ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንዩኒቨርስ መዓስ እዩ ኺፈጥሮ ጀሚሩ፧

ኣምላኽ ንዩኒቨርስ መዓስ እዩ ኺፈጥሮ ጀሚሩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስ መዓስ ከም ዝፈጠሮ ወይ ኪፈጥሮ ክንደይ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ኣይነግርን እዩ። የግዳስ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ” ጥራይ እዩ ዚብለና። (ዘፍጥረት 1:1) እቲ “መጀመርታ” ተባሂሉ ዘሎ፡ መዓስ ምዃኑ ብንጹር ኣይገልጽን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ቅድሚ እተን ሽዱሽተ እዋናት ወይ “መዓልትታት” ፍጥረት ከም እተፈጥረ፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ መስርዕ ፍጻመታት ይሕብር እዩ።

 እተን ሽዱሽተ መዓልትታት ፍጥረት ዐዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ድየን ነይረን፧

 ኣይፋልን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “መዓልቲ” እትብል ቃል ከከም ኵነታቱ፡ ንእተፈላለየ ንውሓት ዘለዎ ግዜ ተመልክት። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኽፋል እቲ ጸብጻብ ንዅለን እተን ናይ ፍጥረት እዋናት ብሓደ ጠርኒፉ መዓልቲ ኢልወን ኣሎ።—ዘፍጥረት 2:4

 ኣብተን ሽዱሽተ መዓልትታት ፍጥረት እንታይ እዩ ዀይኑ፧

 ኣምላኽ ነታ “ቕርጺ ኣልቦን ባዶን” ዝነበረት ምድሪ፡ ንምንባር ምሽእቲ ፕላነት ገበራ። (ዘፍጥረት 1:2) ኣብኣ እውን ህይወት ፈጠረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን መዓልትታት ወይ መዋእላት ፍጥረት እተገብረ ኣብ ሽዱሽተ እተጠርነፈ ፍጻመታት ይዝርዝር እዩ፦

  •  1ይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ፡ ብርሃን ናብ ምድሪ ኸም ዚበጽሕ ገበረ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዑደት ለይትን መዓልትን ጀመረ።—ዘፍጥረት 1:3-5

  •  2ይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ማያትን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝነበረ ማያትን ጠፈር ብምግባር ፈላለዮ።—ዘፍጥረት 1:6-8

  •  3ይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ ንቑጽ መሬት ከም ዚርአ ገበረ። ኣትክልቲ እውን ፈጠረ።—ዘፍጥረት 1:9-13

  •  4ይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ካብ ምድሪ ብንጹር ከም ዚርኣያ ገበረ።—ዘፍጥረት 1:14-19

  •  5ይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ ኣብ ማያት ዚነብሩ ፍጡራትን በረርቲ ፍጡራትን ፈጠረ።—ዘፍጥረት 1:20-23

  •  6ይቲ መዓልቲ፦ ኣምላኽ፡ እንስሳታት ምድርን ሰባትን ፈጠረ።—ዘፍጥረት 1:24-31

 ኣብ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ኣምላኽ ካብ ስርሑ ኣዕረፈ ወይ ምፍጣር ኣቋረጸ።—ዘፍጥረት 2:1, 2

 ጸብጻብ ዘፍጥረት ብስነ ፍልጠታዊ መገዲ ቕኑዕ ድዩ፧

 እቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዓለም ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስነ ፍልጠታዊ ትንተና ኺህብ ኢሉ እተጻሕፈ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ግዜኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣንበብቲ እውን ከይተረፈ ብዚርድእዎ መገዲ እዩ ንፍጥረት ገሊጽዎ። ጸብጻብ ፍጥረት ምስ እተረጋገጸ ስነ ፍልጠት ኣይጋጮን እዩ። ሮበርት ጃስትሮ ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ኰዀብ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ዝርዝር ይፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸብጻባት ስነ ኰዀብን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጸብጻባት ዘፍጥረትን ግና፡ ኣብቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ተመሳሳሊ እዩ። ናብ ሰብ ዝመርሕ ተኸታታሊ ፍጻመታት፡ ብሃንደበት ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ እዩ ጀሚሩ።”

 ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን መዓስ እዩ ተፈጢሩ፧

 ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ክፋል እቲ “ብመጀመርታ” እተፈጥረ “ሰማያት” ስለ ዝነበረ፡ ኣቐዲሙ ተፈጢሩ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:1) እንተዀነ ግና፡ ብርሃኖም ነቲ ንምድሪ ዝሸፈና ሃዋህው ሰንጢቑ ኺሓልፍ ኣይከኣለን ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:2) ዋላ እኳ ብርሃን ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናብ ምድሪ እንተ በጽሐ፡ ምንጪ እቲ ብርሃን ግና ኣይርአን እዩ ነይሩ። ኣብ ራብዓይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ እቲ ሃዋህው ጸረየ። ድሕሪኡ፡ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን “ኣብ ምድሪ ኼብርሁ” ኸም ዝጀመሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ።—ዘፍጥረት 1:17

 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ኻብ እትፍጠር ክንደይ ገይራ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕድመ ምድሪ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 1:1 ዩኒቨርስ እንተላይ ምድሪ መጀመርታ ኸም ዘለዋ ይሕብረና። እዚ ድማ ምስ ስነ ፍልጠታዊ ስርዓታት ኰነ ምስቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ዕድመ ምድሪ ዚህቦ ግምት ዚጋጮ ኣይኰነን።