ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤታት ይበታትኑ ድዮም ወይስ ይሃንጹ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤታት ይበታትኑ ድዮም ወይስ ይሃንጹ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ገዛእ ርእስናን ናይ ብጾትናን ስድራ ቤታት ክንሃንጽ ኢና እንጽዕር። ነቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ ኣምላኽ ነኽብሮ ኢና። (ዘፍጥረት 2:21-24፣ ኤፌሶን 3:14, 15) ኣምላኽ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ድልዱላትን ሕጉሳትን ስድራ ቤታት ኪሃንጹ ዜኽእሎም ስርዓታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩልና ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድልዱላት ስድራ ቤታት ዚሃንጹ ብኸመይ እዮም፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ዝሓሽና ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ክንከውን ስለ ዚሕግዘና፡ ክንስዕቦ ንጽዕር ኢና። (ምሳሌ 31:10-31፣ ኤፌሶን 5:22-6:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ኣባላት ንዝሓቘፋ ስድራ ቤታት እውን ይሕግዝ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) መጻምድቶም ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም፦

  •   “እተን ብሓንሳእ ዝነበርናለን ሽዱሽተ ዓመታት ብቘየቛን ብብስጭትን ዝመልኣ እየን ነይረን። ኢቨት ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት ግና፡ ዝያዳ ፈቃርን ዕግስትን ኰይና። እቲ ዝገበረቶ ለውጢ፡ ሓዳርና ኻብ ምብታን ኣድሒኑና እዩ።”—ክላኡር፡ ካብ ብራዚል።

  •   “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤታት ዜፍርሱ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ሰብኣየይ ቻንሳ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመረ ተቓዊመዮ ነይረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳርና ብዙሕ ከም ዝሓገዝና ተገንዚበ እየ።”—ኣግነስ፡ ካብ ዛምብያ።

 ኣብ ኣገልግሎትና ንእንረኽቦም ሰባት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕሉ በዚ ዚስዕብ መገድታት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ነርእዮም ኢና፦

ሃይማኖት ምቕያር ኣብ ሓዳር ባእሲ የልዕል ድዩ፧

 ሓድሓደ ግዜ፡ ባእሲ ኼልዕል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብ1998 ትካል ምርምር ሶፍረስ ዜውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ መጻምድቲ ጥራይ ኣብ ዘለዎ 1 ካብ 20 ዚኸውን ሓዳር፡ እቲ መጻምድቲ ሃይማኖቱ ቐይሩ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ ኸቢድ ጸገማት ይልዓል እዩ።

 የሱስ እቶም ትምህርትታቱ ዚስዕቡ ሰባት ካብ ስድራ ቤቶም ምጽራር ኬጋጥሞም ከም ዚኽእል ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:32-36) ዊል ዱራንት ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ ብግዜ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ፡ “ክርስትና ስድራ ቤታት ከም ዚበታትን ጌርካ ተኸሲሱ እዩ።” a ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እዚ ኽሲ እዚ ተኸሲሶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓዳር ባእሲ የልዕሉ ድዮም፧

ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ

 ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤታት ከም ዚበታትኑ ዝቐረበ ኽሲ ብይን ኪህበሉ ኸሎ፡ ጠንቂ እቲ ኣብ ስድራ ቤታት ዚልዓል ባእሲ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራ ቤት “ነቲ ሃይማኖታዊ ቤተሰቦም ሃይማኖቱ ኺገልጽን ኪስዕብን ዘለዎ ናጽነት ዚጻረሩን ዘይፈቕዱን ምዃኖም” ከም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኹ፡ “እዚ ዜጋጥም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ፡ እተፈላለየ ሃይማኖታት ዘለዎም ኣባላት ኣብ ዝሓቘፋ ዅለን ስድራ ቤት እውን እዩ” በለ። b ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ኬጋጥሞም ከሎ እውን፡ ነቲ፡ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕቡ ይጽዕሩ እዮም።—ሮሜ 12:17, 18

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባል ሃይማኖቶም ጥራይ ኪምርዓዉ ኸም ዘለዎም ዚኣምኑ ስለምንታይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ‘ብጐይታ ጥራይ ኪምርዓዉ፡’ ማለት ከም ናታቶም እምነት ንዘለዎ ሰብ ጥራይ ኪምርዓዉ ከም ዘለዎም ዚገልጽ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ይስዕቡ እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:39) እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳውን ጠቓምን ትእዛዝ እዩ። ንኣብነት፡ ብ2010 ኣብ ጆርናል ኦቭ መሬጅ ኤንድ ፋሚሊ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ሓደ ዓይነት ሃይማኖትን ልምድታትን እምነታትን ዘለዎም ሰብ ሓዳር” ብሉጽ ርክብ ከም ዚህልዎም ገሊጻ ኣላ። c

 ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ መጻምድቲ ዘለዎም ኣባላቶም፡ ሓዳሮም ኪብትኑ ኣየተባብዕዎምን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ እውን ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈትያ፡ ኣይሕደጋ፣ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልይዋ፡ ንሱ እውን ምስኣ ኺነብር እንተ ፈትዩ፡ ንሰብኣያ ኣይትሕደጎ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 7:12, 13) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ነዚ ሕጊ እዚ ይእዘዙ እዮም።

a ሲዛር ኤንድ ክራይስ፡ ገጽ 647 ርአ።

b ኣብ ጕዳይ ጀሆቫስ ዊትነስስ ኦቭ ሞስኮ ኤንድ ኣዘርስ ቨርስስ ራሽያ፡ ገጽ 26-27፡ ሕጡብ ጽሑፍ 111 እተዋህበ ብይን ርአ።

c ጆርናል ኦቭ መሬጅ ኤንድ ፋሚሊ፡ ጥራዝ 72፡ ቍጽሪ 4፡ (ነሓሰ 2010)፡ ገጽ 963 ርአ።