ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ፍጥረት

ፍጥረት

ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዚብልዎ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ኣብ ዘለወን ሽዱሽተ መዓልቲ ድዩ ፈጢርዋ፧

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።”—ዘፍጥረት 1:1

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንብምሉኡ ዩኒቨርስ፡ እንተላይ ንምድሪ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ማለት ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:1 ተሓቢሩ ዘሎ፡ “ብመጀመርታ” እዩ ፈጢርዎ። ዘመናዊ ስነ ፍልጠት እውን እንተ ዀነ፡ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ይሰማምዓሉ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዩኒቨርስ ኣስታት 14 ቢልዮን ዓመት ከም ዝገበረ ገሊጾም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ እተን ሽዱሽተ “መዓልቲ” ፍጥረት ይገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ እተን መዓልትታት፡ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን መዓልታት ከም ዝዀና ኣይገልጽን እዩ። (ዘፍጥረት 1:31) ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መዓልቲ” እትብል ቃል፡ ንእተፈላለየ ንውሓት ግዜ ንምግላጽ ይጥቀመላ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠረሉ እዋን ብምሉኡ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዘፍጥረት 2:4) ብንጹር እምበኣር፡ እተን ‘መዓልትታት’ ፍጥረት፡ ንሓያሎ ኣሽሓት ዓመታት እየን ዜመልክታ።—መዝሙር 90:4

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቶም ኣምላኽ ንምድሪ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ኣብ ዘለወን ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም ዝፈጠራ ዚዛረቡ ሰባት ዚነዝሕዎ ሓሶት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ከም እትነጽጎ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንፍጥረት ብዚምልከት ቅኑዕ ጸብጻብ ዝሓዘ ምዃኑ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ኣብኡ እተኸዘነ ግብራዊ “ጥበብ” ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 3:21

ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ብፍልቀት ተጠቒሙ ድዩ ፈጢርዎ፧

“ኣምላኽ ድማ፡ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ . . . ተውጽእ፡ በለ።”—ዘፍጥረት 1:24

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ብቐሊል መገዲ ንእሽቶ ህያው ነገር ብምፍጣር፡ ብፍልቀት ኣቢሉ ናብ እተሓላለኸ ደረጃ ኸም ዚበጽሕ ኣይገበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መሰረታዊ ‘ዓይነት’ ኣትክልትን እንስሳታትን እዩ ፈጢሩ፣ ድሕሪኡ፡ እቶም ኣትክልትን እንስሳታትን ‘ከከም ዓይነቶም’ ኪባዝሑ ጀሚሮም። (ዘፍጥረት 1:11, 21, 24) እዚ ኽሳዕ ግዜና እውን ዚቕጽል ዘሎ መስርሕ እዚ፡ ምድሪ በቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ዝፈጠሮ ‘ዓይነት’ ህይወት ከም እትምላእ ገይሩ እዩ።—መዝሙር 89:11

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓይነት ህይወት፡ ብምድቓልን ምስቲ ዚነብረሉ ኣከባቢ ተሰማሚዑ ንኺነብር ብዚገብሮ ጻዕርን ብዛዕባ ዚፍጠር ለውጢ ኣይገልጽን እዩ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ኸም ፍልቀት ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓድሽ ዓይነት ህይወት ከም ዚፍጠር ግና ኣይገብርን እዩ። ዘመናዊ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን፡ እቶም መሰረታውያን ኣትክልትን እንስሳታትን ብዙሕ ለውጢ ኣይገበሩን።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መሰረታውያን ‘ዓይነት’ ህይወት ብዚተሓሓዝ ዚገልጾ ሓሳብ፡ ብዓይኒ ስነ ፍልጠት ኪርአ ኸሎ ልክዕ ምዃኑ፡ ኣብ ከም ታሪኽን ትንቢትን ዝኣመሰለ ጕዳያት እውን ክንኣምኖ ኸም እንኽእል እዩ ዜርኢ።

እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ንጥረ ነገር ካበይ እዩ መጺኡ፧

“ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን።”—ኢሳይያስ 45:12

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ምንጪ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ወይ ጸዓት እዩ። (እዮብ 37:23) እዚ ኸኣ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ጸዓት ናብ ነገር ኪቕየር ከም ዚኽእል ፈሊጦም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ምንጪ እቲ ንዩኒቨርስ ዝገበረ ‘ሓይሊ’ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 40:26ትርጕም 1990) ኣምላኽ ንሓይሉ ተጠቒሙ ንፍጥረቱ ኸም ዚዕቅቦ ተመባጺዑ እዩ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ኪገልጽ ከሎ፡ “[ኣምላኽ] ንዘለኣለመ ኣለም ኣቘሞም” ይብል እዩ።—መዝሙር 148:3-6

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ እዋን፡ ኣለን ሳንዴጅ ዝስሙ ተመራማሪ ስነ ኰዀብ፡ “ስነ ፍልጠት ንኸቢድ ሕቶታት ኪምልሶ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ነገር ስለምንታይ ከም ዝመጸ ኽትሓትት እንተ ጀሚርካ፡ እቲ ጕዳይ ንስነ ፍልጠት ልዕሊ ዓቕሙ እዩ ዚዀኖ” ኢሉ ነይሩ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንፍጥረት ዚገልጸሉ መገዲ ምስ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ስነ ፍልጠት ኪምልሶ ዘይክእል፡ ከም ‘ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶታት እውን ይምልሶ እዩ። a

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ።