ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ—ማዳጋስካር

ፈትዮም ይመጹ—ማዳጋስካር

ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሲልቭያና ዝስማ ፈላሚት፡ “ተመክሮታት እቶም ዝያዳ ፈለምቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸባቢ ዘገልገሉ ፈተውተይ ምስ ሰማዕኩ፡ ከምኡ ዓይነት ሓጐስ ከስተማቕር ደልየ” ትብል። ኣስዒባ ኸኣ፡ “ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል ግና ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኸይከውን ሰጊአ ነይረ” በለት።

ከምቲ ሲልቭያና እተሰምዓ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ዝያዳ ዓየይቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ኽሊ ኸተገልግል እኳ እንተ ደለኻ፡ ነዚ ሸቶ እዚ ኽትበጽሖ ትኽእል እንተ ዄንካ የተሓሳስበካ ድዩ፧ የተሓሳስበካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብሓገዝ የሆዋ ኣገልግሎቶም ንኸየስፍሑ ዕንቅፋት ንዝዀኖም ነገራት ብዓወት ሰጊሮምዎ እዮም። የሆዋ ንገሊኣቶም ብኸመይ መገዲ ኸም ዝኸፈተሎም ንምርኣይ፡ ካብታ ኣብ ዓለም ብዕቤታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ እትስራዕ ደሴት ዝዀነት ማዳጋስካር እተረኽበ ተመክሮታት ክንርኢ ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብ 11 ሃገራት * ዝመጹ ልዕሊ 70 ዚዀኑ ቐናኣት ኣስፋሕትን ፈለምትን፡ ኣብዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜኽብሩ ብዙሓት ሰባት ዚነብሩሉን ብዙሕ ፍረ ዚርከበሉን ክሊ ኣፍሪቃ ኼገልግሉ እዮም መጺኦም። ብዘይካዚ፡ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ መላእ እቲ ሰፊሕ ክሊ እዛ ደሴት ንምዝርጋሕ ኪሕግዙ ኢሎም ግዒዞም እዮም። እስከ ምስ ገለ ኻባታቶም ንላለ።

ንፍርህን ንተስፋ ምቝራጽን ምስናፉ

ፐሪንን ሉዊስን

ሉዊስን ፐሪንን ዝስሞም ኣብ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሰብ ሓዳር፡ ካብ ፈረንሳ እዮም ናብ ማዳጋስካር ግዒዞም። ንዓመታት ዚኣክል ናብ ወጻኢ ሃገር ግዒዞም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ እኳ እንተ ሓሰቡ፡ ፐሪን ግና ክትግዕዝ ኣፍሪህዋ ነይሩ እዩ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ናብ ዘይንፈልጦ ቦታ ምኻድ ኣፍሪሁኒ ነይሩ። ስድራ ቤትናን ጉባኤናን ቤትናን ኵሉ ዝለመድናዮ ቦታታትን ንጥፈታትን ሓዲግና ምኻድ እውን ኣጨኒቑኒ ነይሩ። ከም ሓቂ፡ ክሰግሮ ዝነበረኒ ዝዓበየ ዕንቅፋት፡ ሻቕሎተይ እዩ ነይሩ።” ብ2012፡ ፐሪን ፍርሃ ኣሰኒፋ ምስ ሉዊስ ብዓል ቤታ ገዓዘት። እሞኸ፡ ብዛዕባ ውሳነኦም ከመይ ይስምዓ፧ ፐሪን፡ “ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትና ኽትዓዪ ኸላ ምርኣይና፡ እምነትና ዘደልደለ ተመክሮ እዩ ነይሩ” ትብል። ሉዊስ ድማ፡ “ኣብ ማዳጋስካር ንፈለማ እዋን በዓል ዝኽሪ ኸነብዕል ከለና፡ ካብቶም መጽናዕቲ እንመርሓሎም ሰባት፡ ዓሰርተ መጺኦም ነይሮም” በለ።

ነዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ጸገማት እናጋጠሞም ክነሶም ኣብ ዕዮኦም ኪቕጽሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ኪጻወሩ ዚሕግዞም ሓይሊ ኺህቦም ንየሆዋ ብጸሎት ለሚኖምዎ እዮም። (ፊል. 4:13) ሉዊስ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “የሆዋ ንጸሎትና መሊስዎን ‘ሰላም ኣምላኽ’ ሂቡናን እዩ። ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ዝነበርና ሓጐስ ከነተኵር እውን ክኢልና ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ፈተውትና፡ ከይንሕለል ዜተባብዓና ኢ-መይላትን ደብዳበታትን ልኢኾምልና እዮም።”—ፊል. 4:6, 7፣ 2 ቈረ. 4:7

የሆዋ ንተጻዋርነት ሉዊስን ፐሪንን ኣብዚሑ ባሪኽዎ እዩ። ሉዊስ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ጥቅምቲ 2014፡ ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ እተገብረ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ * ተኻፊልና ኢና። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኽንካፈል ምኽኣልና፡ የሆዋ ዝሃበና ዘይርሳዕ ውህበት እዩ ነይሩ።” እዞም ሰብ ሓዳር ምስ ተመረቑ፡ ናብ ማዳጋስካር ስለ እተመደቡ፡ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም።

“ብኣኻትኩም ክንኰርዕ ኢና”

ናዲንን ዲድየን

ዲድየን ናዲንን ዝስሞም ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ሰብ ሓዳር፡ ብ2010 ናብ ማዳጋስካር ኪግዕዙ ኸለዉ፡ ኣብ 50ታት ዕድሚኦም እዮም ነይሮም። ዲድየ፡ “ብንእስነትና ፈለምቲ ዄንና ኣገልጊልና ኢና፣ ብድሕርዚ፡ ሰለስተ ቘልዑ ኣዕቢና። ምስ ዓበዩ ኸኣ ናብ ወጻኢ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ንኽእል እንተ ዄንና ኽንሓስብ ጀሚርና” ይብል። ናዲን ድማ ከምዚ ብምባል ትእመን፦ “ካብ ደቅና ምፍላይ ዚብልዎ ሓሳብ ከም ዝዋላወል ገይሩኒ ነይሩ። ንሳቶም ግና፡ ‘ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸተገልግሉ ኢልኩም ናብ ወጻኢ ሃገር እንተ ግዒዝኩም፡ ብኣኻትኩም ክንኰርዕ ኢና’ ኢሎምና። ቃላቶም ድማ ክንግዕዝ ኣተባቢዑና። ሎሚ ኻባታቶም ኣዚና ርሒቕና ንነብር እኳ እንተ ኣለና፡ ብቐጻሊ ኸነዕልሎም ንኽእል ምዃንና የሐጕሰና እዩ።”

ዲድየን ናዲንን ቋንቋ ማላጋሲ ኺምሃሩ ኸለዉ፡ ከቢድዎም ነይሩ እዩ። ናዲን ፍሽኽ እናበለት፡ “ደጊም ደቂ 20 ዓመት ኣይኰንናን” ትብል። ኪዕወቱ ዝኸኣሉ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም፧ ፈለማ፡ ኣብ ጉባኤ ፈረንሳይኛ ኺእከቡ ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ኺምሃሩ እተዳለዉ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም ድማ፡ ናብ ጉባኤ ቛንቋ ማላጋሲ ገዓዙ። ናዲን ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ዕዮ ስብከት እንረኽቦም ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ባህ እዩ ዚብሎም። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ፡ ስለ ዝበጻሕናዮም የመስግኑና እዮም። ኣብ ፈለማ፡ እዚ ሕልሚ ዀይኑ ጥራይ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ሕጂ፡ ኣብዚ ኽሊ እዚ ፈላሚት ኴንካ ምግልጋል ፈትየዮ ኣለኹ። ንግሆ ንግሆ፡ ‘ኣሰይ! ሎሚ ኸኣ ክሰብኽ ክውዕል እየ’ እናበልኩ እየ ኻብ ድቃሰይ ዝትንስእ።”

ዲድየ ፍሽኽ እናበለ ቛንቋ ማላጋሲ ኺምሃር ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ንዘጋጠሞ ነገር የዘንቱ፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ኣኼባ ጉባኤ እመርሕ ነይረ፣ እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚህብዎ ዝነበሩ መልሲ ግና ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ‘አመስግነካ’ ወይ ‘አመስግነኪ’ ጥራይ እየ ዝብሎም ነይረ። ንሓንቲ ሓብቲ ስለቲ መልሳ ምስ ኣመስገንክዋ ግና፡ ብድሕሪኣ ኾፍ ኢሎም ዝነበሩ ኣሕዋት እቲ መልሲ ጌጋ ኸም ዝዀነ ብምልክት ኪሕብሩኒ ጀመሩ። ቀልጢፈ ኸኣ ንኻልእ ሓው ኪምልስ ዕድል ሃብክዎ—ቅኑዕ መልሲ መሊሱ ኪኸውን ተስፋ እገብር።”

ነቲ ዕድመ ተሓጒሳ ተቐበለቶ

ቴሪን ብዓልቲ ቤቱ ናድያን ብ2005 ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ነታ ፐርስዩ ጎልስ ዛት ኦነር ጎድ (ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት ስዓብ) ዘርእስታ ድራማ ረኣይዋ። እዛ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ እትገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማ እዚኣ፡ ልቦም ተንክያን ዝያዳ ዓየይቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ንዝነበሮም ድሌት ኣሐይላቶን እያ። ቴሪ፡ “እታ ድራማ ምስ ተዛዘመት፡ እናኣጣቓዕና ኸለና ናብ ሰበይተይ ቅርብ ኢለ፡ ‘ናበይ ኢና እንኸይድ፧’ ኢለ ሓቲተያ። ሰበይተይ ከኣ ንሳ እውን ከምኡ ኢላ ኽትሓስብ ከም ዝጸንሐት ነጊራትኒ” ይብል። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ሸቶኦም ኪወቕዑ ዜኽእሎም ስጕምትታት ኪወስዱ ጀመሩ። ናድያ፡ “ዝነበረና ዅሉ ኣብ ኣርባዕተ ባልጃታት ጥራይ ዚኣቱ ኽሳዕ ዚኸውን፡ በብቝሩብ ንዅሉ ጥሪትና ነኪናዮ ኢና” ትብል።

ጸጋማይ ጸግዒ፦ ናድያን ማሪን ማደሊንን የማናይ ጸግዒ፦ ቴሪ

ብ2006 ኣብ ማዳጋስካር በጽሑ፣ ካብ ፈለማ ኣትሒዞም ድማ ነቲ ኣገልግሎት ፈተውዎ። ናድያ፡ “በቶም እንረኽቦም ሰባት ብዙሕ ኢና እንሕጐስ” ትብል።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግና እቶም ሰብ ሓዳር በዳሂ ዅነታት ኣጋጠሞም። እታ ማሪን ማደሊን ዝስማ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ዝነበረት ኣደ ናድያ፡ ወዲቓ ኢዳ ተሰብረት፡ ርእሳ እውን ተሃስየት። እዞም ሰብ ሓዳር፡ ምስ ሓኪማ ድሕሪ ምምይያጥ ንኣዲኦም ናብ ማዳጋስካር መጺኣ ምሳታቶም ክትቅመጥ ሓተትዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 80 ዓመት እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ ዕድመ ተሓጒሳ ተቐበለቶ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዛዕባ ምንባር እሞ ኸመይ ተሰምዓ፧ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ሓድሽ ነገራት ምልማድ በዳሂ ይኸውን እዩ። ይኹን እምበር፡ ዓቕመይ ድሩት ክነሱ፡ ኣብ ጉባኤ ጠቓሚ ኣበርክቶ ዘሎኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብዚ ኽነብር ምኽኣለይ ድማ፡ ጓለይን ሰብኣይ ጓለይን ነቲ ብዙሕ ፍረ ዚርከበሉ ኣገልግሎቶም ኪቕጽልዎ ስለ ዜፍቅደሎም፡ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ።”

“ኢድ የሆዋ ርእየ እየ”

ሪን ብቛንቋ ታንድሩይ መደረ የቕርብ

ሪን ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ሓው እዩ። ኣላኦትራ ማንጉሩ ኣብ ዚብሃል ኣብ ምብራቓዊ ማዳጋስካር ዚርከብ ፍርያም ዞባ ኸኣ እዩ ዓብዩ። ኣብ ትምህርቱ ንፉዕ ስለ ዝነበረ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ኺከታተል እዩ ዚደሊ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ግና ሓሳባቱ ቐየረ። ሪን፡ “ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ቀልጢፈ ኽውድእ ጽዒረ። ንየሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣብ መልቀቒ ፈተና እንተ ሓሊፈ፡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል እየ’ ኢለ ቓል ኣትየሉ” ይብል። ሪን ምስ ተመረቐ፡ ቃሉ ሓለወ። ምስ ሓደ ፈላሚ ኪቕመጥን ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ኪሰርሕን ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግልን ከኣ ጀመረ። “ካብ ኵሉ ዝበለጸ ውሳነ እየ ገይረ” ድማ ይብል።

ቤተ ሰብ ሪን ግና ዓለማዊ ሸቶ ዘይሰዓበሉ ምኽንያት ኪርድኦም ኣይከኣለን። ንሱ፡ “ኣቦይን ሓው ኣቦይን ሓብቲ ዓባየይን፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ኽከታተል እዮም ዜተባብዑኒ ነይሮም። ኣነ ግና ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ፈላምነት ከቋርጽ ኣይደለኹን” ይብል። ሪን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግል ደለየ። ድሌት ኬሕድር ዝደረኾ ግና እንታይ እዩ፧ ሪን ከምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ሰረቕቲ ናብ ቤትና ኣትዮም፡ ንብዙሕ ንብረተይ ሰረቕዎ። እዚ ድማ፡ ነቲ የሱስ ‘ኣብ ሰማይ መዛግብቲ’ ብዛዕባ ምእካብ እተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝሓስበሉ ገይሩኒ እዩ። መንፈሳዊ ሃብቲ ምእንቲ ኽድልብ ኣበርቲዐ ኽዓዪ ድማ ወሲነ።” (ማቴ. 6:19, 20) ሪን ካብቲ ዚነብረሉ ዝነበረ ቦታ 1,300 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ እታ ሃገር ናብ ዚርከብ ብደርቂ እተጠቕዐ ዞባ ገዓዘ። እዚ ዞባ እዚ፡ ኣንታንድሩይ ዚብሃሉ ህዝቢ ዚነብሩሉ ቦታ እዩ። ናብኡ ዝኸደ ግና ስለምንታይ እዩ፧

ካብቲ ስርቂ ዘጋጠመሉ ግዜ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ፡ ሪን ምስ ክልተ ኣንታንድሩይ ዝዓሌቶም ሰብኡት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሩ ነበረ። ብቛንቋኦም እተወሰነ መግለጺታት ፈሊጡን ብዛዕባ እቶም ገና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይበጽሖም ኣንታንድሩይ ዝዓሌቶም ብዙሓት ሰባት ይሓስብን እውን ነይሩ እዩ። “ቋንቋ ታንድሩይ ናብ ዚዝረበሉ ዞባ ንምግዓዝ ምእንቲ ኺሕግዘኒ፡ ናብ የሆዋ ጸልየ እየ” ድማ ይብል።

ሪን ገዓዘ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ዕንቅፋት ኣጋጠሞ። ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን። ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ “እንታይ ክትገብር ናብዚ መጺእካ፧ ኣብዚ ዚነብሩ ሰባት፡ ስራሕ ኪረኽቡ ኢሎም ናብቲ ዝመጻእካሉ ዓዲ እዮም ዚኸዱ” በሎ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም እትብሃል እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ኣኼባ ዞባ ምእንቲ ኺእከብ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ። እንታይ ከም ዚገብር ድማ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ግና፡ ሓደ ሓው ናብ ጁባ ሪን ገለ ነገር ኣእተወ። እዚ ድማ ናብ ዞባ ኣንታንድሩይ ኪምለስን ርግኦ እናሸጠ ዚናበረሉ ንእሽቶ ንግዲ ኪኸፍትን ዜኽእሎ ገንዘብ እዩ ነይሩ። ሪን፡ “ኣብ እዋኑ፡ ኢድ የሆዋ ርእየ እየ። ሕጂ፡ ነቶም ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ኣጋጣሚ ረኺቦም ዘይፈልጡ ሰባት ክሕግዞም እኽእል እየ” ይብል። ኣብ ጉባኤ እውን ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ነይሩ እዩ። ሪን ቀጺሉ፡ “ኣብ ከክልተ ሰሙን ህዝባዊ መደረ ከቕርብ ተመዲበ ነይረ። የሆዋ ብውድቡ ገይሩ የሰልጥነኒ እዩ ነይሩ” በለ። ሪን ክሳዕ ሎሚ ነቶም ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ዚደልዩ ተዛረብቲ ቛንቋ ታንድሩይ ዝዀኑ ሰባት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ የካፍሎም ኣሎ።

ብኣምላኽ ሓቂ ተባሪኻ

የሆዋ፡ “ኣብ ምድሪ ንርእሱ በረኸት ዚደሊ ዘበለ፡ ብኣምላኽ ሓቂ ኺባረኽ” ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ኢሳ. 65:16) ኣገልግሎትና ኸይነስፍሕ ዕንቅፋት ንዚዀነና ነገራት ክንሰግሮ ኣበርቲዕና ንጽዕር እንተ ዄንና፡ በረኸት የሆዋ ኽንረክብ ኢና። ብዛዕባ እታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰት፡ ኣብ ማዳጋስካር እትነብር ሲልቭያና እሞ ሕሰብ። ዝያዳ ፈለምቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኸይከውን ሰጊኣ ኸም ዝነበረት ዘክር። ከምኡ እተሰምዓ ስለምንታይ እዩ፧ ሲልቭያና፡ “ጸጋመይቲ እግረይ ካብ የማነይቲ እግረይ ብ9 ሰንቲ ሜተር ዝሓጸረት ስለ ዝዀነት፡ ሕንክስ እናበልኩ እየ ዝኸይድ። በዚ ኸኣ ቀልጢፈ እየ ዝደክም” ትብል።

ሲልቭያናን (ጸጋም) ሲልቪ ኣንን (የማን) ምስ ዶራቲን፡ ኣብ መዓልቲ ጥምቀታ

ይኹን እምበር፡ ብ2014 ሲልቭያና ኣብ ጉባኤኣ ምስ ዝነበረት ሲልቪ ኣን ዝስማ ፈላሚት ኰይና፡ ካብቲ ዚነብራሉ ኸተማ 85 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት ገዓዘት። ሲልቭያና ብዙሕ ዕንቅፋት እኳ እንተ ኣጋጠማ፡ ኣብ መወዳእታኡስ ትምኒታ ሰሚሩላ እዩ፣ ባህ ዜብል በረኸት እውን ረኺባ እያ። “ኣብዚ ሓድሽ ምድበይ ንሓደ ዓመት ጥራይ ምስ ኣገልገልኩ፡ እታ ዶራቲን ዝስማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩላ መንእሰይ ኣደ ኣብ ኣኼባ ወረዳና ተጠሚቓ” ብምባል ድማ ተዘንቱ።

‘ክረድኣካ እየ’

እዞም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን እተዛረብዎ ብዛዕባ እምነቶም ዚገልጽ ርእይቶታት ከም ዜርእዮ፡ ኣገልግሎትና ኸይነስፍሕ ዕንቅፋት ንዚዀነና ነገራት ክንሰግሮ እንተ ጽዒርና፡ ንሓቅነት እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘተስፈዎ፡ ‘ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ እየ’ ዚብል ተስፋ ኣብ ህይወትና ኽንርእዮ ኢና። (ኢሳ. 41:10) ከም ውጽኢቱ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪድልድል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብቲ እንነብረሉ ኸባቢ ዀነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ፈቲና ምግልጋልና፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዚህልወና ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት የዳልወና እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዲድየ ኸም ዝበሎ፡ “ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል፡ ንመጻኢ ጽቡቕ ስልጠና እዩ።” ብፍታዎም ዚዓይዩ ብዙሓት ዓየይቲ፡ ነዚ ስልጠና እዚ ኻብ ሕጂ ኣትሒዞም ዚጅምርዎ ይግበሮም!

^ ሕ.ጽ. 4 እዞም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልየሉ ቦታታት ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ካብ ላክሰምበርግን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ሪፓብሊክ ቸክን ስዊዘርላንድን ሽወደንን ኒው ካልዶንያን ካናዳን ዩናይትድ ኪንግደምን ጀርመንን ጓደሉፕን ፈረንሳን ዝመጹ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 8 እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሕጂ ብቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተተኪኡ እዩ። ነቲ ብቕዓታት ዜማልኡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜገልግሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ኣብቲ እተወልዱሉ ሃገር ወይ እቲ ቤት ትምህርቲ ብቛንቋ ኣዲኦም ኣብ ዚካየደሉ ኻልእ ሃገር፡ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኺካፈሉ ኺሓትቱ ይኽእሉ እዮም።