ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽሲ ሓሳቡ ይልውጥ ድዩ፧

ኣምላኽሲ ሓሳቡ ይልውጥ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ ይልውጥ እዩ፣ ከምዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ኣካይዳኦም ኪልውጡ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ኣረኣእያኡ ይልውጥ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን መልእኽቲ ፍርዲ ኺልእከሎም ከሎ፡ “ምናልባት ይሰምዑን ነፍሲ ወከፎም ካብ እኩይ መገዶም ይምለሱን ይዀኑ፣ ሽዑ፡ ኣነ ብዛዕባ እቲ ብሰሪ እከይ ተግባራቶም ከምጽኣሎም ሓሲበዮ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ” ኢልዎም እዩ።—ኤርምያስ 26:3

 ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ካብቲ ኣሚምዎ ዝነበረ መዓት ከም ‘እተጣዕሰ’ ገይሩ ተርጒምዋ ኣሎ፣ ገሊኦም ሰባት ነዚ ኣገላልጻ እዚ፡ ኣምላኽ ከም እተጋገየ ዚሕብር ገይሮም ይርድእዎ እዮም። እታ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል ግና “ዝሓሰቦ ወይ ዝሓለኖ ለወጠ” ማለት ክትከውን እያ። ሓደ ምሁር፡ “ሰብ ኣብ ኣካይዳኡ ዚገብሮ ለውጢ፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ለውጢ የምጽእ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

 ልክዕ እዩ፡ ኣምላኽ ሓሳቡ ኺልውጥ ይኽእል ኪብሃል ከሎ፡ ሓሳቡ ኺልውጥ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ሓሳቡ ዘይለወጠሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓድሓደ ዅነታት እስከ ንርአ፦

  •   ባላቅ ዝጸዓረ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ኣምላኽ ሓሳቡ ኣይለወጠን፡ ንህዝቢ እስራኤል እውን ኣይረገሞምን።—ዘሁልቍ 23:18-20

  •   ንጉስ ሳኦል ኣብ ክፍኣቱ ምስ ጸንዐ፡ ኣምላኽ ድማ ንዕኡ ኸይነግስ ምስ ነዓቖ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓሳቡ ኣይለወጠን።—1 ሳሙኤል 15:28, 29

  •   ኣምላኽ ንወዱ ናይ ዘለኣለም ካህን ንምግባር ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ እዩ። ኣምላኽ ሓሳቡ ኣይኪልውጥን እዩ።—መዝሙር 110:4

መጽሓፍ ቅዱስሲ ‘ኣምላኽ ከቶ ኣይልወጥን እዩ’ ኣይብልን ድዩ፧

 እወ፡ ኣምላኽ፡ “ኣነስ የሆዋ እየ፣ ኣይልወጥን እየ” ኸም ዝበለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ሚልክያስ 3:6) ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ “ከም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ” ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ያእቆብ 1:17) እዚ ግና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ሓሳቡ ኸም ዚልውጥ ዚገልጽ ሓሳባት ኣይጋጮን እዩ። ‘ኣምላኽ ኣይልወጥን እዩ’ ኺብሃል ከሎ፡ ናይ ፍቕርን ናይ ፍትሕን ባህርያቱ ዀነ መለክዒታቱ ኸቶ ኣይቅይርን ማለት እዩ። (ዘዳግም 32:4፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ይኹን እምበር፡ ኣብ በበይኑ ግዜያት በበይኑ መምርሒ ኺህብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንንጉስ ዳዊት ኣብ ተኸታታሊ ውግኣት በበይኑ መምርሒ ሂብዎ እዩ፣ ክልቲኡ ስልትታት ድማ ተዓዊቱ እዩ።—2 ሳሙኤል 5:18-25

ኣምላኽ ንሰባት ብምፍጣሩ ተጣዒሱ ድዩ፧

 ኣይፋልን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንዕኡ ዕሽሽ ምባሎም ወይ ምንጻጎም ግና የጣዕሶ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ማይ ኣይሂ ቕድሚ ምምጻኡ ብዘመን ኖህ ዝነበረ ዅነታት ኪገልጾ ኸሎ፡ “የሆዋ ኸኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ልቡ እውን ጐሃየ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:6) ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘላ እታ “ተጣዕሰ” እትብል ቃል፡ ካብታ “ሓሳቡ ለወጠ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት እያ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ክፉኣት ብምንባሮም፡ ኣምላኽ ብዛዕባኦም ዝነበሮ ሓሳብ ለዊጡ እዩ። (ዘፍጥረት 6:5, 11) ንሳቶም ክፉእ መገዲ ብምስዓቦም እኳ እንተ ኣጕሃይዎ፡ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዘለዎ ኣረኣእያ ግና ኣይለወጠን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ንደቂ ሰብ ብኖህን ብስድራ ቤቱን ኣቢሉ ኻብ ማይ ኣይሂ ኣድሒንዎም እዩ።—ዘፍጥረት 8:21፣ 2 ጴጥሮስ 2:5, 9