እብራውያን 2:1-18

  • ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ነቕልብ (1-4)

  • ኵሉ ንየሱስ ተገዝአ (5-9)

  • የሱስን ኣሕዋቱን (10-18)

    • ቀንዲ መራሒ ድሕነቶም (10)

    • መሓሪ ሊቀ ኻህናት (17)

2  ስለዚ፡ ምእንቲ ኸይንውሰድ፡+ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።+  ከመይሲ፡ እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል+ ጽኑዕ ካብ ዚኸውን፡ ኵሉ ኣበሳን ዘይተኣዛዝነትን ከኣ ፍትሓዊ መቕጻዕቲ ኻብ ዚቕበል፡+  ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ድሕነት ዕሽሽ እንብል እንተ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኸነምልጥ ንኽእል፧+ እዝስ ብጐይታ እዩ ኺንገር ጀሚሩ፡+ በቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ተረጋጊጹልና፣  ኣምላኽ ድማ ከም ፍቓዱ፡ ብትእምርትን ብተኣምራትን ብእተፈላለየ ግብርታት ሓይልን+ ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን ምሳታቶም ሓቢሩ መስኪሩ።+  ነታ እንዛረበላ ዘለና እትመጽእ ዓለምሲ፡ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።+  ሓደ ግና ኣብ ሓደ ቦታ ኸምዚ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ፦ “ንስኻ እትዝክሮስ፡ ሰብ እንታይ እዩ፧ ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧+  ካብ መላእኽቲ ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ፣ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸይምካዮ።  ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዚእካዮ።”+ ኣምላኽ ንዅሉ ኼግዝኦ ኸሎ፡+ ንዕኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን።+ ሕጂ ግና ኵሉ ኺግዝኦ ገና ኣይንርእን ኢና ዘለና።+  እቲ ኻብ መላእኽቲ ቝሩብ ዝነኣሰ የሱስ፡+ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት ኪጥዕምሲ፡+ ብምኽንያት መከራ ሞቱ፡ ኣኽሊል ግርማን ክብርን ከም ዝደፍአ ግና ንርኢ ኣለና።+ 10  ከመይሲ፡ እቲ ዅሉ ምእንታኡ፡ ኵሉ እውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉዳት ናብ ክብሪ ኼእቱ ኸሎ፡+ ነቲ ቐንዲ ወኪል ድሕነቶም+ ብመከራ ፍጹም ኪገብሮ ይግባእ እዩ።+ 11  እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱንሲ፡+ ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም፣+ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሓፍርን እዩ፣+ 12  እዚ ድማ፡ “ስምካ ንኣሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ጉባኤ እውን ብመዝሙር ክውድሰካ እየ” ኺብል ከሎ እዩ ኢልዎ።+ 13  ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ፡”+ ከም ብሓድሽ እውን፡ “እነና፡ ኣነን እቶም የሆዋ* ዝሃበኒ ደቅን” ይብል።+ 14  እምበኣር፡ እቶም “ደቂ፡” ደምን ስጋን ካብ ኰኑ፡ ንሱ እውን ብተመሳሳሊ ኸማታቶም ኰይኑ እዩ።+ ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡+ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ፡+ 15  ንዅሎም እቶም ብፍርሂ ሞት ምሉእ ህይወቶም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ድማ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ እዩ።+ 16  ንዘርኢ ኣብርሃም+ እዩ ዚድግፍ ዘሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣይኰነን ዚድግፍ ዘሎ። 17  ስለዚ፡ ንሓጢኣት ህዝቢ ዜተዓርቕ መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርብ፡*+ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ድማ መሓርን እሙንን ሊቀ ኻህናት ኪኸውንሲ፡ ብዅሉ ኸም “ኣሕዋቱ” ኪኸውን ይግብኦ ነይሩ እዩ።+ 18  ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ መከራ ጸጊቡ እዩ እሞ፡+ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይኽእል እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ።”