ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፕሮጀክት መጽናዕቲ

ብትግሃት ብምጽናዕ ንቓሕ

ብትግሃት ብምጽናዕ ንቓሕ

ዳንኤል 9:1-19 ኣንብብ እሞ፡ ብትግሃት ምጽናዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ርአ።

ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት መርምሮ። ቀቅድሚኡ እንታይ ፍጻመታት ኣጋጢሙ፧ እዚኸ ንዳንኤል ብኸመይ ጸልይዎ፧ (ዳን. 5:29–6:5) ንስኻ ዳንኤል እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧

ኣዕሚቝካ ዅዓት። ዳንኤል ነየኖት “ቅዱሳት መጻሕፍቲ” እዩ ተወኪሱ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ዳን. 9:2፡ እ.ጽ.፣ w11 1/1 22 ¶2) ስለምንታይ እዩ ዳንኤል ሓጢኣቱን ሓጢኣት ህዝቢ እስራኤልን እተናዘዘ፧ (ዘሌ. 26:39-42፣ 1 ነገ. 8:46-50dp 182-184) ዳንኤል ትጉህ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ምንባሩ፡ ካብ ጸሎቱ ብኸመይ ክንርኢ ንኽእል፧—ዳን. 9:11-13

ትምህርቲ ርኸብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • ‘ብፍጻመታት ዓለም ኣንፈተይ ምእንቲ ኸይስሕት ብኸመይ ክጥንቀቕ እኽእል፧’ (ሚክ. 7:7)

  • ‘ከም ዳንኤል ቃል ኣምላኽ ብትግሃት እንተ ኣጽኒዐ፡ ብኸመይ እየ ዝጥቀም፧’ (w04 1/8 12 ¶17)

  • ‘እንታይ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዚኸውን ርእሰ ነገራት እዩ “ኽነቅሕ” ዚሕግዘኒ፧’ (ማቴ. 24:42, 44w12 15/8 5 ¶7-8)