ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትካኽ ሽጋራ ሓጢኣት ድዩ፧

ምትካኽ ሽጋራ ሓጢኣት ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትካኽ a ወይ ካልእ ኣጠቓቕማ ትምባኾ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንጥዕና ዚጐድእን ርኹስን ልማዳት ከም ዚጸልእ ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ፣ ስለዚ፡ ንምትካኽ ሽጋራ ኸም ሓጢኣት እዩ ዚቘጽሮ።

  •   ኣኽብሮት ህይወት። ‘ኣምላኽ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ይህብ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ስለ ዝዀነ፡ ከም ምትካኽ ዝኣመሰለ ንዕምሪ ህይወትና ዜሕጽር ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር የብልናን። ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቂ ሞት ምትካኽ እዩ።

  •   ፍቕሪ ብጻይ። “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) ኣብ ከባቢኻ ሰባት ከለዉ ምትካኽ፡ መግለጺ ፍቕሪ ኣይኰነን። እቶም ካልኦት ዜትክኽዎ ትኪ ብተደጋጋሚ ዚስሕቡ ሰባት፡ ገለ ካብቲ ንኣትከኽቲ ዜጥቅዕ ሕማም የጥቅዖም እዩ።

  •   ቅድስና። “ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም [ኣቕርብዎ]።” (ሮሜ 12:1) “ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) ምትካኽ ዘይባህርያዊ እዩ፣ ቅዱሳን፡ ማለት ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ምስ እተዋህበና ትእዛዝ እውን ዚጻረር እዩ። ትምባኾ ዜትክኹ ሰባት፡ እቲ ኣብቲ ትኪ ዘሎ መርዛም ነገራት ንጥዕናኦም ከም ዚጐድኦ እናፈለጡ እዮም ከምኡ ዚገብሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ማሪዋና ወይ ካልእ ሓሽሽ ንምዝንጋዕ ኢልካ ብዛዕባ ምውሳድ እንታይ ይብል፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ማሪዋና ዀነ ኻልእ ሓሽሽ ብስም እተጠቕሰ ነገር ኣይንረክብን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ንምዝንጋዕ ኢልካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወልፊ ዜትሕዝ ነገራት ምጥቃም ግቡእ ከም ዘይኰነ ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ስርዓታት፡ እዚ ዚስዕብ ስርዓታት እውን ኣብዚ መዳይ እዚ ይዓዪ እዩ፦

  •   ንኣእምሮና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና። “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ . . . ኣእምሮኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:37, 38) “ቀልብኹም ኣጸቢቕኩም ሓልዉ።” (1 ጴጥሮስ 1:13) ሓደ ሰብ ሓሽሽ ምስ ዚወስድ ንኣእምሮኡ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ፣ ሓሽሽ ዚወስዱ ብዙሓት ሰባት ውሉፋት እዮም ዚዀኑ። ኣእምሮኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ዚሃንጽ ነገራት፡ ሓሽሽ ኣብ ምርካብን ኣብ ምውሳድን እዩ ዜተኵር።—ፊልጲ 4:8

  •   ንዓለማዊ ሕግታት ክንእዘዝ ኣሎና። “ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪእዘዙ . . . ኣዘኻኽሮም።” (ቲቶስ 3:1) ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዘሎ ሕጊ፡ ሰባት ሓሽሽ ከይወስዱ ጽኑዕ ቍጽጽር ይገብር እዩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ንሰበ ስልጣን ክንእዘዞም ኣሎና።—ሮሜ 13:1

a እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምትካኽ፡ ንትኪ ትምባኾ ኻብ ሽጋራ፡ ካብ ሲጋር፡ ካብ ፒፓ፡ ወይ ቃሊም ስሒብካ ናብ ሳንቡእ ምእታው የመልክት። ይኹን እምበር፡ እቲ ቐሪቡ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንምስፋፍ ትምባኾ፡ ንምሽታት ትምባኾ፡ ኒኮቲን ንዘለዎ ኤለክትሮኒክ ሽጋራ፡ ወይ ንኻልእ ተመሳሳሊ ፍርያት እውን ይምልከቶ እዩ።