ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ እንታይ ባህርያት ኣለዎ፧

ኣምላኽ እንታይ ባህርያት ኣለዎ፧

ባህርያት ሓደ ሰብ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ነቲ ሰብ ብዝሓሸ ኢና እንፈልጦ፣ ዕርክነትና ድማ ብእኡ መጠን ይድልድል። ብተመሳሳሊ፡ ባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ንዕኡ ብዝያዳ ንፈልጦ፣ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት እውን ይድልድል። ካብ ኵሉ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽ፡ ጐሊሑ ዚርአ ኣርባዕተ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓይሉን ጥበቡን ፍትሑን ፍቕሩን እዩ።

ኣምላኽ ሓያል እዩ

“ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ንስኻ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ . . . ሰማያትን ምድርን ገበርካ።”ኤርምያስ 32:17

ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረቱ ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ድምቕቲ ጸሓይ ኣብ ዝወጸትሉ መዓልቲ ኣብ ግዳም እንተ ዄንካ፡ ኣብ ቈርበትካ እንታይ ይስምዓካ፧ ሙቐት እታ ጸሓይ። ከም ሓቂ፡ እቲ የሆዋ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ እዩ ዚስምዓካ ዘሎ። ጸሓይ ክሳዕ ክንደይ እያ ሓያል፧ ኣብ ሕመረታ ዘሎ ሙቐት ኣስታት 15,000,000 ዲግሪ ሰልስየስ ወይ 27,000,000 ዲግሪ ፋራንሃይት (ካብ ፍሉሕ ማይ ብ150,000 ዕጽፊ ዚውዒ) ከም ዝዀነ እዩ ዚንገር። ጸሓይ ኣብ ውሽጢ ኻልኢት ማዕረ ንትጓ ኣማእታት ሚልዮናት ኑክልየሳዊ ቦምብ ዚኸውን ጸዓት እያ እተውጽእ።

ኰይኑ ግና፡ ጸሓይና ኣብ ዩኒቨርስ ምስ ዚርከባ ትሪልዮናት ከዋኽብቲ ኽትወዳደር ከላ ንእሽቶ እያ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ሰንጣቒት እታ ዩዋይ ስኩታይ እትብሃል ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ኸዋኽብቲ ምስ ሰንጣቒት ጸሓይ ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣስታት 1,700 ሳዕ ከም ዚኸውን ይግምቱ። ዩዋይ ስኩታይ ኣብ ናይ ጸሓይ ቦታ እንተ ትኸውን ነይራ፡ ንምድሪ ውሒጣስ ክሳዕ ቅናት ዙረት ጁፒተር ምበጽሐት ነይራ። እዚ ኸኣ ነቲ ኤርምያስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንሰማያትን ንምድርን፡ ማለት ንዩኒቨርስ ብዓብዪ ሓይሉ ኸም ዝገበሮ እተዛረቦ ቓላት ብዝያዳ ኽንርድኦ ይሕግዘና ይኸውን።

ካብ ሓይሊ ኣምላኽ ብኸመይ ንጥቀም፧ ህይወትና ኣብ ግኡዝ ፍጥረት ኣምላኽ እተመርኰሰ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብ ጸሓይን ኣብ ምድሪ ኣብ ዘሎ ዜደንቕ ጸጋታትን እተመርኰሰ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንሓይሉ፡ ንውልቀ ሰባት ንምድጋፍ ይጥቀመሉ እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣምላኽ ንየሱስ፡ ተኣምራት ምእንቲ ኺገብር፡ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሓይሉ ኸኣ፡ “ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ . . . ኣለዉ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ማቴዎስ 11:5) ሎሚኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ” ይብል እዩ፣ ብተወሳኺ እውን፡ “እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ኢሳይያስ 40:29, 31) ኣብ ህይወት ንዜጋጥመና ጸገማትን ፈተናታትን ምእንቲ ኽንጻወር፡ ኣምላኽ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበና እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ኣምላኽ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ምእንታና ዚጥቀመሉ ኻብ ኰነስ፡ ንዕኡ ኽትቀርቦ ኣይትድረኽንዶ፧

ኣምላኽ ጥበበኛ እዩ

“ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ! ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ።”መዝሙር 104:24

ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ብዛዕባ ጥበቡ ብዝያዳ ኢና እንድነቕ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንፍጥረት የሆዋ ድሕሪ ምምርማሮም፡ ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ ንድፊ ቐዲሖም ኣብቲ ንሳቶም ዚምህዝዎ ንድፊ ኣብ ጥቕሚ ዜውዕሉሉ ባዮሚመቲክስ ወይ ባዮሚሚክሪ ዚብሃል ዓውዲ መጽናዕቲ ኣሎ። እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ኸኣ፡ ካብ ተራ መላገቢ ኽሳዕ ንድፊ ነፈርቲ ኺጸሉ ይኽእል እዩ።

ዓይኒ ወዲ ሰብ መስተንክር ፍጥረት እያ

ጥበብ ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኣብቲ መስተንክር ሰብነት ወዲ ሰብ እዩ ዚርአ። ንኣብነት፡ ሕጻን ብኸመይ ከም ዚምዕብል እስከ ንርአ። እቲ መስርሒ ብሓንቲ ዝጸገየት ዋህዮ እዩ ዚጅምር፣ እታ ዋህዮ ድማ ዜድልያ ዘበለ ዅሉ ጂናዊ መምርሒ ኣለዋ። ድሕርዚ ኸኣ፡ ምስኣ ናብ ዚመሳሳል ብዙሕ ዋህዮታት ትመቓቐል። ኣብ ግቡእ ግዜ ግና፡ እቲ ዋህዮታት በበይኑ ዓይነት ኪኸውን ይጅምር። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከም ዋህዮታት ደም፡ ዋህዮታት መትኒ፡ ዋህዮታት ዓጽሚ ዝኣመሰለ ኣማእታት ዓይነት ዋህዮታት ይምዕብል። ድሕርዚ፡ ኣካላት ሰብነትና ኺምዕብልን ኪዓይን ይጅምር። ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ፡ እታ ሓንቲ ዋህዮ ማዕቢላስ፡ ብቢልዮናት ዋህዮታት ዝቘመ ምሉእ ዕሸል ይኸውን። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብዚ ንድፊ እዚ ዚርአ ጥበብ ስለ ዜድንቕዎ፡ ምስቲ፡ “መስተንክርን ድንቅን ኰይነ ተፈጢረ እየ እሞ ኽውድሰካ እየ” ዝበለ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማምዑ እዮም።—መዝሙር 139:14

ካብ ጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ ንጥቀም፧ ፈጣሪና እንታይ ከም ዜሐጕሰና ይፈልጥ እዩ። ሰፊሕ ፍልጠት ስለ ዘለዎን ንዓና ኣጸቢቑ ስለ ዚርድኣናን፡ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ኣስፊሩልና ኣሎ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (ቈሎሴ 3:13) እዝስ ጥበባዊ ምኽሪ ድዩ፧ እወ። ይቕረ በሃሊ ምዃን ንድቃስና ኼመሓይሾን ንጸቕጢ ደምና ኺንክዮን ከም ዚኽእል ብምርምር ተረጋጊጹ እዩ። ነቲ ብሕዱር ጭንቀት ወይ ብኻልእ ጸገማት ጥዕና ንምስቓይ ዘሎና ዕድል እውን ይንክዮ እዩ። እምበኣር፡ ኣምላኽ ምስ ሓደ ሓጋዝን ጠቓምን ምኽሪ ኻብ ምሃብ ዘየቋርጽ ጥበበኛን ሓላይን ዓርኪ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምዚ ዓይነት ዓርኪ ኺህልወካስ ኣይምደለኻንዶ፧

ኣምላኽ ፍትሓዊ እዩ

“የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ።”መዝሙር 37:28

ኣምላኽ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ እዩ ዚገብር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!” ይብል እዩ። (እዮብ 34:10) ፍርድታቱ ቕኑዕ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ሓደ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም ኢኻ” ኢልዎ እዩ። (መዝሙር 67:4) ‘የሆዋ ልቢ ስለ ዚርኢ፡’ ብግብዝና ኣይዕሾን እዩ፣ ወትሩ ነቲ ሓቂ ኼስተውዕሎን ልክዕ ፍርዲ ኺፈርድን ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዚግበር ኵሉ ዘይፍትሓውን ብልሹውን ተግባር ይፈልጦ እዩ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ “እኩያት . . . ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ . . . እዮም” ኢሉ እውን ኣተስፍዩና ኣሎ።—ምሳሌ 2:22

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንምቕጻዕና ተሃንጥዩ ዚጽበ ሕሱም ዳኛ ኣይኰነን። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ይምሕር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን . . . እዩ” ይብል እዩ፣ ካብ ልቢ ንዚንስሑ እኩያት እውን እንተ ዀነ ይምሕሮም እዩ። እዝስ ናይ ሓቂ ፍትሒ ደይኰነን፧—መዝሙር 103:8፣ 2 ጴጥሮስ 3:9

ካብ ፍትሒ ኣምላኽ ብኸመይ ንጥቀም፧ ሓደ ግዜ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ኣምላኽ ስለ ዘየዳሉ ወይ ሌላን ጕሌላን ስለ ዘይገብር፡ ካብ ፍትሑ ንጥቀም ኢና። ዓሌትና፡ ዜግነትና፡ ትምህርትና፡ ወይ ማሕበራዊ ደረጃና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ብእኡ ተቐባልነት ክንረክብን ኣምለኽቱ ኽንከውንን ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ፣ ዓሌትና ወይ ማሕበራዊ ደረጃና ብዘየገድስ ካብ ፍትሑ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና

ኣምላኽ ንፍትሑ ኽንርድኦን ካብኡ ኽንጥቀምን ስለ ዚደልየና፡ ሕልና ሂቡና ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንሕልና፡ ከም ሓደ ተግባርና ቕኑዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ‘ዚምስክር ኣብ ልብና እተጻሕፈ ሕጊ’ ገይሩ ይገልጾ እዩ። (ሮሜ 2:15) ከመይ ጌርና ኻብኡ ንጥቀም፧ ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና፡ ካብ ጐዳኢ ወይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንርሕቕ ይድርኸና እዩ። ጌጋ እንተ ጌርና ኸኣ፡ ክንንሳሕን መገድና ኽንእርምን ይድርኸና እዩ። እወ፡ ንፍትሒ ኣምላኽ ምርዳእና ንዓና ይጠቕመና፡ ናብ ኣምላኽ እውን የቕርበና እዩ።

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።”1 ዮሃንስ 4:8

ኣምላኽ ሓይልን ጥበብን ፍትሕን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ ሓይሊ እዩ፡’ ‘ኣምላኽ ጥበብ እዩ፡’ ወይ ‘ኣምላኽ ፍትሒ እዩ’ ዚብል ኣይንረክብን ኢና። የግዳስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ኢና እንረክብ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብሓይሉ ተግባሩ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ ብፍትሑን ብጥበቡን ተመሪሑ ኸኣ ተግባሩ ይገብር እዩ። ንተግባሩ እትድርኾ ግና ፍቕሩ እያ። ፍቕሪ ንዅሉ እቲ ዚገብሮ ነገር ትጸልዎ እያ።

የሆዋ ዋላ ሓንቲ ዘይጐድሎ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍቕሩ ተደሪኹ ግና ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚነብሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ፈጢሩ እዩ። ንሳቶም ከኣ ካብ ፍቕሩን ሓልዮቱን ይጥቀሙ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ንምድሪ፡ ንሰባት እትጥዕም መንበሪት ገይሩ ኣዳልዩዋ እዩ። ብዘይካዚ፡ “ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ፣” በዚ ኸምዚ እውን ንዅሎም ደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ የርኢ ኣሎ።—ማቴዎስ 5:45

ብተወሳኺ፡ “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን እዩ።” (ያእቆብ 5:11) ነቶም ኪፈልጥዎን ኪቐርብዎን ካብ ልቦም ዚጽዕሩ ሰባት፡ ከም ዚፈትዎም የርእዮም እዩ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኦም ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይግደሰሎም እዩ። እወ፡ ‘ይሓልየሎም እዩ።’—1 ጴጥሮስ 5:7

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ንጥቀም፧ ብጽባቐ ዕራርቦ ጸሓይ ንሕጐስ ኢና። ሕጻን ኪስሕቕ ከሎ ምስማዕ ደስ ይብለና እዩ። ካብ ኣባል ስድራ ቤት እንረኽቦ ፍቕሪ እውን ባህታ ይፈጥረልና እዩ። እዚ ነገራት እዚ ብህይወት ንምንባር ግድን ዜድሊ ኸይከውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንህይወትና ብዙሕ መቐረት ይውስኸሉ እዩ።

ካብቲ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ ጸሎት እውን ንጥቀም ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። የሆዋ ኸም ሓደ ፈቃር ኣቦ ብምዃኑ፡ ዜተሓሳስበና ነገር ኬጓንፈና ኸሎ፡ ካብኡ ሓገዝ ከነናዲ ይደልየና እዩ። ድሕሪኡ፡ በታ ብልጽቲ ፍቕሩ ተደሪኹ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከም ዚህበና ኣተስፍዩና ኣሎ።—ፊልጲ 4:6, 7

እዚ ብዛዕባ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ፡ ማለት ብዛዕባ ሓይሉን ጥበቡን ፍትሑን ፍቕሩን ዝረኣናዮ ሓጺር ሓሳባት፡ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ሓጊዙካዶ፧ ቀጺልና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ንምስፋሕ፡ ንጥቕምኻ ኢሉ እንታይ ገይሩ ኸም ዘሎን እንታይ ከም ዚገብርን ክትፈልጥ ንዕድመካ።

ኣምላኽ እንታይ ባህርያት ኣለዎ፧ የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያልን ጥበበኛን ፍትሓውን እዩ። እታ ልዕሊ ዅሉ ተፈታዊት ባህርዩ ግና ፍቕሩ እያ