ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ንዘለወን ስድራ ቤታት ዚሕግዝ ምኽሪ

ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ንዘለወን ስድራ ቤታት ዚሕግዝ ምኽሪ

ማርጋሬት፡ * ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሰይተቦ፦ “እታ ሰበይቲ ሰብኣየይ ዝነበረት ኣደ ንደቃ ንዅሉ እቲ ኣነ ዝብሎም ነገራት፡ ማለት ‘ስንኹም ምጽራይ ከይትርስዑ’ ንዝብሎም ቅልል ዝበለ ነገራት እውን ከይተረፈ እዝኒ ኸይገብሩሉ ትነግሮም ነበረት።” ማርጋሬት፡ እዚ ምክፍፋል እዚ፡ ንሓዳራ ኸም ዝተንከፎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ።

ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራ ቤታት፡ ምስቶም ካብ ስድራ ቤተን ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዘለወን ርክብ፡ ፍሉይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጸጋሚ ዅነታት የጋጥመን እዩ። * መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ምስ ካልኣይ ወላዲ እቲ ቘልዓ ኺራኸቡ ዜድልየሉ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። እዚ ኸኣ፡ ምብጽጻሕ፡ ተግሳጽ ወይ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምሃብ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፈተውትን ኣዝማድን እውን ምስቶም ሓደስቲ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ንኺላመዱ ይቃለሱ ይዀኑ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ ነዚ ብድሆታት እዚ ንኽትሰግሮ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል መርምር።

ርክብ 1፦ ካልኣይ ወላዲ እቲ ውሉድ

ጁዲት ዝስማ ኣብ ናሚብያ እትነብር ሰይተቦ ኸምዚ ትብል፦ “ኣደ ደቂ ሰብኣየይ፡ ሓደ መዓልቲ ንደቃ፡ ሓዳስ ሰይቲ ኣቦኦም ምዃነይ፡ ዝዀነ ይኹን ካባይ ዚውለዱ ቘልዑ ኸኣ ኣሕዋቶም  ከም ዘይኰኑ ነገረቶም። ንደቃ ኸም ደቀይ ገይረ ስለ ዝፈትዎም ብዘረባኣ ተሃስየ እየ።”

ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራ ቤታት፡ እቲ ምስቲ ኻልኣይ ወላዲ እቲ ቘልዓ ዚገብራኦ ርክብ፡ ኣሸጋሪ ኪኸውን፡ ምክፍፋል ድማ ኪፈጥር ከም ዚኽእል፡ ክኢላታት ይሰማምዑሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንኣደን ንሰይተቦን እዩ ዝያዳ ጸገማት ዜጋጥመን። ነቲ ጸገማት ንኺሰግራኦ ኺሕግዘን ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ዓወት ንምርካብ፦ ሚዛናዊ ደረት ግበር። ነቲ ቘልዓ ምስቲ ኻልኣይ ወላዲኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይራኸብ ክትገብር እንተ ፈቲንካ፡ ውሉድካ ብስምዒታዊ መዳይ ኪሳቐ ይኽእል እዩ። * እቶም ነቲ ቘልዓ ‘ዝወለድዎ’ ወለዲ፡ ኣብ ህይወት እቲ ቘልዓ ፍሉይ ቦታ ኣለዎም። (ምሳሌ 23:22, 25) ብኣንጻሩ ግና፡ ነቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ፡ ኣብ ስድራ ቤትካ እምብዛ ጽልዋ ኺገብር ትፈቕደሉ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ሓድሽ መጻምድትኻ ኸተበሳጭዎ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ብእተኻእለካ መጠን ምስ ካልኣይ ወላዲ እቲ ቘልዓ እናተሓባበርካ፡ ንሓዳርካ ንኸተዕቍብ ሚዛናዊ ዝዀነ ደረት ግበር።

ንወላዲ ዚኸውን ምኽሪ

  • ምስቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ኣብ ውሉዳትካ ጥራይ ኣተኵር፡ ብዛዕባ ኻልእ ጕዳያት ብዙሕ ኣይትዛረብ። ንኣብነት፡ ተሌፎን ዚድውለሉ፡ እንተ ተኻኢሉ ኣብ እዋን ቀትሪ፡ ስሩዕ ሰዓታት ኪምድብ ብሜላ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብሃውሪ ወይ ከኣ ለይቲ ኻብ ምድዋል ዝሓሸ እዩ።

  • ደቅኻ ንኸተዕቢ ሓላፍነት እንተ ዘይተዋሂቡካ፡ ምናልባት ተሌፎን ብምድዋል፡ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ብሞባይል መልእኽቲ ብምስዳድ፡ ወይ ከኣ ኢ-መይል ብምጽሓፍ ኣዘውቲርካ ኽትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። (ዘዳግም 6:6, 7) ገሊኦም ወለዲ፡ ብቪድዮ እናተረኣኣዩ እውን የዕልሉ እዮም። ንስኻ እውን ነዚ ሜላ እዚ እንተ ተጠቒምካ፡ ንደቅኻ ኻብቲ እትግምቶ ንላዕሊ ኽትፈልጦም፡ ዝያዳ ጽልዋ ድማ ክትገብረሎም ትኽእል ኢኻ።

ንሰይተቦ ዚኸውን ምኽሪ

  • ንኣደ እቶም ቈልዑ፡ ንዓኣ እትትክኢ ኸም ዘይኰንኪ ኣነጺርኪ ብምንጋር፡ ከም ‘እትድንግጽላ’ ኣርእዪ። (1 ጴጥሮስ 3:8) መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጽቡቕ ነገራት ብምትኳር፡ ብዛዕባ ዅነታት ደቃ ኣዘውቲርኪ ንገርያ። (ምሳሌ 16:24) ምኽሪ ኽትህበኪ ሕተትያ፡ ምስ ሃበትኪ ኸኣ ኣመስግንያ።

  • ነቲ፡ ነቶም ቈልዑ ኣዲኦም ክትህሉ ኸላ እተርእይዮም ፍቕሪ፡ ደረት ግበሩሉ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር በቨርሊ ዝስማ ሰይተቦ ኸምዚ ዚስዕብ በለት፦ “ክልተ ደቂ ሰብኣየይ ‘ማማ’ ኽብሉኒ ይደልዩ። ኣብ ገዛና ‘ማማ’ ኺብሉኒ ኸም ዚኽእሉ፡ ምስ ጀይን ኣዲኦም ኪዀኑ ኸለዉ ግና፡ ‘ማማ’ ኺብሉኒ ኸም ዘይብሎም ተሰማማዕና። ብድሕርዚ፡ ኣነን ጀይንን ብዝሓሸ መገዲ ኽንረዳዳእ ጀመርና። እቶም ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺጻወቱ ኸለዉ ዀነ ንዙረት ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓቢርና ንሕግዞም ነበርና።”

ንደቅኻ ኻብቲ እትግምቶ ንላዕሊ ዝያዳ ጽልዋ ኽትገብረሎም ትኽእል ኢኻ

ወላድን ሰይተቦን ሰብኣይ ኣደን ተሳንዮም ንኺነብሩ ዚሕግዝ ምኽሪ

    ትሕትናን ኣኽብሮትን ምርኣይ ሰላም የስፍን

  • ቈልዑ እናሰምዑ፡ ንሓደ ምሳኻትኩም ዘየሎ ወላዲ ወይ ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዚነቅፍ ዘረባ ኣይትዛረብ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ዘረባ ኽትሰግር ቀሊል እዩ፣ ነቲ ቘልዓ ግና ኣዝዩ ኺሃስዮ ይኽእል እዩ። ቃላትካ ብኸመይ ወይ መዓስ ተደጊሙ ኺውረ ኸም ዚኽእል እውን ኣይትፈልጥን ኢኻ። (መክብብ 10:20) እቲ ቘልዓ፡ በቲ ኻልኣይ ወላዲኡ ወይ ብሰይተቦኡ ወይ ብሰብኣይ ኣዲኡ ብዛዕባኻ እተዘርበ ሕማቕ ነገር እንተ ነጊሩካ፡  ኣብ ስምዒት እቲ ቘልዓ ኣተኵር። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ነቲ ቘልዓ፡ “ኣዴኻ ኣብ ቅድሜኻ ከምኡ ስለ ዝበለት የጕህየኒ እዩ። ብኣይ ስለ ዝሓረቐት እያ ኸምኡ ኢላ፣ ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ኪሓርቁ ኸለዉ ሕማቕ ይዛረቡ እዮም” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ ክልቲኡ ቤት፡ ሓደ ዓይነት ስርዓትን ተግሳጽን ከም ዚህሉ ንምግባር ጽዓሩ። እዚ እንተ ዘይተኻኢሉ፡ ነቲ ኻልኣይ ወላዲ ኸየነኣኣስካ፡ ነቲ ቘልዓ ብዛዕባ እቲ ፍልልያት ኣነጺርካ ግለጸሉ። ነዚ ዚስዕብ ኣቕልበሉ፦

    ሰይተቦ፦ ቶሚ፡ በጃኻ ሽጎማኖኻ ስጥሓዮ።

    ቶማስ፦ ማማ ደኣ ባዕላ እንድያ እያ እትሰጥሓልና።

    ሰይተቦ (ብቝጥዓ)፦ ከምኡ ብምግባራ፡ ስንፍና እያ እትምህረካ ዘላ።

    ኣብ ክንዲ ኸምኡ ምባል፡ ከምዚ ዚስዕብ ምባልዶ ኣይምሓሸን፧

    ሰይተቦ (ብህድኣት)፦ ኣሃ፡ ከምኡ ድዩ። ኣብዚ ግና፡ ባዕልና ኢና እንሰጥሕ።

  • ኣብቲ ደቅኻ ምስቲ ኻልኣይ ወላዲ ዘሕልፉሉ ግዝያት፡ ካልእ መደባት ኣይተውጽእ። (ማቴዎስ 7:12) መደባትካ ኸተተዓራሪ እንተ ዘይክኢልካ፡ ብዛዕባኡ ንደቅኻ ቕድሚ ምንጋርካ፡ ነቲ ኻልኣይ ወላዲ ኣፍቅዶ።

ነዚ ፈትኖ፦ ምስ ናይ ቀደም በዓል ቤት እዛ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ፡ ወይ ምስ መጻምድቲ እታ ናይ ቀደም በዓልቲ ቤትካ ኽትራኸብ ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ዕየየሉ።

  1. ናብኡ እናጠመትካ፡ ፍሽኽ በል። ብዘረባኻ ዀነ ብገጽካ ወይ ብኣእዳውካ ኸም ዘይተገደስካሉ ዜርኢ ምልክት ኣይተርኢ።

  2. ነቲ ሰብ ስሙ ጠቒስካ ሰላም በሎ። ንኣብነት፡ “ጆን፡ ከመይ ውዒልካ” በል።

  3. ብዙሓት ሰባት እንተ ኣሊኹም፡ ነቲ ሰብ ኣብቲ ምይይጥ ኣሳትፎ።

ርክብ 2፦ ኣባጽሕ ወሉዳት

ኣብታ ስተፕ ዎርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም እተገልጸ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ናብ ኣባጽሕ ደቁ ኸም ዚውግን፡ ደቁ ዜጋፍዕዋ ምዃኖም ከኣ ከም ዘይእመነሉ ኣማረረት። “ውልዕ እዩ ዚብለኒ” በለት። እቲ ምስቶም ኣባጽሕ ውሉዳት ዘሎካ ርክብ ንሓዳርካ ምእንቲ ኸይዘርጎ፡ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧

ዓወት ንምርካብ፦ ደንጋጺ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 10:24) ነቶም ካልኦት ስምዒቶም ክትርድኣሎም ፈትን። ብጹሓት ደቂ መጻምድትኻ፡ ፍቕሪ ወላዲኦም ከይስእኑ ይፈርሁ ይዀኑ። ወይ ከኣ ንዓኻ ብምቕባሎም፡ ነታ ቐዳመይቲ ስድራ ቤቶም ከም ዝጠለምዋ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። እቶም ወለዲ ኸኣ እቶም ቈልዑ እንተ ተወቒሶም፡ ከም ዚርሕቕዎም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን።

ደቂ መጻምድትኻ፡ ብግዲ ኸም ዚቐርቡኻ ኽትገብር ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ በብቕሩብ ከም እትቀራረቡ ግበር። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ንሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንኼርእየካ ኸተገድዶ ወይ ጸቕጢ ኽትገብረሉ ምፍታን ጥበባዊ ኣይኰነን። (መሃልየ መሃልይ 8:4) ስለዚ፡ ምስ ደቂ መጻምድትኻ ኽትቀራረብ ምስ እትደሊ፡ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ኣማዕብል።

ኣብ እትግፍዓሉ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ንዅሉ እቲ ዝሓሰብካዮ ወይ እተሰምዓካ ነገራት ኣይትደርጕሓዮ። (ምሳሌ 29:11) ዘረባኻ ምቍጽጻር እንተ ኣጸጊሙካ፡ ከምቲ እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ዝጸለዮ ጸሎት ጸሊ። ንጉስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፡ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 141:3

ኣብታ እቶም ቈልዑ ዝዓበዩላ ቤት ክትነብር እንተ ወሲንካ፡ እቶም ቈልዑ ነታ ቤት ኣዝዮም ዚፈትውዋ ምዃኖም ክትርኢ ኸለኻ ኺገርመካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ቤት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ናይ ቀደም ክፍልታቶም ብዙሕ ለውጥታት ከይትገብር ተጠንቀቕ።  ናብ ካልእ ገዛ ንኽትቅይሩ እውን ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ፈትኖ፦ እቶም ኣባጽሕ ደቂ መጻምድትኻ ወትሩ ዘየኽብሩኻ ወይ ዚንዕቁኻ እንተ ዀይኖም፡ ንመጻምድትኻ ስምዒትካ ግለጸሉ፡ ነቲ ዚህቦ ሓሳባት ከኣ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። መጻምድትኻ ነቶም ቈልዑ ንኪቐጽዖም ጸቕጢ ኣይትግበረሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓድሕድኩም ከም እትረዳድኡ ጥራይ ግበር። ብዛዕባ እቲ ዅነታት “ሓደ ሓሳብ” እንተ ኣልዩኩም፡ ንኸተመሓይሽዎ ሓቢርኩም ክትዓይዩ ትኽእሉ ኢኹም።—2 ቈረንቶስ 13:11

ንዅሎም ኣብ ስድራ ቤትካ ዘለዉ ቘልዑ ፍቕሪ ኸተርእዮም ጽዓር

ርክብ 3፦ ኣዝማድን ፈተውትን

ኣብ ካናዳ እትነብር ሜሮን እትብሃል ሰይተቦ፡ “ወለደይ መብዛሕትኡ ግዜ ንወደይ ውህበት ይህብዎ ነበሩ፣ ንደቂ ሰብኣየይ ግና ሂቦምዎም ኣይፈልጡን እዮም። ሽዑ ንሕና ባዕልና ኽንክሕሶም ንፍትን እኳ እንተ ዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ ዚዀነና።”

ዓወት ንምርካብ፦ ነታ ሓዳስ ስድራ ቤትካ ኣቐድም። ንኣዝማድካን ንፈተውትኻን ብዛዕባ እቲ ምስታ ሓዳስ ስድራ ቤትካ ዝገበርካዮ ውዕል ንገሮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ኵሎም ኣዝማድካን ፈተውትኻን ነታ ሓዳስ ስድራ ቤትካ ብሓንሳእ ኬፍቅርዋ ትጽቢት ክትገብር ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ እሩማት ኪዀኑን ሚዛኖም ኪሕልዉን ክትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ እቶም ቈልዑ ዕሽሽ እንተ ተባሂሎም፡ ክሳዕ ክንደይ ኪህሰዩ ኸም ዚኽእሉ ግለጸሎም።

ንወለዲ እቲ ናይ ቅድም መጻምድትኻ፡ ምስ ደቅኻ ርክብ ከም ዚህልዎም ግበር። ሱዛን ዝስማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ኣደ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣየይ ምስ ሞተ፡ ድሕሪ 18 ወርሒ ተመርዓኹ፣ ወለዱ ግና ነቲ ኻልኣይ ሰብኣየይ ንኪቕበልዎ ኸቢድዎም ነይሩ እዩ። ብዝያዳ ምስ ቀርብናዮም፡ እቶም ቈልዑ ኸም ዚድውሉሎም ምስ ገበርና፡ ስለቲ ዚገብሩልና ደገፍ ድማ ከነመስግኖም ምስ ጀመርና፡ ርክብና ተመሓየሸ።”

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ኣብ ርክብኩም ዝያዳ ጸገም ዚፈጥር ፈታዊ ወይ ዘመድ መን ምዃኑ ኣለሊ እሞ፡ ንስኻን መጻምድትኻን ምስቲ ሰብ ንዘሎኩም ርክብኩም ብኸመይ ከተመሓይሽዎ ኸም እትኽእሉ ተመያየጡ።

ምስቶም ካብ ስድራ ቤትካ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ዘሎካ ርክብ፡ ኣብ ስድራ ቤትካ ጸገም ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ንምኽሪ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ ግና፡ ስድራ ቤትካ ኽትባረኽ እያ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ” እዩ ዚብል።—ምሳሌ 24:3

^ ሕ.ጽ. 3 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 ካልእ ዓይነት ጸገማት ምስ ዜጋጥመካ ብኸመይ ክትሰግሮ ኸም እትኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ሰክረትስ ኦቭ ሳክሰስፉል ስተፕፋሚልስ” (ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራ ቤታት ንኺዕወታ ዚሕግዘን መፍትሕ) ዘርእስቱ ገበር ዘለዋ ናይ ሚያዝያ 2012 ሕታም ንቕሑ! (ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም) ርአ።

^ ሕ.ጽ. 8 እቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ዜፈራርህ ወይ ዚጓዳእ እንተ ዀይኑ ግና፡ ምእንቲ ድሕነት ስድራ ቤትካ ኢልካ ጽኑዕ ደረት ክትገብረሉ ኣሎካ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ምስቲ ናይ ቀደም በዓል ቤት እዛ ናይ ሕጂ መጻምድተይ ብዝያዳ ኽረዳዳእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ኣዝማድን ፈተውትን ከይተፈለጦም ንስድራ ቤትና ምእንቲ ኸይዘርግዋ፡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧