ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ምንባሮም ዜረጋግጽ እንታይ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ መርትዖ ኣሎ፧

ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ሚድያናውያን ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ድሕሪ ምውሳዶም፡ ያእቆብን ቤተ ሰቡን ካብ ከነኣን ናብ ግብጺ ገዓዙ። ሽዑ፡ ኣብ ደልታ ኒል ኣብ ዚርከብ ጎሼን ዚብሃል ዞባ ግብጺ ሰፈሩ። (ዘፍ. 47:1, 6) እስራኤላውያን ድማ “በዝሑን በርትዑን።” ስለዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ስለ ዝፈርህዎም፡ ባሮት ገበርዎም።—ዘጸ. 1:7-14

ገሊኦም ዘመናውያን ሓያስያን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽውጽዋይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣስተናዒቖምዎ እዮም። ሴማውያን * ባሮት ኰይኖም ኣብ ግብጺ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ዜረጋግጽ መርትዖ ግና ኣሎ።

ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ሰሜናዊ ግብጺ ናይ ጥንቲ ሰፈራት ብፍሕረት ረኺቦም እዮም። ዶ/ር ጆን ቢምሰን ድማ ኣብቲ ኽፋል ሰሜናዊ ግብጺ እቲ፡ 20 ወይ ካብኡ ዚበዝሕ ሰፈራት ሴማውያን ከም ዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ጥንታዊ ግብጺ ዜጽንዕ ጄምስ ካርል ሆፍሚየር፡ “ብሓርፋፍ ግምት ካብ 1800 ክሳዕ 1540 ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ግብጺ ነቶም ኣብ ምዕራባዊ እስያ ዝነበሩ ተዛረብቲ ሴማዊ ቛንቋ፡ ንፍልሰት እትብሃግ እያ ነይራ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እዚ እዋን እዚ ምስቲ ብልምዲ ‘ዘመነ ኣበው’ እንብሎ ይጋጠም እዩ፣ ስለዚ ኸኣ፡ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት እተገልጸ እዋንን ኵነታትን ይሰማማዕ እዩ” ይብል።

ኣብ ደቡባዊ ግብጺ እተረኽበ ኻልእ መርትዖ እውን ኣሎ። ኣብ ዘመነ ማእከላይ መንግስቲ (ከባቢ 2000–ከባቢ 1600 ቅ.ክ.) ዝነበረ ጳጲሮስ፡ ኣብ ደቡባዊ ግብጺ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ናይ ዚሰርሑ ዝነበሩ ባሮት ስማት ሒዙ ኣሎ። ካብቲ ስማት እቲ ድማ፡ ልዕሊ 40 ዚኸውን ናይ ሴማውያን እዩ። እዞም ባሮት ወይ ኣገልገልቲ እዚኦም፡ ከሸንትን ኣለምትን ሸቃሎን ኰይኖም እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ሆፍሚየር ከኣ፡ “ኣብ ቲቤድ [ደቡባዊ ግብጺ] ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ልዕሊ ኣርብዓ ሴማውያን ስለ እተጠቕሱ፡ ኣብ ብዘሎ ግብጺ፡ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ደልታ ብዙሓት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም” ይብል።

ዴቪድ ሮል ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ጥንቲ፡ ገሊኡ ስማት እቶም ኣብቲ ዝርዝር ዚርከቡ ባሮት፡ “ካብ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ቝርጽራጽ ከም እኒ ይሳኮር፡ ኣሴር፡ ሺፍራ ዚብል ስማት ኣሎ። (ዘጸ. 1:3, 4, 15) ሮል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እዚ ኸኣ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩሉ ግዜ ዚኸውን ናይ ሓቂ መርትዖ እዩ” ኢሉ ደምዲሙ ኣሎ።

ዶ/ር ቢምሰን ድማ፡ “እቲ ብዛዕባ ባርነት ግብጽን ብዛዕባ ጻኦትን ዚገልጽ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽኑዕ ታሪኻዊ መሰረት ኣለዎ” ኢሉ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 4 ሴማዊ ዚብል መጸውዒ ኻብቲ ሴም ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ሰለስተ ደቂ ኖህ እዩ መጺኡ። ዔላማውያንን ኣሶራውያንን ቀዳሞት ከለዳውያንን እብራውያንን ሶርያውያንን እተፈላለዩ ነገዳት ዓረብን ከኣ ካብ ዘርኢ ሴም ኪዀኑ ኣለዎም።