ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ—ምዕራብ ኣፍሪቃ

ፈትዮም ይመጹ—ምዕራብ ኣፍሪቃ

ኣብ ኮት ዲቭዋር ብድኽነት ዚነብር ዝነበረ ፓስካል፡ ዝሓሸ ናብራ ንኺነብር ሃረር ይብል ነበረ። ኣብ መኸተ ጕስጢ እናተወዳደረ ኸሎ፡ ‘ኰዀብ ስፖርተኛ ዀይነ፡ ዝህብትመሉ ኣጋጣሚ ኣበይ እየ ኽረክብ ዝኽእል፧’ ኢሉ ይሓስብ ነበረ። ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሚኡ ምስ በጽሐ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ኺረኽቦ ኸም ዚኽእል ሓሰበ። ሰነዳት መገሻ ስለ ዘይነበሮ ግና፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኤውሮጳ ኪኸይድ መደበ።

ብ1998 ወዲ 27 ዓመት ምስ ኰነ፡ ጕዕዞኡ ጀመረ። ዶብ ሰጊሩ ናብ ጋና ኸደ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብቶጎ ኣቢሉ ናብ በኒን ኣተወ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ኒዠር ኣብ እትርከብ ከተማ ቢርኒ ንኮኒ በጽሐ። ድሕርዚ፡ ዝያዳ ሓደገኛ ጕዕዞ ንኺጅምር ተዳልዩ ነበረ። ናብ ሰሜን ንኺጐዓዝ፡ ብናይ ጽዕነት ማኪና ገይሩ ብምድረ በዳ ሰሃራ ኺሓልፍ ናይ ግድን እዩ ነይሩ። መዲተራነያን ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብመርከብ ናብ ኤውሮጳ ኺጓዓዝ እዩ መደቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኒዠር ብዘጋጠሞ ኽልተ ነገራት፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይገበረን።

ቀዳማይ፡ ገንዘብ ወድአ። ካልኣይ፡ ኖኣ ዝስሙ ፈላሚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሉ ጀመረ። ፓስካል፡ እቲ እተመሃሮ ልቡ ስለ ዝተንከፎ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ርእይቶ ቐየረ። ስጋዊ ሸቶታቱ ብመንፈሳዊ ሸቶታት ተቐየረ። ኣብ ታሕሳስ 1999 ድማ ተጠምቀ። ንየሆዋ ሞሳኡ ንኺገልጸሉ ኢሉ ኸኣ፡ ብ2001 ኣብ ኒዠር፡ እሞ ኸኣ ኣብታ ሓቂ ዝፈለጠላ ኸተማ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ብዛዕባ ኣገልግሎቱኸ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧ “ዝበለጸ ህይወት እየ ዝነበር ዘለኹ” በለ።

ዝያዳ ሓጐስን ዕግበትን—ኣብ ኣፍሪቃ

ኣና-ራኬል

ሓያሎ ኻልኦት እውን ልክዕ ከም ፓስካል፡ ዝያዳ ሓጐስን ዕግበትን ዚርከብ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ብምስዓብ ምዃኑ ተመኪሮምዎ እዮም። ገሊኣቶም ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ግዒዞም እዮም። ካብ 17 ኽሳዕ 70 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ፡ ብገምጋም 65 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ኤውሮጳ ናብተን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዚርከባ በኒንን ቡርኪና ፋሶን ኒዠርን ቶጎን ግዒዞም እዮም። * ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ለውጢ ንኺገብሩ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኺቦም፧

ኣብ ዴንማርክ እትነብር ኣና-ራኬል፡ “ወለደይ ኣብ ሰኔጋል ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ብዛዕባ ናብራ ሚስዮናውያን ወትሩ ብውዕዉዕ መንፈስ ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣነ እውን ሚስዮናዊት ኰይነ ኸገልግል ደለኹ” በለት። ኣስታት 15 ዓመት ይገብር፡ ኣና-ራኬል ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኣ ምስ በጽሐት፡ ናብ ቶጎ ገዓዘት፡ ኣብኡ ድማ ቋንቋ ምልክት ኣብ ዚዝረበላ ጉባኤ ተገልግል ኣላ። ናብ ቶጎ ብምግዓዛ፡ ካልኦት ብኸመይ ተተባቢዖም፧ ኣና-ራኬል፡ “ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ምንኣሰይ ሓብተይን ሓወይን እውን ናብ ቶጎ መጹ” በለት።

ኣልበርት-ፈየትን ኦሬልን

ኦሬል ዝስሙ ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ወዲ 70 ዓመት ዝዀነ ብዓል ሓዳር፡ “ሓሙሽተ ዓመት ይገብር፡ ጥሮታ ምስ ወጻእኩ፡ ገነት ክሳዕ እትመጽእ እናተጸበኹ፡ ኣብ ፈረንሳ ብቕሳነት ክነብር ወይ ከኣ ኣገልግሎተይ ዘስፍሓሉ ስጕምትታት ክወስድ ምርጫ ቐሪቡለይ ነይሩ እዩ” ብምባል ይገልጽ። ኣገልግሎቱ ዜስፍሓሉ ስጕምቲ ድማ ወሰደ። ሰለስተ ዓመት ይገብር ከኣ ንሱን እታ ኣልበርት-ፈየት ዝስማ ሰበይቱን ናብ በኒን ገዓዙ። ኦሬል፡ “ኣብዚ መጺእና ንየሆዋ ኸነገልግል ዝገበርናዮ ውሳነ፡ ብሉጽ ውሳነ እዩ” በለ። ኣስዒቡ እውን ፍሽኽ እናበለ፡ “እቲ ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ዚርከብ ክፋል ክልና፡ ብዛዕባ ገነት እዩ ዜዘኻኽረኒ” በለ።

ክሎዶሚርን ሊስያን ሰበይቱን፡ 16 ዓመት ይገብር ካብ ፈረንሳ ናብ በኒን ገዓዙ። ኣብ መጀመርታ ነቶም ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ናፈቕዎም። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሓድሽ ናብራ ኺለምድዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ዝፈርህዎ ኣይኰነን ነይሩ። ከመይሲ፡ ተሓጒሶም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ክሎዶሚር፡ “ኣብዚ 16 ዓመት እዚ፡ ብገምጋም ኣብ ዓመት ንሓደ ሰብ ሓቂ ንኺፈልጥ ክንሕግዞ ብምኽኣልና፡ ፍሉይ መሰል ኢና ረኺብና” በለ።

ክሎዶሚርን ሊስያን ሓቂ ንኺፈልጡ ዝሓገዝዎም ሰባትን

ሴባስትያንን ዦሃናን

ደቂ ፈረንሳ ዝዀኑ ሴባስትያንን ዦሃናን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ብ2010 ናብ በኒን ገዓዙ። ሴባስትያን፡ “ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ኣብዚ ምግልጋል፡ ኣብ ሓደ ቐጻሊ ቲኦክራሲያዊ ስልጠና ዚውሃበሉ ትምህርቲ ኸም ዝኣተኻ እዩ ዚቝጸር” በለ። ኣብ ኣገልግሎትከ እንታይ ምላሽ ይረኽቡ ኣለዉ፧ ዦሃና፡ “ሰባት ጽምኢ ሓቂ ኣለዎም። ክንሰብኽ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ሰባት ኣብ መገዲ ደው ኣቢሎም ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትና ኽንህቦምን ይሓትቱና” በለት። ናብታ ሃገር ምግዓዞም ኣብ ሓዳሮም እንታይ ጽልዋ ገይሩሎም፧ ሴባስትያን፡ “ንሓዳርና ኸም ዚድልድል ገይርዎ። ምስ ሰበይተይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ከሕልፎ ኸለኹ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ” በለ።

ኤሪክን ካቲ ሰበይቱን፡ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዘይነብረሉ ሰሜናዊ ኽፋል በኒን ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ዓሰርተ ዓመት ይገብር፡ ኣብ ፈረንሳ ኺነብሩ ኸለዉ፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ብዛዕባ ምግልጋል ዚገልጽ ዓንቀጻት ኬንብቡን ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኼዘራርብዎምን ጀሚሮም ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ባህጊ ስለ ዘሕደረሎም፡ ብ2005 ናብቲ ቦታ ኸዱ። እቲ ዝረኣይዎ ዕቤት ዚምስጥ እዩ። ኤሪክ፡ “ክልተ ዓመት ይገብር እታ ኣብ ከተማ ታንጌታ እትርከብ ጕጅለና፡ 9 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮምዋ፡ ሕጂ ግና 30 ኣስፋሕቲ ኣለና። ሰንበት፡ ካብ 50 ኽሳዕ 80 ዝዀኑ ተኣከብቲ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ምርኣይሲ ኣየ ኽንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!”

ካቲን ኤሪክን

ንጸገማት ምልላዩን ምስጋሩን

ቤንያሚን

እቶም ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧ ወዲ 33 ዓመት ዝዀነ ቤንያሚን፡ ሓው ኣና-ራኬል እዩ። ንሱ ብዓመተ 2000፡ ኣብ ዴንማርክ፡ ምስ ሓደ ኣብ ቶጎ ዜገልግል ሚስዮናዊ ተራኺቡ ነይሩ እዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ነቲ ሚስዮናዊ፡ ፈላሚ ክኸውን ከም ዝደሊ ምስ ነገርክዎ፡ ‘ኣብ ቶጎ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ’ ኢሉኒ።” ቤንያሚን ነቲ ጕዳይ ሓሰበሉ። “ሽዑ 20 ዓመት እኳ እንተ ዘይመላእኩ፡ እተን ክልተ ኣሓተይ፡ ኣብ ቶጎ የገልግላ ስለ ዝነበራ፡ ኣብኡ ኸይደ ኸገልግል ኣይከበደንን” ከኣ በለ። ስለዚ፡ ናብታ ሃገር ከደ። ግናኸ፡ ሓደ ጸገም ነበሮ። ቤንያሚን፡ “ሓንቲ ቓል ፈረንሳይኛ እውን ትኹን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ክረዳዳእ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከበድቲ እየን ነይረን” በለ። ድሕሪ ግዜ ግና ዕቤት ገበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቤኒን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል፡ ጽሑፋት ብምብጽጻሕን ኣብ ክፍሊ ኮምፕዩተር ብምሕጋዝን የገልግል ኣሎ።

ማሪ-ኣንየስን ሚሸልን

እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ኤሪክን ካቲን፡ ናብ በኒን ቅድሚ ምግዓዞም ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ክሊ ቛንቋ ወጻኢ የገልግሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምግልጋሎም እተፈልየ ዝዀነ ግና ብኸመይ እዩ፧ ካቲ፡ “ምሹእ መንበሪ ኽትረክብ ቀሊል ኣይነበረን። ንኣዋርሕ ዚኣክል፡ ኤሌክትሪክን ማይ ቡምባን ኣብ ዘይነበሮ ገዛ ኢና እንነብር ኔርና” በለት። ኤሪክ ድማ ኣስዒቡ፡ “ኣብቲ ጐረባብቲ ዓው ዝበለ ሙዚቃ ኽሳዕ ለይቲ ተወሊዑ እዩ ዚሓድር ነይሩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክትዕገሶን ንኽትለምዶ ኸኣ ፍቓደኛ ኽትከውንን ኣሎካ” በለ። ክልቲኦም፡ ብዙሕ ኣብ ዘይተሰብከሉ ኽሊ ብምግልጋል እትረኽቦ ሓጐስ፡ ንዝዀነ ይኹን ጸገማት ከም ዜረስዓካ ገለጹ።

ኣብ 50ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሚሸልን ማሪ-ኣንየስን እተባህሉ ደቂ ፈረንሳ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ናብ በኒን ገዓዙ። መጀመርታ ተጨኒቖም እዮም ነይሮም። ሚሸል፡ “ገሊኣቶም ነቲ ዝገብርናዮ ጕዕዞ፡ ኣብ ቀጢን ገመድ እናኸደ ዓረብያ ምስ ዚደፍእ ሰብ ኣመሳሲሎምዎ እዮም። ኣብቲ ዓረብያ ዝደየብና ድማ ንሕና ኢና። እቲ ነታ ዓረብያ ዚደፍኣ የሆዋ ምዃኑ እንተ ዘይንፈልጥ ኔርና ግና ምረዓድና። ስለዚ፡ ምእንቲ የሆዋ ኢልናን ምስኡ ዄንናን ተጓዓዝና” በለ።

ብኸመይ ከም እትዳሎ

እቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ፡ ነዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ብምውሳድ ክትዳሎ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሑ፦ ኣቐዲምካ መደብ ኣውጽእ። ከከም ኵነታቱ ምትዕርራይ ግበር። ገንዘብ ኣይተባኽን። ኣብ የሆዋ ተወከል።—ሉቃስ 14:28-30

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሴባስትያን፡ “ኣነን ዦሃናን ቅድሚ ምግዓዝና ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ንመዘናግዒ እነውጽኦ ወጻኢታትና ብምንካይን ዘየድሊ ነገራት ብዘይምዕዳግን ገንዘብ ኣዋህለልና” በለ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ብቐጻሊ ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ኣብ ዓዓመት ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኤውሮጳ ይሰርሑ እዮም። ኣብቲ ኻልእ ኣዋርሕ ድማ ኣብ በኒን ፈለምቲ ዀይኖም ይዓይዩ።

ማሪ-ተሬዝ

ማሪ-ተሬዝ ሓንቲ ኻብተን ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንኼገልግላ ዝገዓዛ፡ ብገምጋም 20 ዝዀና ንጽል ኣሓት እያ። ንሳ ኣብ ፈረንሳ መራሒት ኣውቶቡስ ኰይና እያ እትዓዪ ነይራ፣ ብ2006 ግና ንሓደ ዓመት ፈላሚት ኰይና ንኸተገልግል ናብ ኒዠር ገዓዘት። ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ እዚ ብሓቂ እትምነዮ ዝነበረት ናብራ ምዃኑ ተገንዘበት። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “ናብ ፈረንሳ ምስ ተመለስኩ፡ ንኣስራሒየይ መደባት ስራሐይ ከተዓራሪ ኸም ዝደሊ ነጊረዮ፣ ኣስራሒየይ ድማ ኪቕይረለይ ፍቓደኛ ዀይኑ። ስለዚ ድማ፡ ካብ ግንቦት ክሳዕ ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ መራሒት ኣውቶቡስ ኰይነ እዓዪ፡ ካብ መስከረም ክሳዕ ሚያዝያ ድማ ኣብ ኒዠር ፈላሚት ኰይነ አገልግል” በለት።

ሳፊራ

እቶም “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ” ዚደልዩ ሰባት፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዚህቦም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 6:33) ንኣብነት፡ ነቲ ሳፊራ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ሳፊራ ኣብ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኣብ በኒን ፈላሚት ኰይና እተገልግል ዘላ ጓል ፈረንሳ እያ። ብ2011፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንሻድሻይ ዓመታ ርእሳ ኽኢላ ምእንቲ ኸተገልግል፡ ገንዘብ ንኽትረክብ ናብ ፈረንሳ ተመልሰት። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “እዋኑ ዓርቢ፡ ስራሕ ዜብቅዓሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ ነቲ ዚቕጽል ዓመት ዚኸውን እኹል ገንዘብ ምእንቲ ኽረክብ፡ ብተወሳኺ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ኽሰርሕ ኣድልዩኒ ነይሩ። ኣብ ፈረንሳ ድማ ክልተ ሰሙን ጥራይ እየ ኽጸንሕ ዝኽእል ነይረ። ንየሆዋ፡ ኵነታተይ ጠቒሰ ብጸሎት ነገርክዎ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ሓደ ትካል ስልኪ ተደዊሉ፡ ንሓንቲ ሰብ ንኽልተ ወርሒ ኽትክኣ ዝኽእል እንተ ዀይነ፡ ሕቶ ቐረበለይ።” ሳፊራ፡ በታ እትትክኣ ሰራሕተኛ ስልጠና ንኺውሃባ፡ ሰኑይ ናብቲ ቦታ ኸደት። ኣስዒባ እውን፡ “እታ እተተክአት ሰራሕተኛ፡ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ምእንቲ ኽትካፈል፡ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ዕረፍቲ ዜድልያ ዝነበረት ክርስትያን ሓብቲ ምዃና ምስ ፈለጥኩ፡ ደንጽዩኒ እዩ። ሓለቓኣ፡ መተካእታ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ዕረፍቲ ኽትወጽእ ኸም ዘይፈቕደላ ነጊርዋ ነይሩ እዩ። ንሳ እውን ከማይ፡ ንየሆዋ፡ ኢዱ ኼእቱ ለሚናቶ ነይራ እያ” ብምባል ገለጸት።

ምንጪ ናይ ሓቂ ዕግበት

ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንሓያሎ ዓመታት ኣገልጊሎም እዮም፣ ኣብኡ ንኺነብሩ ድማ ወሲኖም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ንሒደት ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሎም ናብ ዓዶም ተመሊሶም እዮም። ግናኸ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ዘገልገሉ ኣስፋሕቲ፡ ካብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘገልገሉሉ ዓመታት ይጥቀሙ ኣለዉ። ናይ ሓቂ ዕግበት ኪርከብ ዚኽእል፡ ንየሆዋ ብምግልጋል ምዃኑ ተማሂሮም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 6 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር በኒን፡ ኣብተን ፈረንሳይኛ ዚዝረበለን ኣርባዕተ ሃገራት ንዘሎ ዕዮ ብሓላፍነት ይቈጻጸሮ።