ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ ቐይሕ ኣራዊት እንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ ቐይሕ ኣራዊት እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተገሊጹ ዘሎ ቐይሕ ኣራዊት፡ ንሃገራት ዓለም ናይ ምሕባርን ናይ ምውካልን ዕላማ ንዘለዎ ውድብ ዜመልክት እዩ። እዚ ኸኣ ፈለማ እተኣሳሰራ መንግስትታት፡ ሕጂ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ።

መለለዪ እቲ ቐይሕ ኣራዊት

  1.   ፖለቲካዊ ውድብ እዩ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት ን“ሸውዓተ ኣኽራን” ከምኡ እውን ን“ሸውዓተ ነገስታት” ወይ ገዛእቲ ዝዀኑ ሓይልታት ዜመልክት “ሸውዓተ ርእሲ” ኣለዎ። (ራእይ 17:9, 10) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣኽራንን ኣራዊትን ንመንግስትታት ንምምልካት ተዓይዩሉ ኣሎ።—ኤርምያስ 51:24, 25፣ ዳንኤል 2:44, 45፣ 7:17, 23

  2.   ምስሊ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፖለቲካ እዩ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት ምስቲ ኣብ ራእይ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ንዓለምለኻዊ ስርዓት ፖለቲካ ዜመልክት ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ይመሳሰል እዩ። ክልቲኦም እዞም ኣራዊት እዚኦም፡ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎም ኰይኖም፡ ስማት ጸርፊ እውን ኣለዎም። (ራእይ 13:1፣ 17:3) እዚ ምስስል እዚ ፈጺሙ ብኣጋጣሚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት፡ ምስሊ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፖለቲካ እዩ።—ራእይ 13:15

  3.   ስልጣኑ ኻብ ካልኦት ግዝኣታት እዩ ዚረክብ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት ካብ ካልኦት ገዛእቲ ዝዀኑ ሓይልታት እዩ “ዚወጽእ፡” ማለት ናብ ህልውና ዚመጽእ።—ራእይ 17:11, 17

  4.   ምስ ሃይማኖት ምትሕሓዝ ኣለዎ። እታ ነተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብሓባር እተመልክት ዓባይ ባቢሎን፡ ኣብቲ ቐይሕ ኣራዊት ትቕመጥ እያ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣራዊት ብጕጅለታት ሃይማኖት ከም ዚጽሎ ዜርኢ እዩ።—ራእይ 17:3-5

  5.   ንኣምላኽ የሕስሮ እዩ። እቲ ኣራዊት፡ “ስማት ጸርፊ ዝመልኦ” እዩ።—ራእይ 17:3

  6.   ንሓጺር እዋን ዘይንጡፍ ይኸውን። እቲ ቐይሕ ኣራዊት ንሓጺር እዋን ኣብ “መዓሙቝ” a ዚኣቱ ወይ ዘይንጡፍ ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ፡ መሊሱ ግና ይትንስእ እዩ።—ራእይ 17:8

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጺሙ

 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ቐይሕ ኣራዊት ዝገለጾ ትንቢት፡ ብኸመይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ እተኣሳሰራ መንግስትታትን ከም እተፈጸመ እስከ ርአ።

  1.   ፖለቲካዊ ውድብ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ንልዑላዊ ማዕርነት ኵለን ኣባላቱ” ብምድጋፍ ንፖለቲካዊ ስርዓት ይድግፍ እዩ። b

  2.   ምስሊ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፖለቲካ እዩ። ብ2011፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመበል 193 ሃገር ኣባል ገይርዋ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመብዛሕትአን ሃገራትን ህዝብታት ዓለምን ከም ዚውክል እዩ ዚገልጽ።

  3.   ስልጣኑ ኻብ ካልኦት ግዝኣታት እዩ ዚረክብ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪህሉ እንተ ዀይኑ፡ እተን ኣባላት ዝዀና ሃገራት ኪህልዋ ኣለወን፣ መጠን ሓይሉን ስልጣኑን ድማ ኣብቲ እተን ኣባላት ሃገራት ዚህባኦ እተመርኰሰ እዩ።

  4.   ምስ ሃይማኖት ምትሕሓዝ ኣለዎ። እተኣሳሰራ መንግስትታት ኰነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሃይማኖታት ዓለም ዘየቋርጽ ደገፍ ረኺቡ እዩ። c

  5.   ንኣምላኽ የሕስሮ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ኣህጉራዊ ሰላምን ደሓንን ንምዕቃብ” እዩ ተመስሪቱ። d እዚ ሸቶ እዚ ዚንኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግና ነቲ ኣምላኽ ብመንግስቱ ጥራይ ኣቢሉ ኺፍጽሞ ዚሓስቦ ኸም ዚፍጽም እዩ ዚገልጽ።—መዝሙር 46:9፣ ዳንኤል 2:44

  6.   ንሓጺር እዋን ዘይንጡፍ ይኸውን። እቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምዝዛሙ ነዊሕ ከይጸንሐ እተመስረተ እተኣሳሰራ መንግስትታት፡ ሰላም ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት እኳ እንተ ነበሮ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዜጋጥም ዝነበረ ግጭታት ግና ኪዓግቶ ኣይከኣለን። ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ ድማ፡ ዕዮኡ ኣቋረጸ። ብ1945 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተዛዘመ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመስረተ። ይኹን እምበር፡ ዕላማኡን ሜላኡን ቅርጹን ምስቲ ናይ እተኣሳሰራ መንግስትታት ኣዝዩ ዚመሳሰል እዩ።

a ብመሰረት ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ፡ እታ “መዓሙቝ” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዓቐን ኣልቦ ዕምቈት” ማለት እያ። ኪንግ ጄምስ ቨርሽን፡ “መወዳእታ ዘይብሉ ጕድጓድ” ኢሉ ተርጕምዋ ኣሎ። እታ ቓል እቲኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቦታ ማእሰርትን ምሉእ ብምሉእ ዘይንጡፍ ንዚኽወነሉ ቦታን ወይ ከኣ ንማእሰርትን ንዘይንጡፍነትን ተመልክት።

b ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓንቀጽ 2 ርአ።

c ንኣብነት፡ ብ1918 ብዙሓት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ፕሮተስታንት፡ እተኣሳሰራ መንግስትታት “ፖለቲካዊ መግለጺ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ” ኸም ዚኸውን ገሊጸን እየን። ብ1965 እውን ተወከልቲ ሂንዱነትን ምስልምናን ምብራቓዊት ኦርቶዶክስን ቡድህናን ኣይሁድነትን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምድጋፍን ምእንታኡ ንምጽላይን ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ተኣኪቦም እዮም። ብ1979 ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጆን ፖል ዳግማይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ቀንዲ ማእከል ሰላምን ፍትሕን ኰይኑ ኪቕጽል” ተስፋ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ።

d ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓንቀጽ 1 ርአ።