ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጻምድቲ ምስ ዚጠልም

መጻምድቲ ምስ ዚጠልም

“ሰብኣየይ ምስ ሓንቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ሰበይቲ ኪኸውን ኢሉ ሓዲጉኒ ኸም ዚኸይድ ምስ ነገረኒ፡ ክመውት ተመንየ ነይረ እየ። ምናዳ ነቲ ምእንታኡ ኢለ ዝኸፈልክዎ ዅሉ መስዋእቲ ኽዝክሮ ኸለኹ፡ ከቢድ ግፍዒ ዀይኑ እዩ ተራእዩኒ።”—ማሪያ፡ ስጳኛ።

“ሰበይተይ ብሃንደበት ሓዲጋትኒ ምስ ከደት፡ ውሽጠይ ከም ምዉት እየ ዀይነ። ትምኒታትናን ተስፋታትናን መደባትናን በኒኑ እዩ ተሪፉ። ካብ ጭንቀት ናጻ ዀይነ ኢለ ዝሓሰብኩሉ መዓልትታት ነይሩ፣ መሊሱ ግና ከቢድ ቅብጸት ይስምዓኒ ነይሩ።”—ቢል፡ ስጳኛ።

ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጥልመት ኣዝዩ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም ይቕረ ብምባል መሊሶም ርክቦም ይሃንጹ እዮም። * እቲ ሓዳር ይቐጽል ኣይቀጽል ግና፡ እቶም እተጠልሙ ብርቱዕ ስቓይ የሕልፉ እዮም። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ነቲ እተጐድአ ስምዒቶም ኪከናኸኑ ዚኽእሉ፧

ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ብዙሓት ንጹሃት ሰብ ሓዳር በቲ ዘጋጠሞም ጥልመት ጓሂ ልቢ ዚስምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ተጸናኒዖም እዮም። ኣምላኽ ንንብዓቶም ከም ዚርእዮን ስቓዮም ከም ዚስምዖን እውን ፈሊጦም እዮም።—ሚልክያስ 2:13-16

“ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”መዝሙር 94:19

ቢል፡ “ነዛ ጥቕሲ ኸንብባ ኸለኹ፡ የሆዋ ኸም ሓደ ርሕሩሕ ኣቦ፡ ካብ ስቓየይ ብለውሃት ከም ዜደዓዕሰኒ ገይረ እየ ዝስእሎ” ይብል።

“ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን።”መዝሙር 18:25

ካርመን እትብሃል ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ንኣዋርሕ ብመገዲ ጥልመት ምስ ተመላለሰ፡ “ሰብኣየይ እሙን ኣይኰነለይን። የሆዋ እሙን ከም ዚዀነለይ ግና ክተኣማመን እኽእል እየ። ፈጺሙ ኣየሕፍረንን እዩ” ትብል።

“ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም . . . ኪሕልዎ እዩ።”ፊልጲ 4:6, 7

ሳሻ እትብሃል ሰበይቲ፡ “ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ደጋጊመ ኣንቢበያ እየ። ደጋጊመ ምስ ጸለኹ፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ሰላም ሂቡኒ” ትብል።

ኵሎም እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ፡ ኪሕለሉ ቝሩብ ተሪፍዎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ተወኪሎም፡ ካብ ቃሉ ድማ ብርታዐ ረኺቦም እዮም። ቢል ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ኢሉ ይገልጾ፦ “ኵሉ ነገር ጠሊሙኒ ኢለ ኣብ ዝሓሰብኩሉ እዋን፡ እምነተይ ንህይወተይ ትርጉም ከም ዚህልዋ ገይሩ። ንእተወሰነ ግዜ ‘ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ’ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ኣምላኽ ምሳይ እዩ ነይሩ።”—መዝሙር 23:4

^ ንዝጠለመ መጻምድቲ ይቕረ ብዛዕባ ምባል ወይ ዘይምባል፡ ኣብ ናይ ሚያዝያ-ሰነ 2000 ንቕሑ! ዝወጸ፡ “ናይ መርዓ ብጻይ ዘይእሙን ክኸውን ከሎ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ርአ።