ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓልዮት ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ሓልዮት ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ኣምላኽ ንሰብነትና ዜደንቕ ናይ ምሕዋይ ክእለት ከም ዚህልዎ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ሓደ ጥዑይ ሰብነት ምስ ተሓርደ፡ ምስ ተላሕጸጸ፡ ወይ ምስ ተወግአ፡ እቲ ሰብነት “ንዓብይን ንንእሽቶን ቍስሊ ንምሕዋይ እተነድፈ እተሓላለኸ መስርሕ ይጅምር።” (ጆንስ ሆፕኪንስ መዲስን) ምፍሳስ ደም ደው ንምባልን ቍስሊ ንምጽጋንን ኣካሊታት ንምድልዳልን ከኣ ቅልጡፍ ስጕምቲ ይወስድ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ፈጣሪና ሰብነትና ንኣካላዊ ቝስሊ ኼሕዊ ኸም ዚኽእል ገይሩ ኻብ ነደፎ፡ ነቲ ኻብ ስምዒታዊ ቝስልና ኸም ዜሕውየና ዝኣተወልና ቓል እውን ክንኣምኖዶ ኣይንኽእልን፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ኣምላኽ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም፣ ንኣቝሳሎም ከኣ ይዝንን” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 147:3) ግናኸ፡ ብስምዒታዊ በሰላ ወይ ብጭንቀት ትሳቐ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ሕጅን ኣብ መጻእን ንቝስልኻ ኸም ዚዝንን ከመይ ጌርካ ኽትተኣማመን ትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

ኣምላኽ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ . . . እየ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) የሆዋ ኸም ዚሓልየሉ ዚፈልጥ ሰብ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንፈተናታት ንምስጋር ዜኽእል ብርታዐን ይረክብ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ውሽጣዊ ህድኣት እዚ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ጳውሎስ ወሲኹ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ እዩ።—ፊልጲ 4:4-7, 9, 13

ቅዱሳት ጽሑፋት እምነት ከነሕድር ይሕግዘና፣ እወ፡ ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ከነሕድር ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ራእይ 21:4, 5 ንሱ እንታይ ከም ዚገብርን ስለምንታይ ኣብኡ እምነት ከነሕድር ከም እንኽእልን ትነግረና እያ፦

  • “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም [ኣዒንቲ ሰባት] ኪደርዝ እዩ።” የሆዋ ንዅሉ መከራናን ጭንቀትናን ኬወግዶ እዩ፣ ነቲ ብኣረኣእያ ሰባት ንእሽቶ ዚመስል ዜሻቕል ነገራት እውን ከይተረፈ ኼወግዶ እዩ።

  • እቲ ኣብ ሰማያዊ ኽብሩ “ኣብ ዝፋን እተቐመጠ” ዅሉ ዚኽእል ንጉስ ኵሉ ፍጥረታት፡ ብሓይሉን ብስልጣኑን ገይሩ ንመከራና ኼርሕቖ፡ ዜድልየና ሓገዝ እውን ኪህበና እዩ።

  • የሆዋ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት “እሙንን ሓቅን” ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት እንተ ዘይተፈጺሙ፡ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ሕቶ ይኣቱ ማለት እዩ።

“‘ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።’ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ ‘እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ’ በለ። ‘እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ’ ድማ በለኒ።”—ራእይ 21:4, 5

ግኡዝ ዩኒቨርስን መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ባህርያት ሰማያዊ ኣቦና ይገልጸልና እዩ። ፍጥረት፡ ንሕና ንኣምላኽ ከም ናይ ቀረባ ዓርክና ጌርና ኽንፈልጦ ዚእምት ዕድመ ኬቕርበልና ኸሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ንጹር ዕድመ የቕርበልና እዩ። (ያእቆብ 4:8) ግብሪ ሃዋርያት 17:27 ድማ፡ ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ኸም ዝዀነ ትነግረና እያ።

ግዜ መዲብካ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ምስ እትጽዕር፡ ‘ንሱ ኸም ዚሓልየልካ’ ብዝያዳ ኽትተኣማመን ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ምሕዳር ግና ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ተመክሮ ሓደ ኣብ ጃፓን ዚነብር ቶሩ እሞ ርአ። ሓንቲ ክርስትያን ኣደ እኳ እንተ ኣዕበየቶ፡ ያኩዛ ምስ ዚብሃሉ ማፍያ ጃፓን ኪሓብር ጀመረ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ኣምላኽ ከም ዚጸልኣኒ እየ ዝኣምን ነይረ፣ ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ኣዝየ ዘፍቅሮም ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ ካብ ኣምላኽ መቕጻዕቲ ይወረደኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።” ቶሩ፡ እቲ ጐዳኢ ሃዋህውን ኣተሓሳስባን ስለ ዝጸለዎ፡ “ጨካንን ስምዒት ኣልቦን ሰብ” ከም ዝዀነ ይእመን። ብዛዕባ ዝነበሮ ሸቶ ኼዘንቱ ኸሎ ድማ፡ “ካባይ ንላዕሊ ህቡብ ዝዀነ ሰብ ቀቲለ ንርእሰይ ስም ድሕሪ ምግባረይ ብንእስነተይ ክመውት እየ ዝደሊ ነይረ” ይብል።

ቶሩን ብዓልቲ ቤቱ ሃናን መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ ግና፡ ቶሩ ኣብ ህይወቱን ኣብ ኣረኣእያኡን ዓብዪ ለውጢ ገበረ። ሃና፡ “ብዓል ቤተይ ኪቕየር ከሎ ብኣዒንተይ ርእየ እየ” ትብል። ሕጂ ቶሩ ብምትእምማን ከምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና ብሓቂ ዚሓሊ ኣምላኽ ኣሎ። ሓደ እኳ ኺመውት ኣይደልን እዩ፣ ነቶም ንጌጋታቶም ብሓቂ ዚንስሑሉ ኸኣ ይቕረ ኺብለሎም ድሉው እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዘይካ ንዕኡ ንኻልእ ዘይንነግሮን ዋላ ሓደ ዘይርድኣልናን ነገራት ክንነግሮ ኸለና ይሰምዓና እዩ። ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ የሆዋ ንዅሉ ጸገማትን መከራን ስቓይን ኬወግዶ እዩ። ሕጂ እውን ብዘይተጸበናዮ መገዲ ይሕግዘና እዩ። ተዋሪድና ኸለና እኳ ይሓልየልናን የድሕነናን እዩ።”—መዝሙር 136:23

ኣብ ተመክሮ ቶሩ ኸም እተራእየ፡ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኸም ዜወግዶን ንዅሉ ንብዓት ከም ዚደርዞን ምፍላጥና፡ ንመጻኢ ርግጽ ተስፋ ይህበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ዝሓሸ ህይወት ክንመርሕ እውን ይሕግዘና እዩ። እወ፡ ኣብዛ ብመከራ መሊኣ ዘላ ዓለም እውን ከይተረፈ፡ ካብ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።