ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰማይ እንታይ እዩ፧

ሰማይ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ሰማይ” እትብል ቃል ሰለስተ መሰረታዊ ትርጉም ኣለዋ፦ (1) ግኡዝ ሰማያት፣ (2) መንፈሳዊ ዓለም፣ (3) ምልክት ልዑል ቦታ። ነታ ቓል ብቕኑዕ መገዲ ኽንርድኣ ዚሕግዘና፡ እቲ ኣብ ከባቢ እታ ቓል ዚርከብ ሓሳባት እዩ። a

  1.   ግኡዝ ሰማያት። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ “ሰማያት” ንሃዋህው ምድሪ የመልክት፣ እዚ ኸኣ እቲ ንፋስ ዚነፍሰሉ፡ ኣዕዋፍ ዚነፍራሉ፡ በርቂ ዚበርቀሉ፡ ደበና ድማ ዝናምን ውርጭን ዚፈጥረሉ ሃዋህው እዩ። (መዝሙር 78:26፣ ምሳሌ 30:19፣ ኢሳይያስ 55:10፣ ሉቃስ 17:24) ብዘይካዚ፡ ነቲ “ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን” ዚርከቡሉ ጠፈር እውን የመልክት እዩ።—ዘዳግም 4:19፣ ዘፍጥረት 1:1

  2.   መንፈሳዊ ዓለም። እታ “ሰማይ” እትብል ቃል ንመንፈሳዊ ሰማያት ወይ ንመንፈሳዊ ዓለም፡ ማለት ነቲ ኻብ ግኡዝ ዩኒቨርስ ዝለዓለን ካብኡ ወጻእን ዝዀነ መንበሪ እውን ተመልክት እያ። (1 ነገስት 8:27፣ ዮሃንስ 6:38) ኣብዚ መንፈሳዊ ሰማያት እዚ፡ እቲ “መንፈስ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን እቶም ንሱ ዝፈጠሮም መላእኽቲ ዚብሃሉ መንፈሳውያን ፍጡራትን ይነብሩ። (ዮሃንስ 4:24፣ ማቴዎስ 24:36) ሓድሓደ ግዜ፡ “ሰማያት” ነቶም “ጉባኤ ቕዱሳት” ዝዀኑ እሙናት መላእኽቲ ይውክል እዩ።—መዝሙር 89:5-7

     መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ሰማያት” እትብል ቃል፡ ብፍላይ ነቲ የሆዋ ‘ዚነብረሉ ቦታ’ ዝዀነ ኽፋል መንፈሳዊ ዓለም ንምምልካት እውን ይጥቀመላ እዩ። (1 ነገስት 8:43, 49፣ እብራውያን 9:24፣ ራእይ 13:6) ንኣብነት፡ ሰይጣንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ከም ዚድርበዩ፡ ማለት ደጊም ናብ ቅድሚ የሆዋ ኺኣትዉ ኸም ዘይፍቀደሎም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገና ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እዮም ዚነብሩ።—ራእይ 12:7-9, 12

  3.   ምልክት ልዑል ቦታ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነታ “ሰማይ” እትብል ቃል ምስ ናይ ምግዛእ ስልጣን ንዚተኣሳሰር ልዕል ዝበለ ቦታ ንምምልካት ይጥቀመላ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ በዞም ዚስዕቡ ኺትሓዝ ይኽእል፦

ሰማይ ከመይ ይመስል፧

 መንፈሳዊ ዓለም ንጥፈት ዝመልኦ ቦታ እዩ። ኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጽሮም፡ ‘ቃል የሆዋ ዚፍጽሙ’ መንፈሳውያን ፍጡራት ድማ ይነብርዎ።—መዝሙር 103:20, 21፣ ዳንኤል 7:10

 መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማይ ከም ብሩህ ብርሃናት ዝመልኦ ቦታ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16) ነብዪ ህዝቅኤል፡ “ብሩህ ብርሃናት” ዝመለለይኡ ሰማያዊ ራእይ ርእዩ እዩ፣ እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ሰማያዊ ራእይ ድማ “ውሒዝ ሓዊ” ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ህዝቅኤል 1:26-28፣ ዳንኤል 7:9, 10) ሰማይ ቅዱስ ወይ ንጹህ እዩ፣ ጽባቐ ዝመልኦ ድማ እዩ።—መዝሙር 96:6፣ ኢሳይያስ 63:15፣ ራእይ 4:2, 3

 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማይ ዚገልጾ ነገራት ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። (ህዝቅኤል 43:2, 3) ኰይኑ ግና፡ መንፈሳዊ ዓለም ብህዋሳትና ዘይድህሰስ ስለ ዝዀነ፡ ደቂ ሰብ ንሰማይ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም።

a እታ “ሰማይ” እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ላዕሊ” ኻብ ዝትርጉማ ሱር ቃል ዝመጸት እያ። (ምሳሌ 25:3)

b ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወት ሳይክሎፔድያ፡ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:17 ተጠቒሱ ዘሎ ሓድሽ ሰማያት ን“ሓድሽ መንግስቲ” ኸም ዜመልክት ትገልጽ።—ጥራዝ IV፡ ገጽ 122።