ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ንማሕላ ዝዀነኖ ስለምንታይ እዩ፧

ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ማሕላ ግቡእ ዝነበረሉ ዅነታት ነይሩ እዩ። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፡ ሰባት ምእንቲ ኺኣምንዎም ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዘረባኦም ይምሕሉ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነዚ ልምዲ እዚ ኽልተ ግዜ ዀኒንዎ እዩ። “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን” ኢሉ ኸኣ መሃረ።—ማቴ. 5:33-37፣ 23:16-22

ብመሰረት ቲኦሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት፡ ኣይሁድ ዘረባኦም ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ወትሩ ይምሕሉ ኸም ዝነበሩ ታልሙድ ይሕብር እዩ። ታልሙድ ኪሕሎ ዘለዎ ማሕላን ኪፈርስ ዚኽእል ማሕላን ብዝርዝር ይገልጽ እዩ።

ነዚ ግጉይ ልምዲ እዚ ዝዀነኖ ግና፡ የሱስ ጥራይ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ማሕላ ብዛዕባ ዝዀነነት ሓንቲ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኣይሁድ ጽሒፉ እዩ። ኣባላት እታ ጕጅለ፡ ማሕላ ኻብ ሓሶት ዝኸፍአ ሓጢኣት ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። ኪእመን ኢሉ ንዚምሕል ሰብ ከኣ፡ ከም ሓሳዊ ይቘጽርዎ ነበሩ። ዊስደም ኦቭ ሲራክ፡ ወይ ከኣ ኤክለስያስቲከስ፡ (23:11) ዘርእስቱ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ኣይሁድ እውን፡ “ዚምሕል ሰብ ቀንዲ ጠሓስ ሕጊ እዩ” ይብል። የሱስ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሉ ነገራት ምምሓል ከም ዘይግባእ ገሊጹ እዩ። ኵሉ ሳዕ ሓቂ ንዛረብ እንተ ዄንና፡ ክንምሕል ኣየድልየናን እዩ።