ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧

መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ብ1914 ከም እተመስረተት፡ መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ኣብ ዚርከብ ትንቢት ተመዝጊቡ ኣሎ።

 ሓፈሻዊ ነጥብታት እቲ ትንቢት። ኣምላኽ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ሓንቲ ዓባይ ኦም ክትቍረጽ ከላ ዜርኢ ትንቢታዊ ሕልሚ ኸም ዚርኢ ገይርዎ እዩ። እቲ ጕርማጻ ምእንቲ ኸይጥጥዕ ከኣ፡ “ንሸውዓተ ግዜያት” ተዓጊቱ እዩ።—ዳንኤል 4:1, 10-16

 ቀዳማይ ፍጻመ እቲ ትንቢት። እታ ዓባይ ኦም ንንጉስ ነቡካድነጻር እያ እተመልክት። (ዳንኤል 4:20-22) ንሱ ንግዜኡ ኣእምሮኡ ስሒቱ፡ ካብ ንግስነቱ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ እተኣለየሉ እዋን፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸምታ ኦም ተቘሪጹ እዩ። (ዳንኤል 4:25) ኣምላኽ ንነቡካድነጻር ኣእምሮኡ ምስ መለሰሉ፡ ብኡብኡ ናብ ዝፋኑ ተመሊሱን ብግዝኣት ኣምላኽ ተኣሚኑን እዩ።—ዳንኤል 4:34-36

 እቲ ትንቢት ዝዓበየ ፍጻመ ኸም ዘለዎ ዜርኢ መርትዖ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ትንቢት፡ “ህያዋን ዘበሉ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑ፡ ንዝደለዮ ድማ ከም ዚህባ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ካብ ሰብ እቲ ዝተሓተ ኸም ዜቕውም ምእንቲ ኺፈልጡ” እዩ። (ዳንኤል 4:17) ኣምላኽ፡ ነዚ ግዝኣት እዚ፡ ነቲ ዕቡይ ነቡካድነጻር ድዩ ኺህቦ፧ ኣይፋሉን። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ንነቡካድነጻር፡ ንሱ ይኹን ካልእ ፖለቲካዊ ገዛኢ ነቲ ግዝኣት ኪሕዝ ከም ዘይበቅዕ ብትንቢታዊ ሕልሚ ኣርእይዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ባዕሉ፡ “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።”—ዳንኤል 2:31-44

 ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንግዝኣቱ እትውክል ምድራዊት መንግስቲ ኣቚሙ ነይሩ እዩ። ገዛእቲ እታ መንግስቲ ዘይእሙናት ስለ ዝነበሩ፡ ኣምላኽ እታ መንግስቲ እቲኣ ‘ኽትጠፍእ’ ፈቒዱ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ግዝኣት፡ ነቲ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” ኸም ዚህቦ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ህዝቅኤል 21:25-27) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ንግስነት ኪቕበል ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 1:30-33) የሱስ ክርስቶስ ዘይከም ነቡካድነጻር፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ “ትሑት ዝልቡ” እዩ።—ማቴዎስ 11:29

 እታ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዘላ ኦም ንምንታይ ተመልክት፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣእዋም ንግዝኣት እዩ ዜመልክት። (ህዝቅኤል 17:22-24፣ 31:2-5) ኣብቲ ዝዓበየ ፍጻመ ዳንኤል ምዕራፍ 4፡ እታ ዓባይ ኦም ንግዝኣት ኣምላኽ እያ እተመልክት።

 ምቝራጽ እታ ኦም እንታይ ማለት እዩ፧ ከምቲ እታ እተቘርጸት ኦም ንምቍራጽ ግዝኣት ነቡካድነጻር እተመልክት፡ ንምቍራጽ ግዝኣት ኣምላኽ እውን ተመልክት እያ። እዚ ኸኣ፡ ነቡካድነጻር ነታ ነገስታት እስራኤል ከም ወከልቲ ኣምላኽ ኣብ ዝፋን የሆዋ ዚቕመጡላ ዝነበሩ ከተማ የሩሳሌም ምስ ኣጥፍኣ እዩ ተፈጺሙ።—1 ዜና መዋእል 29:23

 እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ንምንታይ የመልክት፧ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት”፡ ነቲ ኣህዛብ ብዘይ ጣልቃ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዚገዝእሉ እዋን እዩ ዜመልክት። ብመሰረት መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት፡” ብጥቅምቲ 607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ምስ ጠፍአት እዩ ጀሚሩ። a2 ነገስት 25:1, 8-10

 ንውሓት እተን “ሸውዓተ ግዜያት” ክንደይ እዩ፧ እዚ ከምቲ ኣብ ነቡካድነጻር ዝዀነ፡ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። የሱስ፡ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም [እታ ምልክት ግዝኣት ኣምላኽ] ብኣህዛብ ክትርገጽ እያ” ኣብ ዝበሎ ሓሳብ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 21:24) እቲ ኣምላኽ ግዝኣቱ ብኣህዛብ ኪርገጽ ዝፈቐደሉ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ፡” ምስቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 እተገልጸ “ሸውዓተ ግዜያት” ሓደ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት፡” የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከይተረፈ ይቕጽል ነይሩ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ንውሓት እዚ ትንቢታዊ “ሸውዓተ ግዜያት” ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ ሂቡ ኣሎ። ኣብኡ ኸኣ፡ ሰለስት “ግዜን” ፈረቓን፡ 1,260 መዓልቲ ኸም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። በዚ መሰረት እዚ፡ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ክልተ ሳዕ 1,260 መዓልቲ፡ ማለት 2,520 መዓልቲ እዩ። (ራእይ 12:6, 14) ብመሰረት እቲ፡ “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት” ዚብል ትንቢታዊ ሕጊ፡ እተን 2,520 መዓልቲ ን2,520 ዓመት የመልክታ። ስለዚ፡ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ወይ 2,520 ዓመት ኣብ ጥቅምቲ 1914 ይዛዘም።—ዘሁልቍ 14:34፣ ህዝቅኤል 4:6

a ነታ 607 ቅ.ክ. ስለምንታይ ከም እተጠቐምናላ ንምፍላጥ፡ “ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧—ቀዳማይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 26-31፡ ከምኡ እውን “ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧—ካልኣይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 22-28 ርአ።