ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ እቲ ዚቐርበሎም ክሲ ዘይምልሱሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ እቲ ዚቐርበሎም ክሲ ዘይምልሱሉ ስለምንታይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ፡ ንዅሉ ኽስን ላግጽን ኣይምልሱሉን እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ምሳሌ መጽሓፍ ቅዱስ “ንመላገጺ ዚእርምሲ ውርደት ይዕድም” ይብል። (ምሳሌ 9:7, 8፣ 26:4) ብናይ ሓሶት ክሲ ተለዓዒልና ኣብ ዘየድሊ ቘየቛ ኣብ ክንዲ እንኣቱ፡ ንኣምላኽ ከነሐጕስ ኢና እንጽዕር።—መዝሙር 119:69

 ልክዕ እዩ፡ “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ።” (መክብብ 3:7) ነቶም ሓቂ ኺፈልጡ ብቕንዕና ዚሓትቱ ሰባት ንምልሰሎም እኳ እንተ ዀንና፡ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ክትዕ ግና ኣይንጽመድን ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ የሱስን እቶም ቀዳሞት ክርስትያናትን ዝመሃርዎ ትምህርትታትን ዝሓደግዎ ኣብነታትን ንስዕብ ኢና።

  •   የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ብሓሶት ምስ ተኸሰሰ፡ ኣይመለሰን። (ማቴዎስ 27:11-14፣ 1 ጴጥሮስ 2:21-23) በላዕን ሰታይን ተባሂሉ ምስ ተኸስሰ እውን፡ ኣይመለሰሎምን። ኣብ ክንዳኡስ ነቲ “ጥበብ ብፍሪኣ እያ ቕንዕቲ ምዃና ዚረጋገጽ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ብምስዓብ ብግብሩ እዩ መሊሱሎም። (ማቴዎስ 11:19፡ እግረ-ጽሑፍ) ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ነቶም ዝጸረፍዎ ብትብዓት መሊሱሎም እዩ።—ማቴዎስ 15:1-3፣ ማርቆስ 3:22-30

     የሱስ ንሰዓብቱ ብናይ ሓሶት ክሲ ኸይድሃሉ ኺምህሮም ከሎ፡ “ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን ምስ ዚሰጕጉኹምን ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ምስ ዚዛረቡልኩምን፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 5:11, 12) እንተዀነ ግና፡ እቲ ኽሲ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ዚኸፍተሎም ምስ ዚኸውን፡ ነቲ “ዅሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ” ኢሉ ዝኣተወሎም ቃል ከም ዚፍጽሞ ሓቢሩ እዩ።—ሉቃስ 21:12-15

  •   ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ምስ ተጻረርቲ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኽትዕ ከይኣትዉ ምዒድዎም፡ ነቲ ኽርክራት ድማ “ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ።—ቲቶስ 3:9፣ ሮሜ 16:17, 18

  •   ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንክርስትያናት፡ ዚከኣል ምስ ዚኸውን ምእንቲ እምነቶም ኪጣበቑ ኣተባቢዕዎም እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:15) እንተዀነ ግና፡ “ሰናይ ብምግባር፡ ነቲ እቶም ዓያሹ ብድንቍርና ዚዛረብዎ ኽትዓብሱ” ብምባል፡ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ብቓል ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኺግበር ከም ዚሓይሽ ሓቢሩ እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:12-15