ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ 2014

መበል 100 ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ!

ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ 2014

ኣብቲ ብ4 ጥቅምቲ፡ 2014 እተኻየደ መበል 130 ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ፡ 19,000 ዚዀኑ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። እቲ ኣኼባ ኣብ ጀርሲ ሲቲ፡ ኒው ጀርሲ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኻየደ ኪኸውን ከሎ፡ ናብ ሓያሎ ቦታታት ብቐጥታ ብቪድዮ ተመሓላሊፉ እዩ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ማርክ ሳንደርሰን፡ ኣቦ መንበር እቲ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ሓው ሳንደርሰን ኣብ መእተዊ መደረኡ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ንመበል 100 ዓመት ምምስራት መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ የኽብር ብምህላዉ፡ ታሪኻዊ ኸም ዝዀነ ኣጕልሐ።

ሓው ሳንደርሰን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ዝሓለፈ 100 ዓመት ግዝኣታ ንዝዓመመቶ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ገለጸ፦

  • ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት። ሳላ በረኸት የሆዋ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ደኺመ ኸይበሉ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኵሉ ቦታ ንምዝርጋሕ ዓይዮም እዮም። ቍጽሪ ኣስፋሕቲ፡ ብ1914 ሒደት ኣሽሓት ጥራይ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ግና ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን በጺሑ እዩ። የሆዋ፡ ‘እቲ ዕዮ ተዛዚሙ እዩ’ ኽሳዕ ዚብለና፡ ብቕንኣት ምስባኽ ክንቅጽል ኢና።

  • ንተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ ምዕቋብ። መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካውያን ሰበ ስልጣንን ከቢድ ምጽራር ኣምጺኦም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጥፍኡ ጽዒሮም እዮም። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብደረጃ ጕጅለ ኣዕቊብዎም እዩ። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝረኸብናዮ ሕጋዊ ዓወታት፡ የሆዋ ኽሳዕ ሎሚ የዕቍበና ኸም ዘሎ ዜረጋግጽ እዩ።

  • ንዅሎም ዓይነት ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ምግባር። መንግስቲ ኣምላኽ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዜግነትን ቋንቋን ንዘለዎም ሰባት፡ ዜጋጥሞም ዕንቅፋታት ሰጊሮም ሓድነት ዘለዎም ኣምለኽቲ ኪዀኑ ሓጊዛቶም እያ። ሓው ሳንደርሰን፡ “እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኪፍጽሞ ዚኽእል ተኣምር እዩ” በለ። ደጊሙ ኸኣ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ዝዀነ ዓመታዊ ኣኼባ ምእካብ ዓብዪ ኽብሪ ምዃኑ ገለጸ።

“ዓርኪ የሆዋ ኹን” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት።

ኣብዚ ዓመታዊ ኣኼባ ቐጺሉ ዝቐረበ መደብ፡ ነቲ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ብተኸታታሊ ኺወጽእ ዝጸንሐ ንቘልዑ እተዳለወ ቪድዮታት ዚምልከት እዩ ነይሩ። ፈለማ፡ ሓው ሳንደርሰን ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ቘልዑ እተገብረሎም ቃለ መጠይቕ እተርኢ ቪድዮ ኣፋለጠ። ተኣከብቲ፡ እቶም ቈልዑ ኻብቲ ቪድዮታት እንታይ ከም እተማህሩ ኺዛረቡን ካብ ልቦም ተደሪኾም ሞሳኦም ኪገልጹን ከለዉ ምስ ሰምዑ ልቦም ተተንኪፉ እዩ።

ድሕርዚ፡ ሓንቲ ኻብዘን ተኸታተልቲ ቪድዮታት ዝዀነት፡ የሆዋ ኼትብዓካ እዩ ዘርእስታ ሓዳስ ቪድዮ ተራእየት። እዛ 12 ደቒቕ እትወስድ ቪድዮ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ታሪኽ እታ ንሰበይቲ ንእማን ብዛዕባ የሆዋ ብትብዓት ዝነገረታ እስራኤላዊት ጓል ህያው ገይራቶ እያ። (2 ነገስት 5:1-14) እዛ ብልዕሊ 20 ቛንቋ ኽትርከብ እትኽእል ቪድዮ፡ ብሰኑይ 6 ጥቅምቲ፡ 2014 ኣብ jw.org ወጺኣ እያ።

ጀይ ዳብሊው ላንጔጅ (JW Language)።

ሓው ሳንደርሰን፡ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኼስፍሑ ኻልእ ቋንቋ ኺምሃሩ ንዚደልዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕግዝ፡ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ እትዓዪ ሓዳስ ኣፕሊኬሽን ከም ዝወጸት ሓበረ። እዛ ኣፕሊኬሽን ብ18 ቛንቋ እተዳለወት ኰይና፡ ልዕሊ 4,000 ቓላትን ሓረጋትን ዝሓዘት እያ። ተወሳኺ ቓላትን ሓረጋትን፡ ንወፍሪ ኣገልግሎት ዚኸውን መርኣያታት፡ ከምኡ ድማ ካልእ ነገራት ዘጠቓለለት ምእንቲ ኽትከውን መደባት ወጺኡ ኣሎ።

ጀይ ዳብሊው ብሮድካስቲን (JW Broadcasting)።

እቶም ተኣከብቲ፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚውነን ሓድሽ መደበር ተለቪዥን ኢንተርነት፡ ንፈተነ ተባሂሉ ብእንግሊዝኛ ጥራይ ከም ዝጀመረ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም። እዚ መደበር እዚ፡ ካብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ቪድዮታትን ሙዚቃታትን ድራማዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ኪፍኑ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ወይ ብሓጋዚ ሓደ ኻብቲ ኮሚተታቱ ዚቐርብ ወርሓዊ መደብ ኬጠቓልል እዩ።

ሓው ሳንደርሰን፡ ካብቲ ናይ ፈለማ መደብ ተቘንጺላ እተወስደት ቪድዮ ኣላለየ። እዚ ብኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ስቲቨን ለት ዝቐረበ መደብ፡ እዚ ሓድሽ መደበር ተለቪዥን ብኸመይ ከም እተዳለወ እተርኢ ቪድዮ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። JW Broadcasting ቀጥታዊ ፈነወኡ ብ6 ጥቅምቲ 2014 እዩ ጀሚሩ፣ ናብ tv.pr418.com ብምእታው እውን ኪርከብ ይከኣል እዩ።

“መንግስቲ ኣምላኽ—ጕዕዞ 100 ዓመት።”

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዕቤት ክንገብርን ዕዮ ስብከትና ኸነመሓይሽን በብቝሩብ ብኸመይ ከም ዝሓገዘትና ኺትርኽ ከሎ እተርኢ ቪድዮ ቐሪባ ነይራ። እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ታሪኻዊ ስእልታት፡ ብመርኣያ ዝቐረበ ተመክሮ፡ ከምኡ ድማ ገዳይም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዘንተውዎ ተመክሮታት ተጠቒማ፡ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ንምስራሕን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከም እትርአ ንምግባርን እተገብረ ጻዕሪ ኣጕልሐት። ብዘይካዚ፡ ፎኖግራፍን ካርድታት ምስክርነትን ምረሻታት ሓበሬታን መጕልሒ ድምጺ እተገጥመለን ማካይንን ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዝወዓለ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ንኣገልግሎት ዜሰልጥነና ኣብያተ ትምህርቲ እተርኢ እያ ነይራ።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ዝሓለፈ 100 ዓመት ግዝኣታ እንታይ ከም ዝዓመመት ምስትንታንና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ምስ እንገብር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ እያ ህያው እትዀነልና፣ ኣብ መጻኢ ንእትፍጽሞ ነገራት ዘሎና ህንጥዩነት እውን ይውስኽ እዩ።

ንኣምልኾ ዚኸውን መዝሙራት።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ዴቪድ ስፕለይን፡ እታ ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ መጽሓፍ መዝሙርና ኽትክለስ መደብ ከም ዝወጸ ምስ ሓበረ፡ ኵሎም ተኣከብቲ ተሓጐሱ። ብኸምቲ ገበር ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተሰርሓሉ መገድን ዘለዎ ብሩራዊ ጥርዝን ድማ እያ ኽትሕተም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብሉጽ ንጥረ ነገራት ብምጥቃም ክትዳሎ ምዃና፡ መዝሙር ኣብ ኣምልኾና ዘለዎ ልዑል ቦታ ዜንጸባርቕ እዩ።

ሓው ስፕለይን፡ ናብዛ መጽሓፍ መዝሙር ሒደት ሓደስቲ መዝሙራት ኪውሰኻ ኸም ዝዀና እውን ሓበረ። ነዘን ሓደስቲ መዝሙራት ክንጥቀመለን ምእንቲ ኽንጅምር ግና፡ እዛ እተኸለሰት መጽሓፍ መዝሙር ተሓቲማ ኽሳዕ እትወጽእ ክንጽበ ኣየድልየናን እዩ። ተዳልየን መምስ ተወድኣ፡ ኣብ jw.org ኪወጻ እየን።

ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ቅድሚ እታ ኣኼባ እተኻየደላ ዕለት ኣብ ዝነበረት ሰሙን ተለማሚዶምለን ዝቐነዩ ሰለስተ ሓደስቲ መዝሙራት ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ተዘሚረን እየን። ሓው ስፕለይን፡ ነታ “መንግስትኻ ቘይማ—‘ትምጻእ’ ኢልና ንልምን” ዘርእስታ ሓዳስ መዝሙር ንዚዝምሩ መዘምራን መርሖም። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ንመበል 100 ዓመት ውልደት መንግስቲ ኣምላኽ ንምኽባር ብፍሉይ እተቐናበረት እያ። እቶም መዘምራን ነታ መዝሙር ምስ ዘመርዋ፡ ብድሕሪኡ እቶም ተኣከብቲ ምስኦም ሓቢሮም ዘመርዋ። ጸኒሖም እውን እቶም መዘምራንን እቶም ተኣከብትን ሓቢሮም፡ “ኣትብዓና” ዘርእስታ ኻልእ ሓዳስ መዝሙር ዘሚሮም እዮም።

ቃለ መጠይቕ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገርት ሎሽ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ተመክሮ ምስ ዘለዎም ሰለስተ ሰብ ሓዳር እተገብረ ኣቐዲሙ እተቐድሐ ቓለ መጠይቕ ኣቕረበ። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ንዝረኣይዎ ሓያሎ ለውጥታት ብምዝንታው፡ ህዝቢ ኣምላኽ ይግስግሱ ኸም ዘለዉ ኣጕልሑ። ሓው ሎሽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውድባዊ ምምሕያሻት ኣቐዲሙ ተነብዩ ኸም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንዅሎም ተኣከብቲ ምስ ውድብ የሆዋ ንቕድሚት ኪስጕሙ ተላበዎም።—ኢሳይያስ 60:17

“ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስን ትንቢታዊ ጽላሎቱን።”

ነዚ መደረ እዚ ዘቕረበ ሓው ስፕለይን፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዚወጽእ ዝነበረ ጽሑፋትና፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ይገልጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግና ብዙሕ ዘይገልጽ ስለምንታይ ምዃኑ ገለጸ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ጕጅለ እሙናት ክርስትያናት ዜመልክቱ ጽላሎት ከም ዝዀኑ ይግለጽ ነበረ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታዊ ጽላሎት እቲ ኣብዚ ግዜና ምስ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምትሕሓዝ ዘለዎ ፍጻመታት ከም ዝዀነ ጌርካ ይሕሰብ ነይሩ። ሓቂ እዩ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምንጽጻር ምጽናዕ መሳጢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝወጸ ሕታማትና፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ብዙሕ ዘይገልጽ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ገሊኦም ሰባትን ፍጻመታትን ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ሰብ ወይ ነገር ከም ዝዀኑ ይሕብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ነገር ጽላሎት ናይ ካልእ ነገር ምዃኑ ብንጹር ኪሕብር ከሎ፡ ተሓጒስና ንቕበሎ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ሓው ስፕለይን ዝበሎ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይተዛረበሉ፡ ንሕና እውን ክንዛረበሉ የብልናን።” ንሓደ ጸብጻብ እምብዛ ኽንትንትኖ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትንቢታዊ ጽላሎትን ፍጻመን ከም ዘለዎ ኣብ ምምርማር ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ እንተ ዄንና፡ ነቲ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ንዅላትና፡ ማለት ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ተስፋ ዘሎና፡ ኪምህረና ዚኽእል ግብራውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዚዓይን ትምህርትታት ክንስሕቶ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4 a

“‘ክትነቕሑ’ ዲኹም፧”

እዚ ብሓው ለት እተዋህበ መደረ እዚ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳሌ ንዝነበረና ምርዳእ ኣዐረዮ። (ማቴዎስ 25:1-13) ሕጂ ነቲ ምሳሌ በዚ መገዲ እዚ ኢና እንርድኦ፦ እቲ መርዓዊ፡ የሱስ እዩ፣ እተን ደናግል ድማ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ እዮም። (ሉቃስ 5:34, 35፣ 2 ቈረንቶስ 11:2) እዚ ምሳሌ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን እቲ ብብርቱዕ ጸበባ ዚዛዘም ዳሕሮት መዓልትታት ኪፍጸም እዩ። የሱስ ብዛዕባ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል ኪገልጽ ከሎ፡ ብዙሓት ካብቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ዘይእሙናት ከም ዚዀኑን ኪትክኡ ኸም ዜድልዮምን ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ሓያል መጠንቀቕታ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ሓሙሽተ ደናግል ለባማት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ዓያሱ ዝነበራ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ድሉውን ንቑሕን ኪኸውን ወይ ከኣ ዘይእሙን ኪኸውን ኪመርጽ ኣጋጣሚ ኣለዎ።

ንሓደ ጸብጻብ እምብዛ ኸይንትንትኖ ምስ ዚገልጽ ስርዓት ብምስምማዕ፡ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ ዝርዝር ነገራት ትንቢታዊ ምምስሳል ክትረኽበሉ ኢልካ ምጽዓር ጥበባዊ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ምሳሌ ግብራዊ ትምህርቲ ኽንቀስም ኢና ኽንጽዕር ዘሎና። ካብቶም ቅቡኣት ንኹን ወይ ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ብዘየገድስ፡ ኵላትና ብርሃንና ድሙቕ ኰይኑ ኸም ዚበርህ ክንገብርን ‘ክንነቅሕን’ ሓላፍነት ኣሎና። (ዮሃንስ 10:16፣ ማርቆስ 13:37፣ ማቴዎስ 5:16) ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዳና እሙን ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ነፍሲ ወከፍና፡ ብመንፈስ ንቑሓትን ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋትን ብምዃን፡ ‘ህይወት ንሕረ።’—ዘዳግም 30:19

“ምሳሌ እቲ ታለንት።”

እቲ ቐጺሉ መደረ ዘቕረበ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ ንተኣከብቲ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ታለንት ኣብ ዝነበረና ምርዳእ እተገብረ ምትዕርራይ ኪርድኡ ሓገዞም። (ማቴዎስ 25:14-30) ሕጂ ዘሎና ምርዳእ እዚ እዩ፦ እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ ጐይታ (የሱስ) ንባሮቱ (ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ቅቡኣት ሰዓብቱ) ኣብ መጻኢ ምስ መጸ፡ ናብ ሰማይ ብምትንሳእ ዓስቦም ኪህቦም እዩ። የሱስ ነቲ “እኩይን ሃካይን ባርያ” እንታይ ከም ዜጋጥሞ ኺዛረብ ከሎ፡ ሓያሎ ኻብቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ዘይእሙናት ከም ዚዀኑ ኣይኰነን ዚንበ ነይሩ። የግዳስ፡ ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ፡ ትጉሃት ኪዀኑን ካብ ኣረኣእያን ተግባራትን እቲ እኩይ ባርያ ኺርሕቁን እዩ ዜጠንቅቖም ነይሩ።

ካብዚ ምሳሌ እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ኣብቲ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ ጐይታ ንባሮቱ ኽቡር ነገር ብሕድሪ ሂብዎም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ ኸም ክቡር ገይሩ ዚርእዮ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን መዝነት ብሕድሪ ሂብዎም እዩ። ኵላትና ኹነታትና ኸም ዘፍቀደልና ኣብ ዕዮ ስብከት ብትግሃት ክንካፈል ይጽበየና እዩ። ሓው ሞሪስ ንዅሎም ተኣከብቲ ስለቲ ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ቅንኣት ዝመልኦ ተሳትፎ ነኣዶም።

“ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጥቅዕ መን እዩ፧”

እዚ፡ ፍረ ነገር እቲ ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ብኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጀፍሪ ጃክሰን ዝቐረበ መሳጢ መደረ እዩ። ሓው ጃክሰን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ብጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ገለጸ።—ህዝቅኤል 38:14-23

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ጎግ ንሰይጣን ድያብሎስ፡ ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ ኸም ዜመልክት ኢና ንርዳእ ኔርና። ይኹን እምበር፡ እዚ መግለጺ እዚ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ከም ዜበግስ ሓው ጃክሰን ገለጸ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቲ ጎግ ዚሰዓረሉ ግዜ ኣመልኪቱ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ፦ “ንዅሉ ዓይነት ኣሞራታትን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።” (ህዝቅኤል 39:4) ብዘይካዚ፡ የሆዋ “ንጎግን ንዅሉ ጭፍራኡን” ኣብ ምድሪ፡ መቓብር ከም ዚህቦ ተነበየ። (ህዝቅኤል 39:11) እንተዀነ ግና፡ ከመይ ገይሩ እዩ እዚ ኽልቲኡ ነገራት ንመንፈሳዊ ፍጡር ኬጋጥሞ ዚኽእል፧ ሰይጣን ኪብላዕ ወይ ኪቕበር ዘይኰነስ፡ ን1,000 ዓመት እዩ ኣብ መዓሙቝ ኪእሰር። (ራእይ 20:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት፡ ሰይጣን ካብ መዓሙቝ ኪፍታሕ እሞ፡ “ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ማለት ንጎግን ማጎግን፡ ናብ ውግእ ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኬስሕቶም ኢሉ ኺወጽእ እዩ።” (ራእይ 20:7, 8) ሰይጣን ንባዕሉ ጎግ እንተ ዀይኑ፡ ንጎግ ኬስሕቶ ኸም ዘይክእል ንጹር እዩ።

ሓው ጃክሰን፡ እቲ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ተገሊጹ ዘሎ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ መጻኢ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጥቅዑ ጕጅለ መንግስትታት ከም ዜመልክት ገለጸ። እቲ ብጎግ ዚፍኖ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ብ“ንጉስ ሰሜን” ዚፍኖ መጥቃዕትን ምስቲ ‘ብነገስታት ምድሪ’ ዚፍኖ መጥቃዕትን ሕደ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።—ዳንኤል 11:40, 44, 45፣ ራእይ 17:12-14፣ 19:19

“ንጉስ ሰሜን” ንመን እዩ ዜመልክት፧ ነዚ ንምርኣይ፡ ክንጽበ ጥራይ እዩ ዘሎና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ፍጻመታት እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዘሎና ምርዳእ ብኸመይ እናነጸረ ኸም ዚኸይድ ምርኣይና እምነትና ዜደልድል እዩ። እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ኣየፍርሃናን እዩ፣ ከመይሲ፡ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ኬጥቅዕ ምስ መጸ፡ ኪስዓርን ምሉእ ብምሉእ ኪድምሰስን እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ግና ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። b

መደምደምታ።

ሓው ሳንደርሰን ንእሽቶ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከም ዝወጸት ሓበረ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ ባህርያት ንእተዛረብዎ ቓላት፡ እተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ዜንብብዎ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ይዳሎ ኣሎ። ብመጽሓፍ ማቴዎስ ጀሚሩ፡ እዚ ቕዳሓት እዚ በብተራ ኣብ jw.org ኺኣቱ እዩ።

ሓው ሳንደርሰን፡ እታ ‘የሆዋ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ወድስዎ’ እትብል መዝሙር 106:1፡ ጥቕሲ ዓመት 2015 ከም ዝዀነት ሓበረ። ንዅሎም ተኣከብቲ ድማ በብመዓልቱ ንኼመስግኑ ምኽንያት ዚዀኖም ነገራት ኪደልዩ ኣተባብዖም።

መዕጸዊት መዝሙር እቲ ኣኼባ፡ እታ “የሆዋ እዩ ስምካ” ዘርእስታ ሳልሰይቲ ሓዳስ መዝሙርና እያ ነይራ። ኵላቶም ተኣከብቲ ነዛ ባህ እተብልን ንመዕጸዊ እዚ ታሪኻዊ ኣኼባ እትበቅዕን ሓዳስ መዝሙር ኪዝምሩ ኸለዉ፡ ሸውዓቲኦም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ መድረኽ ምስቶም መዘምራን ሓቢሮም ዘመሩ።

a እዚ መደረን ስዒቡ ዝቐረበ ኽልተ መደረን፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዚወጻ ዓንቀጻት እተመስረተ እዩ ነይሩ።

b እዚ መደረ እዚ፡ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዚወጽእ ዓንቀጽ እተመስረተ እዩ ነይሩ።