ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ—ሩስያ

ፈትዮም ይመጹ—ሩስያ

ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ንጥፈታቶም ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ብ1991 ምስ ተላዕለን ወግዓዊ ተፈላጥነት ምስ ረኸቡን ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓሰርተ ዕጽፊ ብምውሳኽ ሎሚ ኣስታት 170,000 ከም ዚበጽሕ ብዙሓት ኣይገመቱን ነይሮም። እቶም ጻዕራማት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ቐውዒ ንምክፋል ካብ ካልእ ሃገር ናብ ሩስያ ዝገዓዙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ዜጠቓልሉ እዮም። (ማቴ. 9:37, 38) ብዛዕባ ገለ ኻባታቶም እስከ ንርአ።

ፍቓደኛታት ኣሕዋት ንጉባኤታት ኣብ ምድልዳል ሓጊዞም

እቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝነበረ እገዳ ኣብ እተላዕለሉ ዓመት፡ እቲ ኻብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጸ ማቲው ወዲ 28 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዚርከባ ጉባኤታት ሓገዝ ከም ዜድልየን ዜጕልሕ መደረ ቐረበ። እቲ ተዛራባይ ከም ኣብነት ንሓንቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ሩስያ፡ እትርከብ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ሽማግለ ዘይነበራ ጉባኤ ጠቐሰ። እቶም ኣስፋሕቲ ግና ብኣማእታት ዚቝጸሩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ነበሩ። ማቲው፡ “ድሕሪ እቲ መደረ፡ ብዛዕባ ሩስያ ኻብ ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን፣ ስለዚ፡ ናብኡ ኽግዕዝ ከም ዝደሊ ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢለ ብንጹር ነገርክዎ” በለ። ገንዘብ ኣዋህሊሉን መብዛሕትኡ ንብረቱ ሸይጡን ድማ ብ1992 ናብ ሩስያ ገዓዘ። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ረኸበ፧

ማቲው

ማቲው፡ “እቲ ቛንቋ ኣዝዩ ኸበደኒ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ምይይጥ ክገብር ኣይከኣልኩን ነይረ” በለ። ካልእ ንማቲው ዘጋጠሞ ጸገም፡ ቤት ምርካብ እዩ ነይሩ። “ካብ ሓደ ኣፓርታማ ናብ ካልእ ኣፓርታማ ዝገዓዝኩሉ እተፈላለየ እዋናት፡ ቈጺርካ ኣይውዳእን እዩ” በለ። ኣብ ፈለማ እኳ ዕንቅፋታት እንተ ኣጋጠሞ፡ ማቲው፡ “ናብ ሩስያ ምግዓዝ፡ እቲ ዝበለጸ ውሳነ እዩ ነይሩ” በለ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣብዚ ብምግልጋለይ፡ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ፣ ብብዙሕ መገድታት ድማ ንሱ ኺመርሓኒ ኸሎ ርእየ እየ” በለ። ማቲው ጸኒሑ ሽማግለን ፍሉይ ፈላምን ኰይኑ ተሸመ፣ ሕጂ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሰይንት ፒተርስበርግ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር የገልግል ኣሎ።

ብ1999 ሂሮ ወዲ 25 ዓመት ከሎ፡ ካብቲ ኣብ ጃፓን እተገብረ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ተመረቐ፣ ሓደ ኻብቶም መምህራኑ ኸኣ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬገልግል ኣተባብዖ። ሂሮ፡ ኣብ ሩስያ ዝያዳ ዓየይቲ ኸም ዜድልዩ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ፡ ሩስያኛ ኺምሃር ጀመረ። ካልእ ግብራዊ ስጕምቲ እውን ወሰደ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሽዱሽተ ወርሒ ናብ ሩስያ ኸድኩ። ኣብ ሩስያ ቈራሪ ወቕቲ ኣዝዩ ኸቢድ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ቝሪ ዝኽእሎ እንተ ዀይነ ንምፍላጥ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከድኩ” በለ። ነቲ ቘራሪ ወቕቲ ብተጻዋርነት ምስ ኣሕለፎ፡ ናብ ጃፓን ተመልሰ፣ ናብ ሩስያ ጠቕሊሉ ምእንቲ ኺግዕዝ ድማ፡ ቀሊል ናብራ ብምንባር ገንዘብ ኣዋህለለ።

ሂሮን ስቭየትላናን

ሂሮ ሕጂ ኣብ ሩስያ 12 ዓመት ገይሩ ኣሎ፣ ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት ድማ ኣገልጊሉ እዩ። ሓደ እዋን፡ ንሱ ጥራይ ሽማግለ ኰይኑ፡ ልዕሊ 100 ኣስፋሕቲ ኣብ ዘለዉዋ ጉባኤ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ኣብ ሰሰሙን፡ መብዛሕትኡ ኽፍልታት ኣኼባ ኣገልግሎት የቕርብ፡ ከምኡ እውን ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ሓሙሽተ እተፈላለየ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን ይመርሕ ነበረ። ብዙሕ ሳዕ እውን ጕስነታዊ ምብጻሕ ይገብር ነበረ። ነተን ከምኡ ዝገበረለን ዓመታት ምልስ ኢሉ ኺዝክረን ከሎ፡ “ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ብመንፈስ ድልዱላት ኪዀኑ ምሕጋዝ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ” በለ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋሉ ብኸመይ ጸልይዎ፧ ከምዚ በለ፦ “ናብ ሩስያ ቕድሚ ምኻደይ፡ ሽማግለን ፈላምን ኰይነ እየ ዘገልግል ነይረ፣ ናብዚ ድሕሪ ምምጽአይ ግና፡ ምስ የሆዋ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ሓድሽ ርክብ ዘማዕበልኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብ ብምሉኡ መዳያት ህይወተይ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ።” ብ2005 ሂሮ ምስ ስቭየትላና ተመርዓወ፣ ክልቲኦም ድማ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ማይክልን ኦልጋን ምስ ማሪናን ማቲውን

እቲ ወዲ 34 ዓመት ዝዀነ ማቲውን እቲ ወዲ 28 ዓመት ማይክል ሓዉን፡ ካብ ካናዳ እዮም መጺኦም። ክልቲኦም ናብ ሩስያ ኺበጽሑ ምስ መጹ፡ ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታት ከም ዚመጹ፡ ግናኸ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም ዚኽእሉ ኣሕዋት ሒደት ምዃኖም ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተገረሙ። ማቲው፡ “ኣብታ ኣነ ዝበጻሕክዋ ጉባኤ 200 ተኣከብቲ ነይሮም፣ ኵሉ እቲ ኽፍልታት ግና ብሓደ ዕድመ ዝደፍአ ሽማግለን ሓደ መንእሰይ ኣገልጋሊ ጉባኤን እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ነዚ ዅነታት እዚ ምስ ረኣኹ፡ ነቶም ኣሕዋት ምእንቲ ኽሕግዞም ናብኡ ኽግዕዝ ደረኸኒ” በለ። ብ2002 ድማ ናብ ሩስያ ገዓዘ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ማይክል እውን ናብ ሩስያ ገዓዘ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ገና ብዙሓት ኣሕዋት ከም ዜድልዩ ተረድአ። ኣገልጋሊ ጉባኤ ስለ ዝነበረ፡ ኣገልጋሊ ሕሳብን ጽሑፋትን ክልን ኰነ። ብዘይካዚ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብጸሓፊ ጉባኤ ዚስራሕ ዕዮታት ኪዓዪን ህዝባዊ መደረ ኬቕርብን ዓበይቲ ኣኼባታት ኰነ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምውዳብ ኪሕግዝን ሕቶ ቐረበሉ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብተን ጉባኤታት ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ። ሓያሎ ሓላፍነት ምስካም ከቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሕጂ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ማይክል፡ “ንኣሕዋት ምሕጋዝ ብዙሕ ዕግበት እዩ ዜምጽኣለይ። ንህይወተይ ካብዚ ብዚበልጽ መገዲ ኽጥቀመላ ኣይክእልን እየ” በለ።

ድሕሪ ግዜ፡ ማቲው ምስ ማሪና ሓዳር ገበረ፣ ማይክል ከኣ ምስ ኦልጋ ተመርዓወ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ምስ ካልኦት ፍቓደኛታት ሰራሕተኛታት ኰይኖም፡ ነተን ዚዓብያ ዘለዋ ጉባኤታት ይሕግዝወን ኣለዉ።

ቀናኣት ኣሓት ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ ይሕግዛ

ታትያና

ብ1994 ታትያና ጓል 16 ዓመት ከላ፡ ካብ ስሎቫክያን ቸክ ሪፓብሊክን ፖላንድን ዝመጹ ሽዱሽተ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ኣብታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ጉባኤኣ ኼገልግሉ ጀመሩ። ብዛዕባኦም ጽቡቕ ተዘክሮ እዩ ዘለዋ፣ “እቶም ፈለምቲ ቐናኣትን ብቐሊሉ ዚቕረቡን ለዋሃትን እዮም ነይሮም፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚፈልጥዎ ነይሮም” በለት። ታትያና፡ የሆዋ ነቲ እቶም ፍሉያት ፈለምቲ ዘርኣይዎ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብኸመይ ከም ዝባረኾ ምስ ረኣየት፡ ‘ኣነ እውን ከማታቶም ክኸውን እየ ዝደሊ’ ኢላ ሓሰበት።

ታትያና ብኣብነት እቶም ፈለምቲ ስለ እተተባብዐት፡ ነቲ ኻብ ትምህርቲ ዕረፍቲ እትዀነሉ እዋን ተጠቒማ፡ ናብቲ ኣብ ዩክረይንን በላሩስን ዚርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰቢኾምሉ ዘይፈልጡ ርሑቕ ክልታት ምስ ካልኦት ኰይና ብምኻድ ተገልግል ነበረት። ነዚ ንጥፈታት እዚ ኣዝያ ስለ ዝፈተወቶ ድማ፡ ናብ ሩስያ ብምግዓዝ ኣገልግሎታ ኸተስፍሕ መደበት። ብቐዳምነት፡ ንሓንቲ ኻብ ካልእ ሃገር ናብ ሩስያ ዝገዓዘት ሓብቲ ምእንቲ ኽትበጽሓን ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ከላ ዚድግፋ ስራሕ ምእንቲ ኽትረክብን፡ ንሓጺር እዋን ናብ ሩስያ ኸደት። ጸኒሓ ብ2000 ናብ ሩስያ ጠቕሊላ ገዓዘት። እሞኸ እቲ ለውጢ ኸቢድዋዶ፧

ታትያና ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣፓርታማ ኽካረ ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኒ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፓርታማ ኻልኦት ሰባት እትርከብ ሓንቲ ኽፍሊ ኽካረ ነበረኒ። እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ናብ ዓደይ ክምለስ ዝሓሰብኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ዅሉ ሳዕ፡ ኣገልግሎተይ ብምቕጻል ብዙሕ ከም ዝጥቀም ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ሎሚ ታትያና ሚስዮናዊት ኰይና ኣብ ሩስያ ተገልግል ኣላ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ካብ ሃገረይ ወጻኢ ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ ብዋጋ ዘይሽነን ተመክሮን ብዙሓት ፈተውትን ንኸጥሪ ሓጊዙኒ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ንእምነተይ ኣደልዲልዋ እዩ።”

ማሳኮ

እታ ሕጂ ኣብ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ካብ ጃፓን ዝመጸት ማሳኮ፡ ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግል እያ እትደሊ ነይራ፣ ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ኸምኡ ኽትገብር ኣይከኣለትን ነይራ። ጥዕናኣ እናተመሓየሸ ምስ ከደ ግና፡ ናብ ሩስያ ብምግዓዝ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ ኽትሕግዝ ወሰነት። ዚሰማማዕ ቤትን ዜተኣማምን ስራሕን ምርካብ ከቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ጃፓንኛ ብምምሃርን ዕዮ ጽሬት ብምስራሕን ኣብ ዕዮ ፈላምነት ክትቅጽል ከኣለት። ኣብ ኣገልግሎታ ንኽትቅጽል ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

ማሳኮ ነቲ ኣብ ሩስያ ዘሕለፈቶ ልዕሊ 14 ዓመት ምልስ ኢላ ኽትሓስቦ ኸላ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ዝረኽቦ ሓጐስ፡ ነቲ ዜጋጥመኒ ኸቢድ ጸገማት ኣጸቢቑ እዩ ዚሽፍኖ። ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ምስባኽ፡ ዘየሰልቹን ባህ ዜብልን ህይወት ከም እትመርሕ እዩ ዚገብረካ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “የሆዋ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ምግብን ክዳንን ቤትን ብምሃብ ብኸመይ ከም እተኸናኸነኒ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ተኣምር ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ማሳኮ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ኪርጊዝስታን እተገብረ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ እውን ተኻፊላ እያ። ብዘይካዚ፡ ኣብተን እንግሊዝኛን ቻይንኛን ዊጉርኛን ዚጥቀማ ጕጅለታት እውን ሓጊዛ እያ። ሎሚ ፈላሚት ኰይና ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ተገልግል ኣላ።

ደገፍ ብምሃብ እተባረኻ ስድራ ቤታት

ኢንገን ሚካኢልን

ስድራ ቤታት ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገማት፡ ናብ ካልእ ሃገር ብምግዓዝ ስጋዊ ዅነታተን ኬመሓይሻ ይጽዕራ እየን። ገሊአን ስድራ ቤታት ግና ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣብርሃምን ሳራን፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ንምስዓብ እየን ናብ ወጻኢ ሃገር ዚግዕዛ። (ዘፍ. 12:1-9) ነቶም ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ብ2003 ዝገዓዙ ሚካኢልን ኢንገን ዝስሞም ሰብ ሓዳር እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዚደልዩ ሰባት ረኺቦም እዮም።

ሚካኢል ከምዚ በለ፦ “ሓደ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚኡ ሰቢኾምሉ ኣብ ዘይፈልጡ ቦታ ሰበኽና። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ነቲ ማዕጾኡ ኸፊቱ፡ ‘ሰበኽቲ ዲኹም፧’ ኢሉ ሓተተና። ‘እወ’ ኢልና ምስ መለስናሉ፡ ‘ሓደ መዓልቲ ኸም እትመጹ እፈልጥ ነይረ እየ። ምኽንያቱ፡ ቃላት የሱስ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ’ በለና። ድሕሪኡ፡ ማቴዎስ 24:14 ጠቐሰልና።” ሚካኢል ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣብቲ ኸባቢ፡ ሰዓብቲ እምነት ባፕቲስት ዝዀና ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣባላታ ሓንቲ ጕጅለ እውን ረኺብና ኢና፣ እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጽምኢ ሓቂ ዝነበረንን ቅኑዕ ዝልበንን እየን ነይረን። ንዘለኣለም ምንባር እትብሃል መጽሓፍ ነበረተን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ ሰንበት ድማ ብእኣ ገይረን መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዓ ነበራ። ንነዊሕ ሰዓታት ሕቶታተን መለስናለን፣ ምሳታተን ኴንና መዝሙር ምስ ዘመርና ድማ ብሓባር ተደረርና። ነቲ ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ።” ሚካኢልን ኢንገን፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ምግልጋሎም፡ ብዝያዳ ንየሆዋ ኸም ዚቐርብዎን ንሰባት ዘላቶም ፍቕሪ ኸም ከም እትዓምቝን ኣዝዩ ዜዕግብ ህይወት ከም ዚህልዎምን ከም ዝገበረ ይሰማምዑሉ እዮም። ሎሚ ሚካኢልን ኢንገን ኣብ ዕዮ ወረዳ የገልግሉ ኣለዉ።

ኦክሳናን ኣለክሲን ዩሪን

ብ2007 እቶም ካብ ዩክረይን ዝመጹ ሕጂ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ዩሪን ኦክሳናን ዝስሞም ሰብ ሓዳር፡ ምስቲ ወዲ 13 ዓመት ኣለክሲ ወዶም ኰይኖም ነቲ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪርእዩ ኸዱ። ኣብኡ ድማ ኣብ ካርታ ሩስያ፡ ዘይተሰብኮ ሰፊሕ ክሊ ኸም ዘሎ ረኣዩ። ኦክሳና፡ “ነቲ ካርታ ምስ ረኣናዮ፡ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜድልዩ ኻብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኢና ተገንዚብና። ናብ ሩስያ ኽንግዕዝ ከም ዘሎና ንኽንውስን ድማ ሓጊዙና እዩ” በለት። ካልእከ እንታይ ሓጊዝዎም፧ ዩሪ፡ “‘ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእልዶ፧’ ዚብል ኣብ ሕታማትና ዚርከብ ዓንቀጻት ምንባብና ሓጊዙና እዩ። * ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሩስያ ኽንከዶ ዚደልየና ቦታ ኼድና በጻሕናዮ፣ ቤትን ስራሕን ከኣ ደለና” በለ። ብ2008 ድማ ብምልእታ እታ ስድራ ቤት ናብ ሩስያ ገዓዘት።

ኣብ ፈለማ፡ ዩሪን ኦክሳናን ስራሕ ምርካብ ተሸጊሮም ነበሩ፣ ብተደጋጋሚ ድማ ካብ ሓደ ኣፓርታማ ናብ ካልእ ይቕይሩ ነበሩ። ዩሪ፡ “ተስፋ ምእንቲ ኸይንቘርጽ፡ ብተደጋጋሚ ንጽሊ ኔርና፣ ድሕሪኡ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈና ብምትእምማን ዕዮ ስብከትና ቐጸልና። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ክንህብ ከለና የሆዋ ብኸመይ ከም ዚከናኸነና ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ምክፋልና፡ ንስድራ ቤትና ኣደልዲልዋ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 6:22, 33) ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኼድካ ምግልጋል ንኣለክሲ ብኸመይ ጸልይዎ፧ ኦክሳና ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዙሕ እዩ ጠቒምዎ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከሎ እዩ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠሚቑ። ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜድልዩ ምርኣዩ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚዕጸወሉ እዋናት ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ንኼገልግል ደሪኽዎ እዩ። ንኣገልግሎት ዘለዎ ፍቕርን ቅንኣትን ክንርኢ ኸለና፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ” በለት። ሎሚ ዩሪን ኦክሳናን ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

“ሓንቲ እተጣዕሰኒ ነገር”

እቶም ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ ዚካፈሉ ዘለዉ ኣሕዋት ዝሃብዎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ኣገልግሎትካ ምእንቲ ኸተስፍሕ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካል ይሓትት እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ኣብቲ ዚኸድዎ ሓድሽ ክሊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡሉ ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር ዚመጽእ ዓሚቝ ሓጐስ እውን ይረኽቡ እዮም። ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ብምግዓዝ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧ ከምኡ ኽትገብር እንተ ወሲንካ፡ ነዊሕ ከይጸናሕካ ልክዕ ከም ዩሪ ኺስምዓካ እዩ፣ ንሱ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዱ ንኼገልግል ብዛዕባ ዝገበሮ ውሳነ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓንቲ እተጣዕሰኒ ነገር፡ ኣቐዲመ ዘይምጅማረይ እዩ” በለ።

^ ሕ.ጽ. 20 ናይ 15 ጥቅምቲ 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 23-27 ርአ።