ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽ ብስዋሂሊ ኸም ዚፍለጥ ተገብረ

ስም ኣምላኽ ብስዋሂሊ ኸም ዚፍለጥ ተገብረ

ስም ኣምላኽ ብስዋሂሊ ኸም ዚፍለጥ ተገብረ

“ስዋሂሊ።” እዚ ቛንቋ እዚ ንብዙሓት ሰባት፡ ነታ ኣብ ምድረ ሳዕሪ ሰረንጌቲ ዚንቀሳቐሱ እንስሳ ዘገዳም ዘለውዋ ኣፍሪቃ እዩ ዜዘኻኽሮም። ይኹን እምበር፡ ስዋሂሊ ዀነ ተዛረብቱ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥራይ ኣይኰኑን ዚፍለጡ።

ስዋሂሊ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከባ 12 ሃገራት ዚነብሩ ዳርጋ 100 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ዚጥቀሙሉ ቛንቋ እዩ። * ኣብ ከም ብዓል ኬንያን ታንዛንያን ኡጋንዳን ዝኣመሰላ ሓያሎ ሃገራት ዚዝረብ ሃገራዊ ወይ ወግዓዊ ቛንቋ እዩ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘለዋ ገሊአን ሃገራት ከኣ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ዚዛረበሉ ቛንቋ ዀይኑ፡ ካብ እተፈላለየ ኸባቢታት ንዚመጹ ሰባት፡ ንኺነግዱን ብቐሊሉ ንኺረዳድኡን ይሕግዞም።

ስዋሂሊ፡ ተቐማጦ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኸም ዚሓብሩ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ እዩ ዘለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ታንዛንያ ጥራይ፡ ዳርጋ 114 ዚኸውን እተፈላለየ ቛንቋታት ኣሎ። ካብ ቤትካ 40-80 ኪሎ ሜተር ጥራይ ተጓዒዝካ፡ ካብቲ ንስኻ እትዛረበሉ ቛንቋ ፈጺሙ እተፈልየ ቛንቋ ምስ ዚዛረቡ ሰባት ክትራኸብ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣብ ገሊኡ ቦታታት እሞ ኸኣ፡ እቶም ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ብምሉኦም፡ ኣብ ሒደት ኣቝሻት እዮም ዚነብሩ። ምስዞም ሰባት እዚኦም ክትረዳዳእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሓደ ሓባራዊ ቛንቋ ምህላዉ ጠቓሚ ዝዀነ እምበኣር በዚ ኸምዚ እዩ።

ታሪኽ ስዋሂሊ

ስዋሂሊ እንተ ወሓደ ኻብ ዓስራይ ዘመን ኣትሒዙ ይዝረብ ከም ዝነበረ እዩ ዚእመን። ኣብ መበል 16 ዘመን ድማ ብጽሑፍ ኪሰፍር ጀመረ። እቶም ስዋሂሊ ዚምሃሩ ሰባት፡ ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ሓያሎ ቓላት ስዋሂሊ ምስ ዓረብኛ ኸም ዚመሳሰል ይግንዘቡ እዮም። ካብ ቃላት ስዋሂሊ እንተ ወሓደ 20 ሚእታዊት ዚኸውን፡ ካብ ዓረብኛ እተወርሰ እዩ፣ ካብቲ ዝተረፈ ሚእታዊት መብዛሕትኡ ድማ፡ ኣፍሪቃዊ መበቈል እዩ ዘለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንሓያሎ ኣማእታት ዓመታት፡ ስዋሂሊ ብፊደላት ዓረብኛ ዚጽሓፍ ዝነበረ።

ሎሚ ስዋሂሊ ብፊደላት ላቲን እዩ ዚጽሓፍ። ስለምንታይ እዩ እዚ ለውጢ እዚ ተገይሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ናብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ክንምለስ ኣሎና፣ እቲ እዋን እቲ፡ ኤውሮጳውያን ሚስዮናውያን ንደቀባት ምብራቕ ኣፍሪቃ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነግርዎም ንመጀመርታ ግዜ ዝመጹሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ቃል ኣምላኽ ንፈለማ እዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ በጽሐ

ብ1499፡ ማለት ቫስኮ ደ ጋማ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፖርቱጋላውያን ሚስዮናውያን ናብ ዛንዚባር ልኡኻት ብምልኣኽ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እምነት ካቶሊክ ኬተኣታትዉ ፈተኑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ 200 ዓመት፡ ብሰንኪ ምጽራር፡ እቶም ፖርቱጋላውያን ምስቲ ሒዞምዎ ዝመጹ “ክርስትና” ኻብቲ ኸባቢ ተሰጕጉ።

ድሕርዚ 150 ዓመት ጸኒሑ፡ ቃል ኣምላኽ እንደገና ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጸ። ዮሃን ሉትቪኽ ክራፕፍ ዚብሃል ጀርመናዊ ሚስዮናዊ ድማ እዩ ሒዝዎ መጺኡ። ብ1844 ኣብ ሞምባሳ፡ ኬንያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብ ገማግም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እዮም ነይሮም፣ እቶም ካብ ወሰን ባሕሪ ርሕቕ ኢሎም ዝነበሩ ድማ፡ ህይወት ዘለዎን ዘይብሉን ነገራት ዜምልኹሉ ባህላዊ እምነት ነበሮም። ክራፕፍ ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን ነበረ።

ክራፕፍ ውዓል ሕደር ከይበለ፡ ስዋሂሊ ኼጽንዕ ጀመረ። ኣብ ሰነ 1844፡ ማለት ካብ ዚመጽእ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕሞ ጀመረ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ወርሒ፡ ዜጕሂ ነገራት ኣጋጠሞ፣ ካብ ዚምርዖ ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ሰበይቱ ሞተት፣ ድሕሪኡ፡ ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ እታ ህጻን ዝነበረት ጓሉ እውን ሞተት። በዚ ኣመና እኳ እንተ ጐሃየ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓሙ ቐጸለ። ብ1847 ድማ ነተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ምዕራፋት ኦሪት ዘፍጥረት ኣሕተመን፣ እዚ ኸኣ ብስዋሂሊ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ሕታም ኰነ።

ንስዋሂሊ ብፊደላት ዓረብኛ ዘይኰነስ፡ ብፊደላት ላቲን ንመጀመርታ እዋን ዝጸሓፎ፡ ክራፕፍ እዩ ነይሩ። ንፊደላት ዓረብኛ ዘይተጠቕመሉ ምኽንያት፡ ‘ፊደላት ዓረብኛ ነቶም ጸኒሖም ስዋሂሊ ዚምሃሩ ኤውሮጳውያን ንኺጥቀሙሉ ኼጸግሞም ስለ ዚኽእል፡’ ‘ፊደላት ላቲን ድማ ነቶም ደቀባት፡ ቋንቋ ኤውሮጳውያን ንኺምሃሩ ኺሕግዞም ስለ ዚኽእል እዩ።’ ይኹን እምበር፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እውን እንተ ዀነ፡ ፊደላት ዓረብኛ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ እዩ፣ እተወሰነ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብእኡ ተሓቲሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፊደላት ላቲን፡ ንብዙሓት ሰባት ስዋሂሊ ብቐሊሉ ንኺምሃሩ ሓጊዝዎም እዩ። ብዙሓት ሚስዮናውያን ኰኑ ኻልኦት ተመሃሮ ስዋሂሊ፡ በቲ ለውጢ ኣዝዮም ከም እተሓጐሱ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ክራፕፍ ብስዋሂሊ ናይ መጀመርታ ቓል ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምትርጓሙ፡ ነቶም ጸኒሖም ዝመጹ ተርጐምቲ ዚሕግዝ ካልእ ነገር እውን ገይሩ እዩ። ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ሰዋስውን መዝገበ ቓላትን ስዋሂሊ ኣዳለወ።

ስም ኣምላኽ ብስዋሂሊ

ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ምዕራፋት ኦሪት ዘፍጥረት፡ ስም ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ተባሂሉ እዩ ተተርጒሙ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ስዋሂሊ ዝተርጐምዎ ሓያሎ ሰብኡት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጺኦም እዮም። ገለ ኻብኦም፡ ዮሃን ራፕማን፡ ዊልያም ተይለር፡ ሃሪ ቢንስ፡ ኤድዋርድ ስቲር፡ ፍራንሲስ ሃጅሰን፡ ኣርተር ማዳን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

እቲ ዜገርም፡ ኣብቲ ናይ ቀደም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ሒደት ቦታታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይርከብ ነበረ። እቶም ኣብ ዛንዚባር ዝነበሩ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመለኮታዊ ስም፡ “ያሁዋ” ኢሎም ተርጐምዎ፣ እቶም ኣብ ሞምባሳ ዝነበሩ ኸኣ፡ “ጀሆቫ” ኢሎም ተርጐምዎ።

ብ1895 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብስዋሂሊ ይርከብ ነበረ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ካልእ ሓያሎ ትርጕማት ተዳለወ፣ ገሊኡ ግና ብዙሕ ኣይተዘርግሐን። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ንስዋሂሊ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደ መልክዕ ንምትሓዝ ብዙሕ ተጻዒሩ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብ1952 ስዋሂሊ ዩንየን ቨርሽን ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስ ንኺዳሎ መገዲ ኸፈተ፣ ብብዝሒ እተዘርግሐ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኰነ። ብዘይካዚ፡ እቲ “የሆቫ” ዚብል ስም ኣምላኽ፡ ብስዋሂሊ ተቐባልነት ዘለዎ ትርጕም ኪኸውን ከኣለ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ናይ ቀደም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ሕትመቱ ምስ ኣቋረጸ፡ መለኮታዊ ስም እውን እናጠፍአ ኸደ። ገሊኡ ሓድሽ ትርጕማት፡ ንስም ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣውጽኦ፣ ገሊኡ ግና ኣብ ሒደት ቦታታት ጥራይ ኣእተዎ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ዩንየን ቨርሽን ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽ 15 ሳዕ ጥራይ እዩ ዚርከብ፣ ኣብቲ ናይ 2006 ሕታም ድማ፡ 11 ሳዕ ጥራይ እዩ ዚርከብ። *

እዚ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ዳርጋ ንዅሉ መለኮታዊ ስም እኳ እንተ ኣውጽኦ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ግና ሒዙ ኣሎ። ኣብቲ መእተዊ፡ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ንጹር ሓሳብ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቶም ሓቂ ዚደልዩ ሰባት፡ በቲ ናቶም ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ንብሕታዊ ስም ሰማያዊ ኣቦና ንኺፈልጥዎ ዚሕግዝ እዩ።

እቲ ጕዳይ ግና በዚ ኣይኰነን ዚዛዘም። ብ1996 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብስዋሂሊ ወጸ። እዚ ትርጕም እዚ፡ ንስም የሆዋ ኻብ ማቴዎስ ክሳብ ራእይ ኣብ 237 ቦታታት ዝመለሶ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ስዋሂሊ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ብ2003 ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ማለት ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብስዋሂሊ ወጸ። ክሳዕ ሎሚ፡ 900,000 ዚኸውን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ስዋሂሊ ተሓቲሙ ኣሎ።

ድሕሪ ደጊም ስም ኣምላኽ ብገሊኡ መዓርጋት ተሸፊኑ ኣይተርፍን ወይ ኣብ መእተዊ ጥራይ ተጠቒሱ ኣይሓልፍን እዩ። ከመይሲ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ብስዋሂሊ እተዳለወ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ዜንብቡሉ እዋን፡ ነቲ ልዕሊ 7,000 ሳዕ ዚርከብ ስም የሆዋ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ብዝያዳ ናብኡ ኪቐርቡ እዮም።

እቲ ብስዋሂሊ እተተርጐመ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ብቐሊሉ ዚርዳእን ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዚርከቡ ዅሎም ተዛረብቲ ስዋሂሊ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ብዙሕ ካልእ ትርጕማት ዝነበረ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጌጋታት ተወጊዱ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ኣንባባይ፡ መንፈስ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝነፈሶ “ቓላት ሓቂ” የንብብ ከም ዘሎ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መክብብ 12:10

ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስዋሂሊ እተዳለወ ትርጕም ሓዳስ ዓለም የማስዉሉ እዮም። ቪሰንት ዝስሙ 21 ዝዕድሚኡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “እቲ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ቀሊል ስዋሂሊ ኣሐጒሱኒ እዩ፣ ንስም የሆዋ ናብቲ ኻልኦት ዘውጽእዎ ቦታታት ስለ ዝመለሶ እውን ተሓጒሰ እየ” በለ። ፍሪዳ ዝስማ ኣደ ሰለስተ ቘልዑ፡ ሳላ እቲ ትርጕም፡ ንኻልኦት ሰባት ብቐሊሉ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ክትገልጸሎም ከም ዝኸኣለት ተዛረበት።

ካብቲ ናይ መጀመርታ ንእሽቶ ጅመራ ኣትሒዙ፡ ንቓል ኣምላኽ ናብ ስዋሂሊ ንምትርጓም ልዕሊ 150 ዓመት እዩ ወሲዱ። የሱስ፡ ‘ስም ኣቦኡ ኸም ዝገለጸ’ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:6) ሕጂ እቶም ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዚርከቡ ልዕሊ 76,000 ዚዀኑ ተዛረብቲ ስዋሂሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ተጠቒሞም ንስም የሆዋ ኼፍልጡ ብምኽኣሎም ሕጉሳት እዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብዘን ሃገራት እዚአን፡ ስዋሂሊ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚዝረብ።

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት፡ ስም ኣምላኽ ይርከብ፦ ዘፍጥረት 22:14፣ ዘጸኣት 6:2-8 (ክልተ ሳዕ)፣ 17:5 (ያህወህ)፣ መሳፍንቲ 6:24፣ መዝሙር 68:20፣ 83:18፣ ኢሳይያስ 12:2፣ 26:4፣ 49:14፣ ኤርምያስ 16:21

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ካርታ]

(For fully formatted text, see publication)

ስዋሂሊ ዚዝረበለን ሃገራት ኣፍሪቃ

ሱዳን

ኢትዮጵያ

ሶማልያ

ኬንያ

ኡጋንዳ

ደሞክ. ሪፓ. ኮንጎ

ሩዋንዳ

ቡሩንዲ

ታንዛንያ

ዛንዚባር

ዛምብያ

ማላዊ

ሞዛምቢክ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃን ክራፕፍ ብ1847 ናብ ስዋሂሊ ዝተርጐሞ ዘፍጥረት 1:1-3

[ምንጪ]

Published in the Journal of the American Oriental Society, Vol. 1, No. 3, 1847

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ1891 ብፊደላት ዓረብኛ እተዳለወ ናይ ስዋሂሊ ሓደ ኽፋል ማቴዎስ ምዕራፍ 1

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ “ስዋሂሊ ዩንየን ቨርሽን” ኣብ መእተዊ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ዚገልጽ ሕጡብ ጽሑፍ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“ያሁዋ” ወይ “ጀሆቫ” ዚብል መለኮታዊ ስም ዘለዎ ቐዳሞት ትርጕማት

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስዋሂሊ እተዳለወ “ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ምጥቃም የሐጕሶም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

All Photos: Bible Society of Tanzania and Bible Society of Kenya; top left: Image courtesy of the National Library of Scotland