ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር፦ ኣምላኽ ጨካን ድዩ፧

ሰባት፡ ኣምላኽ ጨካን ከም ዝዀነ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧

ሰባት፡ ኣምላኽ ጨካን ከም ዝዀነ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧

እታ “ኣምላኽ ጨካን ድዩ፧” እትብል ሕቶ ኣሰምቢዳትካዶ፧ ንገሊኦም ተሰምብዶም እኳ እንተ ዀነት፡ ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት ‘ኣምላኽ ጨካን ድዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ወይ ከኣ ንኣምላኽ ከም ጨካን ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ። ስለምንታይ፧

ካብ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝደሓኑ ገሊኦም ሰባት፡ “ኣምላኽ እዚ ነገራት እዚ ኺፍጸም ዜፍቅድ ስለምንታይ እዩ፧ ዘይግደስ ስለ ዝዀነ ድዩ፧ ወይስ ጨካን ስለ ዝዀነ እዩ፧” ኢሎም ይሓትቱ።

ገሊኣቶም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኸለዉ እዮም ከምኡ ኢሎም ዚሓትቱ። ነቲ ብዛዕባ ኖህን ማይ ኣይህን ዚገልጽ ጸብጻብ ኬንብቡ ኸለዉ፡ ‘ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ሰባት እቲኦም ዝቐተሎም ስለምንታይ እዩ፧ ጨካን ስለ ዝዀነ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ።

ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ወይ ከኣ ነቶም ኣምላኽ ጨካን ከም ዝዀነ ዝሓስቡ ሰባት ክትምልሰሎም ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ እዚ ዀይኑ እቲ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ምምርማርካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ጭካነ እንጸልእ ስለምንታይ ኢና፧

ብሓጺሩ፡ ጭካነ እንጸልኣሉ ምኽንያት ቅኑዕን ጌጋን ስለ እንፈልጥ እዩ። በዚ መዳይ እዚ፡ ካብ እንስሳ ኣጸቢቕና ኢና እንፍለ። ኣምላኽ “ብመልክዑ” እዩ ፈጢሩና። (ዘፍጥረት 1:27) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንባህርያቱን ንስነ ምግባራዊ ስርዓታቱን፡ ማለት ነቲ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኸነንጸባርቕ ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ነቲ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላጥ ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ካብ ተቐበልናዮ እሞ ጭካነ ድማ ንጸልእ ካብ ኰንና፡ ኣምላኽ እውን ጭካነ ዚጸልእ ምዃኑ ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ይድግፎ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ፡ ኣምላኽ፡ “መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ብምባል ከም እተዛረበ ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 55:9) ንኣምላኽ ከም ጨካን ጌርና እንተ ፈሪድናዮ ግና፡ ኣንጻር እዛ ጥቕሲ እዚኣዶ ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘መገድታትና ኻብ መገድታት ኣምላኽ ልዕል ዝበለ እዩ’ ንብል ከም ዘሎናዶ ኣይኰነን፧ ከምዚ ዓይነት መትከል ቅድሚ ምውሳድና፡ ተወሳኺ መርትዖታት እንተ ኣከብና ዝሓሸ እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣምላኽ ጨካን ድዩ፧’ ኢልና ኣብ ክንዲ እንሓትት፡ ‘ገሊኡ ተግባራቱ ናይ ጭካነ ዚመስል ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትትዶ ኣይግባእን፧ ነዚ ነጥብታት እዚ ብግቡእ ምእንቲ ኽንርድኦ ድማ፡ “ጭካነ” ኺብሃል ከሎ፡ ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ንመርምር።

ንሓደ ሰብ፡ ‘ጨካን’ ክንብሎ ኸለና፡ ንድራኸታቱ ኢና እንፈርዶ ዘለና። ሓደ ጨካን ሰብ፡ ብስቓይ ካልኦት ባህ እዩ ዚብሎ፡ ወይ ከኣ ጸበባ ኼጋጥሞም ከሎ ግዲ ኣይገብረሎምን እዩ። ንኣብነት፡ ስምዒት ወዱ ኺጕዳእ ከሎ ባህ ስለ ዚብሎ፡ ንወዱ ዚቐጽዕ ኣቦ፡ ጨካን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንወዱ ኺምህሮ ወይ ካብ ሓደጋታት ኬዕቍቦ ስለ ዝደሊ፡ ንወዱ ዚቐጽዕ ኣቦ ግና፡ ሕያዋይ እዩ። ንዓኻ እውን ኣጋጢሙካ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ንሓደ ሰብ ዘይሓሰቦ ነገር፡ ከም ዝሓሰቦ ጌርካ ኽትጥቅኖ ቐሊል እዩ።

ቀጺልና እምበኣር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ጨካን ከም ዝዀነ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ዚገብሮም ክልተ ምኽንያታት ንርአ፦ (1) ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ባህርያዊ ሓደጋታት፣ (2) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍርድታት ኣምላኽ። እቲ ናይ ሓቂ ፍጻመታት፡ ኣምላኽ ጨካን ምዃኑ ድዩ ዚሕብር፧