ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

BalanceFormcreative/iStock via Getty Images Plus

ንጽምዋ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንጽምዋ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ጽምዋን ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ እተበትከ ዀይኑ ይስምዖምን እዩ። ገለ ኽኢላታት ጥዕና ንኻልኦት ምሕጋዝ ንስምዒት ጽምዋ ኽትቃለስ ከም ዚሕግዝ ይኣምኑ እዮም።

  •   “ሓገዝ ንዜድልዮም ምድጋፍ ህይወትካ ትርጉም ከም ዚህልዋ ይገብር፡ ንስምዒት ጽምዋን ካብ ሰብ ከም ዝርሓቅካ ንዚስምዓካ ስምዒትን ክትቃለስ ድማ ይሕግዝ እዩ።”—ሃገራዊ ትካል ጥዕና ሕ.መ.ኣ.።

 መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንሕግዞም ግብራዊ ምኽሪ ይህብ። ነቲ ዝህቦ ምኽሪ ምትግባር ንስምዒት ጽምዋ ንምቅላስ ይሕግዝ እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል

 ለጋስ ኩን። ምስ ካልኦት ግዜ ኸተሕልፍ፡ ብፍላይ ድማ ብኣካል ግዜ ኸተሕልፍ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ነቲ ዘሎካ ኸተካፍል ፍቓደኛ ኹን። ከምኡ ምግባርካ፡ ንሳቶም ሞሳኦም ኪገልጹልካ፡ ርክብኩም እውን ኪድልድል እዩ።

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።”—ሉቃስ 6:38

 ሓግዝ። ኣብ ጸገም ንዘለዉ ሰባት ክትሕግዝ እትኽእለሉ መገድታት ኣናዲ። እዚ ኸኣ፡ ብርሕራሐ ምስማዕን ጾሮም ኬፍኵሰሎም ዚኽእል ግብራዊ ሓገዝ ምሃብን እዩ።

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ኣኅዋት ብእዋን ጸገም ይተሓጋገዙ።’—ምሳሌ 17:17ትርጉም 1990።

 ምስ ካልኦት ብኸመይ ጽቡቕ ርክብ ከም እትዕቕብ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ናብራ ስድራ ቤትን ዕርክነትን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።