ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ይድንግጸልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ይድንግጸልካ ድዩ፧

ፍጥረት እንታይ ይምህረና፧

ደንገጸ ኺብሃል ከሎ፡ “ልቡ በቝበቘ፣ ራሕርሐ” ማለት እዩ። ምሁር ጥዕና ኣእምሮ ዝዀነ ዶክተር ሪክ ሃንሰን፡ “ድንጋጽ ኣብ ኣዕጽምትና እዩ ዘሎ” ብምባል ናይ ምድንጋጽ ክእለት ሒዝና ኸም እንውለድ ገሊጹ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እዚ ኣብ ካልኦት ፍጥረታት በዚ ደረጃ እዚ ዘይርከብ ናይ ምድንጋጽ ክእለት እዚ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብመልክዑ ኸም ዝፈጠሮም ይነግረና እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ብእተወሰነ ደረጃ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኸነንጸባርቖ ንኽእል ኢና። ሓለይቲ ዝዀኑ ሰባት ካብ ድንጋጽ ተላዒሎም ንኻልኦት ኪሕግዙ ኸለዉ እምበኣር፡ ንድንጋጽ ናይቲ ርሕሩሕ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዜንጸባርቑ ዘለዉ።—ምሳሌ 14:31

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድንጋጽ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

ኣምላኽ ይድንግጸልና እዩ፣ ክንሳቐ ድማ ኣይደልየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግብጺ ብርቱዕ ባርነት ዘሕለፉን ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ከርተት ዝበሉን ጥንታውያን እስራኤላውያን ኪገልጽ ከሎ፡ ኣምላኽ “ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ” ይብለና። (ኢሳይያስ 63:9) ኣምላኽ ብዛዕባ ጭንቆም ይፈልጥ ጥራይ ከም ዘይነበረ ኣስተብህል። ስቓዮም ይስምዖ ነይሩ እዩ። “ስቓዮም . . . ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ” ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 3:7) ኣምላኽ፡ “ዚትንክየኩም ዘበለ፡ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” እውን ኢሉ እዩ። (ዘካርያስ 2:8) እወ፡ ካልኦት ኪጐድኡና ኸለዉ፡ ልቡ ኸም ልብና ይጕሂ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዋላ እኳ ርእስና እንተ ዀነነናን ድንጋጽ ኣምላኽ ክንረክብ ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰምዓናን፡ “ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ” ብምባል የጸናንዓና እዩ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ኣምላኽ ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ እዩ ዚፈልጠና። ንዅሉ ዅነታትናን ሓሳባትናን ስምዒታትናን ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ እዩ። እወ፡ ይድንግጸልና እዩ።

ኣምላኽ ንዝጨነቖም ሰባት ከም ዚሕግዝ ስለ እንፈልጥ፡ ምጽንናዕን ጥበብን ደገፍን ንምርካብ ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና

ዜጸናንዓና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • “ክትጽውዕ፡ የሆዋ ኸኣ ኪምልስ እዩ፣ ከተእዊ፡ ንሱ ኸኣ፡ ‘እነኹ!’ ኪብል እዩ።”—ኢሳይያስ 58:9

  • “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን። ክትጽውዑንን ናባይ መጺእኩም ክትጽልዩን ኢኹም፣ ኣነ እውን ክሰምዓኩም እየ።’”—ኤርምያስ 29:11, 12

  • “ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ። ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧”—መዝሙር 56:8

ኣምላኽ የስተብህለልናን ይርድኣልናን ይድንግጸልናን እዩ

ኣምላኽ ከም ዚድንግጸልና ምፍላጥናስ፡ ንጸገማትና ኽንክእሎ ኺሕግዘና ይኽእል ድዩ፧ ንተመክሮ ማሪያ እሞ ርአ፦

“እቲ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ወደይ ንኽልተ ዓመት ምስ መንሽሮ ተቓሊሱ ምስ ሞተ፡ ከቢድ ሓዘን ስለ እተሰምዓኒ፡ ህይወት ኣጸጋሚትን ዘይፍትሓዊትን ኰይና እያ ተሰሚዓትኒ። ጣልቃ ኣትዩ ስለ ዘየሕወዮ ኸኣ፡ ብየሆዋ ሓሪቐ ነይረ እየ።

“ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ኣባል ጉባኤና ዝዀነት ሓንቲ ፈቃርን ርሕርሕትን ፈታዊተይ፡ የሆዋ ዜፍቅረኒ ዀይኑ ኸም ዘይስምዓኒ ኽነግራ ኸለኹ ጽን ኢላ ሰሚዓትኒ። ንሰዓታት ዚኣክል ከይኰለፈት ድሕሪ ምስማዓ ኸኣ፡ ልበይ ዝተንከየት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሳትለይ። እታ ጥቕሲ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 እያ ነይራ፣ ‘ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ’ ድማ ትብል። የሆዋ ንጭንቅና ኸም ዚርድኦ ኸኣ ገሊጻትለይ።

“ኰይኑ ግና፡ ሕርቃነይ ክሓድግ ቀሊል ኣይነበረን። ድሕርዚ፡ ነታ ‘ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ’ እትብል መዝሙር 94:19 ኣንቢበያ። እዛ ጥቕሲ ንዓይ ኢላ እተጻሕፈት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዓንን ከም ዚርድኣለይን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ብዛዕባ ጭንቀይ ንዕኡ ምንጋር ኣዝዩ ዜደዓዕስ ኰይኑ ረኺበዮ እየ።”

ኣምላኽ ከም ዚርድኣልናን ዚድንግጸልናን ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! መከራ በዚሑ ዘሎ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ብምኽንያት እቲ ኽፉእ ግብርና ይቐጽዓና ስለ ዘሎ ድዩ፧ መከራ ምእንቲ ኬኽትም፡ ኣምላኽ ገለ ነገር ኪገብር ድዩ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ዚቕጽል ዓንቀጻት ኪምለስ እዩ።