምሳሌ 1:8፣ ቈሎሴ 3:20) ምስ ወለዶም ዚነብሩ ውሉዳት፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ወለዶም ዜውጽእዎ ትእዛዝ እውን ኪእዘዙ ኣለዎም። ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ኣበየናይ ዕድመ ዓርኪ ኺሕዙ ኸም ዚኽእሉን ዓርኪ ምስ ሓዙ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚፍቀደሎምን መምርሒ ኺህብዎም ይኽእሉ እዮም።

  •   ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብመሰረት ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ዓርኪ ንምሓዝ ባዕሎም ኪውስኑን ንመን ከም ዚሕዙ ብሕታዊ ምርጫ ኺገብሩን ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ምስቲ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር ኪጸውር እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ዚሰማማዕ እዩ። (ገላትያ 6:5፡ እግረ ጽሑፍ) እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ካብ ብሱላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምኽሪ ይሓትቱ እዮም።—ምሳሌ 1:5

  •   ፍቕራዊ ርክብ ድሕሪ ምምስራት ዚግበር ገሊኡ ልሙድ ተግባራት፡ ከቢድ ሓጢኣት እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ይእዝዘና እዩ። እዚ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ንጾታዊ ኣካላት ምትንኻፍ ወይ ከም ብኣፍን ብመሃንቱስን ዚፍጸም ጾታዊ ርክብ ዝኣመሰለ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዚግበር ርኹስ ተግባራት እውን ዜጠቓልል እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ቅድሚ ሓዳር፡ ጾታዊ ስምዒት ንምልዕዓል ዚግበር ነገራት፡ ንኣምላኽ ዜጕሂ “ርኽሰት” እዩ። (ገላትያ 5:19-21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስነ ምግባራዊ ዘይኰነ “ጽዩፍ ዘረባ” እውን ይኹንን እዩ።—ቈሎሴ 3:8

  •   ልብና ወይ ውሽጣዊ እንታይነትና ኺጠልመና ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ከመይሲ፡ ንሓደ ሰብ ጌጋ ምዃኑ ዚፈልጦ ነገራት ኪገብር ኪደፋፍኦ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ፍቕራዊ ርክብ ዝመስረቱ ወድን ጓልን ኣብ ጽምው ቦታታት ንበይኖም ብዘይ ምዃን፡ ልቦም ከየስሕቶም ኪጥንቀቑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ይዀኑ ወይ መሰነይታ ይገብሩ እዮም። (ምሳሌ 28:26) መጻምድቲ ዚደልዩ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት፡ ኣብ ኢንተርነት ዓርኪ ምድላይ ዘለዎ ሓደጋ፡ ብፍላይ ከኣ ጽቡቕ ጌርካ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ምምስራት ዘለዎ ሓደጋ ይፈልጥዎ እዮም።—መዝሙር 26:4

a ሓዳር ቅድሚ ምምስራት ዓርኪ ምሓዝ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ልሙድ ኪኸውን ከሎ ኣብ ገሊኡ ግና ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዳር ቅድሚ ምግባርካ ዓርኪ ምሓዝ ኣድላዪ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይገልጽን እዩ።

b ንኣብነት፡ ኣብታ ሜሬጅ ኤንድ ፋሚሊ ሪቪው ዘርእስታ መጽሔት ዝወጸ ዓንቀጽ፡ “ሓዳር ንነዊሕ እዋን ኪጸንሕ ብዛዕባ ዚሕግዙ ነገራት እተገብረ ሰለስተ መጽናዕቲ ከም ዚሕብሮ፡ ሓደ ዓይነት ሃይማኖታዊ ኣረኣእያን እምነትን ምሓዝ፡ ሓዳር ንነዊሕ እዋን (ካብ 25-50 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ) ኪጸንሕ ዚገብር ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።”—ጥራዝ 38፡ ሕታም 1፡ ገጽ 88 (2005)።