ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ኤልዳር ኔቦልሲን

ሓደ ህቡብ ወቓዕ ፕያኖ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ህቡብ ወቓዕ ፕያኖ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ኣብ ዩዝበኪስታን ዚነብር ኤልዳር ኔቦሲን እተባህለ ሰብ ብደረጃ ኣህጕር ክኢላ ወቓዕ ፕያኖ ኸም ዝዀነ ተመስኪሩሉ እዩ። ምስ ኦርኬስትራ ዀይኑ ኣብ ለንደን፡ ሞስኮ፡ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ኒው ዮርክ፡ ፓሪስ፡ ሮማ፡ ሲድኒ፡ ቶክዮ፡ ከምኡውን ኣብ ቭየና ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ሕብረት ሶቭየት፡ ኢዘሀራዊ ዀይኑ እዩ ዓብዩ። ዳሕራይ ግና፡ ደቂ ሰብ ብፈቃር ፈጣሪ ኸም እተፈጥሩ ኣመነ። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ ሙዚቃኡን ብዛዕባ እምነቱን ሓቲታቶ ኣላ።

ሙዚቀኛ ኽትከውን ዝኸኣልካ ብኸመይ ኢኻ፧

ክልቲኦም ወለደይ ወቓዕቲ ፕያኖ እዮም። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ጀሚሮም እዮም ዚምህሩኒ ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ከተማ ታሽከንት ኣብ ዚርከብ ምዕቡል ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ኣጽናዕኩ።

ምስ ኦርኬስትራ ምጽዋት ብዛዕባ ዘለዎ ብድሆ እስከ ንገረና።

ሕደ ዝዀኑ ኽልተ ኦርኬስትራ የለዉን። ልክዕ ከምቶም ብኣዝመምቲ ዚምርሑ ገዘፍቲ ሙዚቃዊ መሳርሒታት እዮም። ከምዚ ናተይ ሞያ ንዘለዎ ሰብ ዝያዳ በዳሂ ዝዀኖ፡ ምስቲ ኣዝማሚ ብሚዛናዊ መገዲ ተሳኒኻ ምኻድ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ፡ ልክዕ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዕሩኽ ዚግበር ዝርርብ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ሓደ ንበይኑ እናመርሐ ኣብ ክንዲ ዚዛረብ፡ ምስቲ ሓደ ኺበራረ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ስኒት ንኺህሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሳዕ ጥራይ ኣቐዲምካ ብሓንሳእ ኴንካ እንተ ተለማሚድካሉ እኹል እዩ።

ንበይንኻ ንምልምማድ ክንደይ ግዜ ኢኻ እተሕልፍ፧

እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሰዓት እዩ ዚወስደለይ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣሸጋሪ ዝዀነ ኽፋል ንምልምማድ ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዘዳልዎ ኽፋል እውን ፕያኖ ኸይወቓዕኩ አጽንዖ እየ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንኻልእ መዳያት ዕዮ እቲ ደራሲ እሰምዖ እየ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዜቕርቦ ዕዮ ብዝያዳ ንኽርድኦ ይሕግዘኒ እዩ።

መለለዪ ሓደ ንፉዕ ወቓዕ ፕያኖ እንታይ እዩ ምበልካ፧

ንፕያኖ ኸም “እትዝምር” ናይ ምግባር ክእለቱ እዩ። ብዛዕባ እዚ እስከ ኪገልጸልኩም። ፕያኖ ልክዕ ከም ናይ ህርመት መሳርሒ እዩ። ሓንቲ ኖታ ምስ ተወቕዐት ብርታዐ እቲ ድምጺ ኽንኪ ጥራይ ዚኽእል ምዃኑ፡ ካብቲ ንሓንቲ ኖታ ሒዙ ነዊሕ ኪጸንሕ ወይ ንብርታዐ እቲ ድምጺ ኼዛይዶ ዚኽእል ብትንፋስ ዚዓዪ መሳርያ ሙዚቃ ወይ ድምጺ ሰብ እተፈልየ እዩ። ወቓዕቲ ፕያኖ በዳሂ ዚዀኖም፡ ብርታዐ ድምጺ ኖታ እናደኸመ ኸይከይድ ምቅላስ እዩ። ነዚ ኸኣ ብርቕቕ ዝበለ መገዲ፡ ምስቲ ብየማናይ እግሮም ብምጽቃጥ ንንውሓት ሓደ ኖታ ንምምጣጥን ቃናኡ ንምቅይያርን ዚገብርዎ ዕዮ ብምስናይ፡ ኣጻብዕቶምን ግምቦ ኢዶምን ብምንቅስቓስ እዮም ዚፍጽምዎ። ነዚ ኣሸጋሪ ተክኒክ ምስ መለኽዎ፡ ነቲ ፕያኖ ልክዕ ከም ሻምብቆ፡ ጥሩምባ፡ ወይ ኦርኬስትራ ኸም ዜድሂ ኺገብርዎ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ኻብ ኵሉ ዓይነት መሳርያ ሙዚቃ ዝያዳ ብሉጽ ዝዀነ ድምጺ ሰብ ኬመሳስልዎ ይኽእሉ እዮም።

ንሙዚቃ ዓሚቚ ፍቕሪ ኸም ዘሎኻ ንጹር እዩ።

ኣነ ንሙዚቃ ብቓላት ንኽትግለጾ ንዜሸግር ስምዒታት፡ ዝያዳ ብቐጥታ ንምግላጽን ንምልዕዓልን ዚሕግዝ ቋንቋ ገይረ እየ ዝርእዮ።

ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ከተሕድር ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧

ገዛና በቲ ኣቦይ ካብ ሞስኮ ዜምጽኦ መጻሕፍቲ ዝመልአ እዩ። ብፍላይ ዝተንከፈትኒ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ መጀመርታ ታሪኽን ተመክሮታትን እስራኤላውያን ዚገልጽ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። ካልእ ብወዝቢ ዘንበብክዋ መጽሓፍ ድማ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ እያ። a ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ምቕራቡ ማሪኹኒ እዩ። ብ1991 ሙዚቃ ንኸጽንዕ ናብ ስጳኛ ምስ ገዓዝኩ፡ ነታ መጽሓፍ ተማላእክዋ፡ ደጋጊመ ድማ ኣንበብክዋ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ስምዒት ጥራይ እተመርኰሰት እምነት ዘይኰነስ፡ ኣብ ርትዓውነትን ኣብ ዜእምን መርትዖን እተመርኰሰት እምነት ከም ዘላ ተገንዘብኩ።

ብሓቂ ጽልዋ ዘሕደረለይ ትምህርቲ፡ እቲ ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ዚገልጽ መብጽዓ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ተዋሒጡለይ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይተራኸብኩ፡ እንተ ረኺበዮም መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምህሩኒ ኽሓቶም ከም ዘሎኒ ወሰንኩ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ተራኺብካ፧

ከምኡ ኢለ ድሕሪ ምውሳነይ ሒደት መዓልትታት ምስ ሓለፈ፡ ክልተ ወይዘራዝር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢደን ሒዘን ርአኹ። ‘ነቶም ኣብ መጽሓፈይ እተጠቕሱ ሰባት ይመስላ’ ኢለ ሓሰብኩ። ‘ልክዕ ከምቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዚሰብኩ ዝነበሩ፡ እዚኣተን እውን ይሰብካ ኣለዋ’ ድማ በልኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኬጽንዕ ጀመርኩ። ሎሚ፡ እቲ ዝዓዘዘ ሓጐሰይ፡ ንሰባት ብዛዕባ ፈጣሪ ንኺፈልጡ ኽሕግዞም ምኽኣለይ እዩ።

ኢዘሀራዊ ንዝነበርካ ሰብ፡ ኣብ ፈጣሪ ንኽትኣምን ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧

ሙዚቃ እዩ ሓጊዙኒ። ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ካብ እንስሳ ብእተፈልየ መገዲ ሙዚቃ ይፈቱ እዩ። ሙዚቃ፡ ሓጐስን ምትእምማንን ለውሃትን ዳርጋ ዅሉ ዓይነት ስምዒትን ኪገልጽ ይኽእል እዩ። ደሃይ ሙዚቃ ኽንሰምዕ ከለና ኸይተፈለጠና ንስሓብ ኢና። ግናኸ፡ ሙዚቃ ንኽንነብር ግድን ዜድሊ ረቛሒ ድዩ፧ ከምቲ ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት፡ “ዝሓየለ ይነብር” ኢሎም ዚምህርዎ፡ ሙዚቃ ነዚ ግደ ኣለዎ ድዩ፧ ኣይመስለንን። እቲ ሙዚቃ ንኺምህዝን ንኺፈቱን ክእለት ዘለዎ፡ ከም ናይ ሞዛርትን በይቶቨንን ዝኣመሰለ ሓንጎል ወዲ ሰብ፡ ውጽእቲ ፍልቀት ከም ዝዀነ ጌርካ ምእማን ዘይርትዓዊ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ሓንጎልና በቲ ጥበበኛን ፈቃርን ዝዀነ ፈጣሪ ኸም ዝመጸ ምእማን ግና ዝያዳ ርትዓዊ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ሲምፎኒ ግሩም መዋቕር ዘለዎን ውሕሉል መሰናድዎ እተገብረሉን ንዅሎም ሰባት ዚኸውን ማራኺ መልእኽቲ ዝሓዘን ሙዚቃ እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኸም እትኣምን ዝገበረካ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ 1,600 ዓመታት ብ40 ዝዀኑ ሰባት እተጻሕፈ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ‘ነዚ ስሙርን ውሕሉልን ጽሑፍ፡ ከም ዚውሃሃድ ኪገብሮ ዚኽእል እሞ መን እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘ኣምላኽ’ ዚብል መልሲ ጥራይ እየ ረኺበላ። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ሲምፎኒ ግሩም መዋቕር ዘለዎን ውሕሉል መሰናድዎ እተገብረሉን ንዅሎም ሰባት ዚኸውን ማራኺ መልእኽቲ ዝሓዘን ሙዚቃ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።

a ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚጥቀሙላ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ እያ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ www.pr418.com ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።