ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ብኸመይ ከም እትዘራረብ

ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ብኸመይ ከም እትዘራረብ

ጸገም

ውሉድካ ቘልዓ ኸሎ፡ ብዛዕባ ዅሉ ነገራት የዘራርበካ ነይሩ። ምስ ባጽሐ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይነግረካን። ከተዘራርቦ ኽትፍትን ከለኻ ኸኣ፡ ወይ ሓጺር መልሲ ጥራይ ይህበካ ወይ ከኣ ንቤትካ ናብ ዓውደ ዂናት ዚቕይሮ ኽትዕ ይጅምር።

ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ብኸመይ ክትዘራረብ ከም እትኽእል ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግና፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ዝዀነ ኽልተ ረቛሒታት እስከ ንርአ። a

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ናጽነት ምድላይ። እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ፡ ሓላፍነት ዚስምዖ በጽሒ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኻብ መንበር ተጓዓዛይ ተንሲኡ ኣብ መንበር መራሕ ማኪና ኾፍ ብምባል፡ ኣብቲ ሓደገኛ ዝዀነ መገዲ ህይወት ብኸመይ ኣንፈቱ ኺፈልጥ ከም ዚኽእል ኪምሃር ኣለዎ። ሓቂ እዩ፡ ገሊኦም ዝባጽሑ ውሉዳት፡ ካብቲ ዚግብኦም ናጽነት ንላዕሊ ኺውሃቦም ይደልዩ እዮም፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካብቲ ግቡእ ንታሕቲ ዝዀነ ናጽነት ዚህቡ ወለዲ እውን ኣለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ዚለዓል ሰሓቦን ጓትቶን፡ ንወለዲ ዀነ ንውሉዳት ጸገም ኪፈጥረሎም ይኽእል እዩ። እቲ ወዲ 16 ዓመት ዝዀነ ብራድ፡ b “ወለደይ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወተይ ኪቈጻጸርዎ እዮም ዚጽዕሩ። ወዲ 18 ምስ ኰንኩ ዝያዳ ናጽነት እንተ ዘይሂቦምኒ፡ ካብ ቤት ክወጽእ እየ” በለ።

ረቂቕ ኣተሓሳስባ። ብዓይኒ ንኣሽቱ ቘልዑ ኺርአ ኸሎ፡ ሓደ ነገር ልክዕ ከም ጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ፣ ብዓይኒ ብዙሓት ዝባጽሑ መንእሰያት ግና፡ ነገራት ልክዕ ከም ሓምዅሽታይ ሕብሪ፡ ኣይቅኑዕ ኣይጌጋ እዩ። እዚ ኣገዳሲ መዳይ ረቂቕ ኣተሓሳስባ ዀይኑ፡ መንእሰያት ብጽቡቕ ንኼመዛዝኑ ይሕግዞም እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ሓደ ቘልዓ ብዛዕባ ፍትሓዊ ነገራት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ቐሊል እዩ፣ ‘ማማ ንሓንቲ ብሽኰቲ ኣብ ክልተ መቒላ፡ ፍርቁ ንዓይ ፍርቁ ኸኣ ንሓወይ ሂባትና’ ኢሉ እዩ ዚሓስብ። እዚ ኸኣ ነቲ ቘልዓ፡ ኣድልዎ ዘይብሉ ፍትሓዊ ተግባር እዩ። ሓደ ዝባጽሐ መንእሰይ ብዛዕባ ፍትሓዊ ነገራት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ግና፡ ከምቲ ናይቲ ቘልዓ ቐሊል ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ዅሉ ሳዕ ማዕረ ማለት ኣይኰነን፡ ማዕረ ኣተሓሕዛ እውን ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ ኣይኰነን። ረቂቕ ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ምስ ከምዚ ዝበለ እተሓላለኸ ጕዳያት ንኺቃለስ ይሕግዞ እዩ። እዚ ግና ኣሉታዊ ጐድኒ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ምሳኻ ኸም ዚቃለስ እውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ብእተኻእለ መጠን ምስ ውሉድካ ኣዕልል። ነቲ እግረ መገድኻ እትረኽቦ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ወለዲ፡ ምስ ዝባጽሑ ውሉዳቶም ኰይኖም ዕዮ ገዛ ኺዓይዩ ኸለዉ ወይ ከኣ ብሓባር ኰይኖም ብማኪና ኺጐዓዙ ኸለዉ፡ እቶም ውሉዳቶም ናይ ልቦም ኣውጺኦም ከም ዜዕልልዎም ተመኪሮምዎ እዮም።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 6:6, 7

ብዙሕ ኣይትዛረብ። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ኛኽ ክትብሃሃል ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዜድሊ ነጥቢ ጥራይ ተዛረብ። እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ኣብ ፈለማ ነቲ ዝበልካዮ ዘየቕለበሉ እኳ እንተ መሰለካ፡ ጸኒሑ ምስ ሓሰበሉ ግና ኪስቈሮ እዩ። ስለዚ፡ ከምኡ ንኺገብር ኣጋጣሚ ሃቦ።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 1:1-4

ጽን በሃልን ተዓጻጻፍን ኩን። ነቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ንውሉድካ ኣብ መንጎ ኸይኰለፍካ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ክትምልስ ከለኻ ኸኣ፡ ሚዛናዊ ኹን። ሕግታት ብጥብቂ ትስዕብ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ቐዳዳት ንኼናዲ ኺፍተን እዩ። እታ ስተይንግ ኮኔክትድ ቱ ዮር ቲንኤጀር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሕግታት ብጥብቂ ምስዓብ፡ “ቈልዑ ኽልተ ዓይነት ናብራ ኸም ዚነብሩ እዩ ዚገብር። ብሓደ ሸነኽ፡ ንወለዶም ነቲ ኺሰምዕዎ ዚደልዩ ነገራት ይነግርዎም፣ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ወለዶም ኣብ ዘይርእዩሉ እዋን፡ ከም ድላዮም ይገብሩ” ኢላ ኣጠንቀቐት።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 4:5

ህድእ በል። ሓንቲ ካሪ ዝስማ ጐርዞ፡ “ኣብ ዘይንሰማምዓሉ እዋን፡ ማማ ብዅሉ ኣነ ዝዛረቦ ነገራት እያ እትጕሂ። እዚ ኸኣ የሕርቐኒ እዩ፣ ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ዝርርብና ናብ ክርክር ይቕየር” በለት። ስለዚ፡ ብቝጥዓ ምላሽ ኣብ ክንዲ እትህብ፡ ንስምዒት እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ኸም እተረዳእካዮ ግለጽ። ንኣብነት፡ “እዚ ደኣ እንታይ ዜጨንቕ ኣለዎ” ኣብ ክንዲ እትብል፡ “እዚ ነገር እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜሻቕለካ ይርድኣኒ እዩ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 10:19

ብእተኻእለካ መጠን፡ ንውሉድካ ኣይትወስነሉ። እቲ ናይ ዝባጽሐ ውሉድካ ረቂቕ ኣተሓሳስባ፡ ልክዕ ከምቲ ኺምዕብል ዘለዎ ጭዋዳታት እዩ። ስለዚ፡ ጸገም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ንስኻ ኽትውስነሉ ኣይትፈትን። ነቲ ጕዳይ ክትመያየጡሉ ኸለኹም፡ ባዕሉ መፍትሒ ንኼናዲ ኣጋጣሚ ሃቦ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ሒደት ኣማራጺታት ምስ ተዘራረብኩም፡ “ገለ ኻብቲ ኣማራጺታት እዚ እዩ። ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ ሕሰበሉ እሞ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዝሓሰብካዮ መፍትሕን ስለምንታይ ንዕኡ ኸም ዝመረጽካን ክንዘራረብ ንኽእል ኢና” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ እብራውያን 5:14

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድ ብተባዕታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።