ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ውሉድካ ብዛዕባ ሞት ኪሓትት ከሎ

ውሉድካ ብዛዕባ ሞት ኪሓትት ከሎ

ጸገም

እቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወድኻ፡ “ንስኻ እውን ሓደ መዓልቲ ኽትመውት ዲኻ፧” ኢሉ ሓቲቱካ ንበል። ንስኻ ድማ፡ እቲ ሕቶኡ ስለ ዘሰምበደካ፡ ‘ወደይ ነቲ ዝህቦ መልሲ ኣብ ዚርድኣሉ ዕድመ በጺሑ ድዩ፧ ከመይ ገይረ እየኸ ብዛዕባ ሞት ከዘራርቦ ዝኽእል፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር። *

ክትፈልጦ ዘሎካ

ቈልዑ ብዛዕባ ሞት ይሓስቡ እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ገይሮም ብምሕሳብ ይጻወቱ እዮም። ስለዚ፡ ሞት ከም ሓደ ነውሪ ዝዀነ ርእሰ ነገር ጌርካ ኺርአ የብሉን፣ ውሉድካ ብዛዕባ ሞት ንዚሓትተካ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ድማ ክትቅበሎ ኣሎካ። ምስ ውሉድካ ሓሓሊፍካ ብዛዕባ ሞት ብጋህዲ ትዘራረብ እንተ ዄንካ፡ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ኬጋጥም ከሎ፡ ውሉድካ ነቲ ሓዘን ብኸመይ ከም ዚዋጽኣሉ ኺፈልጥ እዩ።

ብዛዕባ ሞት ምዝርራብ፡ ንውሉድካ ብኽቱር ፍርሂ ኸም ዚውሓጥ ኣይገብሮን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ፍርሂ ኺሰትሮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ሞት ኪህልዎ ንዚኽእል ግጉይ ኣረኣእያ ኽትእርሞ ኣሎካ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ፡ ንሞት ከም መወዳእታ ህይወት ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ከመይሲ፡ ኪጻወቱ ኸለዉ፡ እቲ ምሳታቶም ዚጻወት ቈልዓ፡ ሓንሳእ “ኺመውት፡” ሓንሳእ ከኣ “ኪትንስእ” ከሎ ይርእይዎ እዮም።

ይኹን እምበር፡ እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ንርዝነት ሞት ኪርድእዎ ይጅምሩ፣ ብፍላይ እሞ ኸኣ ዜፍቅርዎ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ ሕቶ ኸም ዚሓትቱ፡ ከም ዚጭነቑ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከም ዚፈርሁ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምስ ውሉድካ ብዛዕባ ሞት ምዝርራብካ ኣገዳሲ እዩ። ክኢላ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝዀነት ማሪዮን ኣዛ፡ “ሓደ ቘልዓ፡ ኣብ ቤቱ ብዛዕባ ሞት ኪዛረብ ዘይፍቀደሉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ምስ ሞት ዚተሓሓዝ ጭንቀት ኬማዕብል ይኽእል እዩ” በለት።

ንውሉድካ እንታይ ከም እትብሎ ብዙሕ ኣይትጨነቕ። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ቈልዑ፡ “እቲ ሓቂ ብለውሃት ኪንገሮም” እዮም ዚደልዩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ቘልዓ መብዛሕትኡ እዋን፡ መልሲ ብዛዕባ ዘይደልየሉ ጕዳይ ኣይሓትትን እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ነቲ ብዛዕባ ሞት ንኽትዛረብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። ውሉድካ ዝሞተት ዑፍ ኣብ ወሰን ጽርግያ እንተ ርእዩ ወይ ዚፈትዎ እንስሳኡ እንተ ሞይቱ፡ ቀሊል ሕቶታት ብምጥቃም ንኼዘራርበካ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ “ዝሞተ እንስሳ ይሳቐዶ፧ ይቘርር ወይ ይጠሚ ድዩ፧ ሓደ እንስሳ ወይ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ብኸመይ ትፈልጥ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 3:1, 7

ነቲ ሓቂ ኣይትሕብኣዮ። መሳርሕትኻ ወይ ዘመድካ እንተ ሞይቱ፡ ነቲ ዅነታት ንኸተፋዅሶ ኢልካ፡ “ዓዲ ዅልና ኸይዱ” ዚብል ዜደናግር ሓሳባት ኣይትጠቐም። ከመይሲ፡ ውሉድካ፡ እቲ መዋቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ካብቲ ዝኸዶ ዚምለስ ኪመስሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ቀሊልን ቀጥታውን ቃላት ተጠቐም። ንኣብነት፡ “ዓባየይ ስለ ዝሞተት፡ ኣካላታ ዋላ ሓንቲ ኣይዓዪን እዩ። ክንዛረባ ኣይንኽእልን ኢና፣ ፈጺምና ግና ኣይንርስዓን ኢና” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌሶን 4:25

ቈልዑ ንሞት ከም ተላጋቢ ሕማም ገይሮም ኪርእይዎ ስለ ዚኽእሉ፡ ጕድኣት ከም ዘየጋጥሞ ንውሉድካ ኣረጋግጸሉ

ንውሉድካ፡ በቲ ዘጋጠመ ሞት ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ኣረጋግጸሉ። ውሉድካ፡ ገለ ዝገበሮ ነገር ወይ ገለ ዝሓሰቦ ሓሳብ፡ ካልእ ሰብ ከም ዚመውት ከም ዝገበረ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትነግሮ፡ “በቲ ሞት ተሓታቲ ኸም ዝዀንካ ጌርካ ዝሓሰብካ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኪምልሰልካ ኸሎ፡ ንስምዒቱ ብዘይምንእኣስ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ብዘይካዚ፡ ቈልዑ ንሞት ከም ተላጋቢ ሕማም ገይሮም ኪርእይዎ ስለ ዚኽእሉ፡ ጕድኣት ከም ዘየጋጥሞ ንውሉድካ ኣረጋግጸሉ።

ውሉድካ ሓሳቡ ንኺገልጽ ኣተባብዓዮ። ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ እተፍቅሮም ሰባት፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ውሉድካ ዘይፈልጦም ኣዝማድካ ብጋህዲ ተዛረብ። ብዛዕባ ኣሞኻ፡ ሓትኖኻ፡ ሓወቦኻ፡ ኣኮኻ፡ እኖሓጎኻ፡ ወይ ኣቦሓጎኻ ትዝ ዚብለካ ነገራትን ዜገርም ታሪኽን ንገሮ። ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ብጋህዲ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ውሉድካ እውን ብዛዕባኦም ኪዛረብ ወይ ኪሓስብ ከም ዚኽእል ኪርዳእ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ውሉድካ ንኺዛረብ ኣይተገድዶ። ኣብ ካልእ ግቡእ እዋን ነቲ ጕዳይ ከተልዕለሉ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 20:5

ምዕራፍ 34ን 35ን እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ውሉድካ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ብዚምልከት ዚምህሮ ትምህርቲ ምእንቲ ኺፈልጥ ኪሕግዛኦ ይኽእላ እየን። ብናጻ ኸተራግፋ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ

^ ነቲ ውሉድ ብወዲ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና፡ ንጓል እውን ዚምልከት እዩ።