ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መስዋእቲ የሱስ ተጠቐም

ካብ መስዋእቲ የሱስ ተጠቐም

 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዕዱማቶምን ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ዝኽሪ ሞት የሱስ የብዕሉ እዮም። (ሉቃስ 22:19) እዚ ፍጻመ እዚ፡ ነቲ የሱስ ምእንቲ ሰባት ህይወቱ ኺህብ ከሎ ዝገበሮ ኣገዳሲ ነገር ከነድንቕ ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ መስዋእቱ ንህይወትና ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ከም ዚጸልዋ የርእየና።—ዮሃንስ 3:16

 ኣብዚ ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣከብ ወይ ኣይትተኣከብ፡ ካብ መስዋእታዊ ሞት የሱስ ግና ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧ የሱስ ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ኣገደስቲ ነገራት ክንገብር ከም ዘሎና ምሂሩ እዩ፦

  1.  1. ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ የሱስን ተምሃር። የሱስ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

  2.  2. ነቲ እተምሃርካዮ ተግብሮ። የሱስ ንትምህርትታቱ ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ኸም ዘሎና ኣጕሊሑ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ውሩይ መደረታቱ፡ ንቓሉ “ሰሚዑ ዚገብሮ” ሰብ ብምንኣድ ዛዚምዎ ኣሎ። (ሉቃስ 6:46-48) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ብተመሳሳሊ፡ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 13:17

 ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ የሱስን ዝያዳ ኽትምሃር ትደሊዶ፧ ነቲ እተምሃርካዮ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ዚሕግዝ ግብራዊ ምኽሪ ትደሊዶ፧ ኪሕግዘካ ዚኽእል እተወሰነ ሓበሬታ እንሀ፦

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እቲ ብናጻ ዚግበር ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓያሎ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምሩን ነቲ እተምሃርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ሓጊዝዎም እዩ።

  •   ብዛዕባ እዚ መደብ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ርኣያ።

  •   ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ንምፍላጥ፡ ነታ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ።

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሃል ቦታ ኣምልኾኦም ኣብ ሰሰሙን ክልተ ሳዕ ይእከቡ እዮም። ኣብዚ ኣኼባታት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ብኸመይ ከም እንትግብሮን ኢና እንምሃር።

 እዚ ኣኼባታት ንህዝቢ ኽፉት እዩ፣ ኣብዚ ኽትእከብ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ከከም ኵነታት እቲ ኸባቢ፡ ብኣካል ወይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክትእከብ ኣማራጺታት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

  •   ኣብቲ ኣኼባታት እንታይ ከም ዚግበር ንምፍላጥ፡ ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ።

ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን

 ኣብ ወብሳይትና ዚርከብ ሓያሎ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስን መስዋእታዊ ሞቱ ዘለዎ ዋጋን ዝያዳ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

 ንኣብነት፡ ሞት ሓደ ሰብ፡ ሚልዮናት ሰባት ኪጠቅም ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ነተን “የሱስ የድሕን—ብኸመይ፧” ከምኡ እውን “ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧” ዘርእስተን ዓንቀጻት ኣንብበን ወይ ነታ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ።