ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከቡ ዓይነ ስዉራን ይሕገዙ

ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከቡ ዓይነ ስዉራን ይሕገዙ

ኣብ ገሊአን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዚነብሩ ዓይነ ስዉራን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታታት ዚነብሩ ዓይነ ስዉራን ንዚረኽብዎ ኣጋጣሚታት ኣይረኽብዎን እዮም። ሓድሓደ ግዜ ኻብ ማሕበረ ሰብ ይንጸሉ እዮም፣ እቶም ኪርእዩ ዚኽእሉ ሰባት ተራ ገይሮም ኣብ ዚርእይዎ ንጥፈታት ብድሆታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ዜድልዮም ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም። ንኣብነት፡ ምግቢ ንምዕዳግ ናብ ዕዳጋ ምኻድ፡ ኣውቶቡስ ምስቃል፡ ከምኡ ድማ ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ምክያድ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ብረይል ዜንብቡ ዅላቶም ስለ ዘይኰኑ ድማ ምንባብ ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ብረይል ዜንብቡ እንተ ዀኑ፡ ጽሑፋት ብቛንቋኦም ኪረኽቡ ኣሸጋሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንልዕሊ 100 ዓመት ንዓይነ ስዉራን ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኬዳልዉ ጸኒሖም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ ማላዊ ዚዝረብ ቋንቋ ቺቸዋ ጽሑፋት ብረይል ንምድላው፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጽሑፋት ብረይል ዚሓትምን ዚጥርዝን መሳርሒ ኻብ ነዘርላንድስ ናብ ማላዊ ልኢኾም እዮም።

ሊዮ ጽሑፋት ብረይል ኣብ ምሕታም ተመክሮ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ብራዚል ካብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ማላዊ ኸደ። ሓሙሽተ ሰባት ንዝሓዘት ጕጅለ ድማ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ መሳርሕን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ብረይል ዚጽሕፍ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራምን ኣሰልጢንዎም እዩ። እቲ ፕሮግራም ንጽሑፍ ናብ ናይ ቺቸዋ ብረይል ዚልውጥ እዩ። እቲ ፕሮግራም ከምዚ ምእንቲ ኺገብር፡ እቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ጽሑፍ ፊደላትን ናይ ብረይል ፊደላትን ዝሓዘ ሰሌዳ ብቛንቋ ቺቸዋ ኺዳሎ የድሊ ነበረ። እቲ ፕሮግራም ነቲ ጽሑፍ ናብ ብረይል ይልውጦ፣ ነቲ ሕታም ድማ ዓይነ ስውራን ብቐሊሉ ኼንብብዎ ብዚኽእሉ መገዲ የዳልዎ። ገሊኦም ኣብ ማላዊ ዚነብሩ ብዛዕባ እቲ ናይ ብረይል ሕታማቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ርአ።

ሙንያራድዚ ናይ ገዛእ ርእሳ መደብ ሬድዮ ብምቕራብ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ እትሰርሕ ዓይነ ስዉር መንእሰይ እያ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ወወርሒ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር 70 ሰዓት ተሕልፍ እያ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ቅድሚ ሕጂ፡ ጽሑፋት ብረይል ብእንግሊዝኛ እወስድ ነይረ እየ፣ ሕጂ ብቛንቋ ኣደይ ምስ ረኸብክዎ ግና ብሓቂ ንልበይ ተንኪፍዎ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾተይ፡ ጽሑፋት ብረይል ብቛንቋና ምእንቲ ኽንረክብ ኢሎም ንዝገበርዎ ጻዕርን ዘውጽእዎ ወጻኢታትን ካብ ልቢ እየ ዘማስወሉ። በዚ ድማ፡ ከም ዘይተረሳዕናን ኣብ ኣዒንቶም ክቡራት ከም ዝዀንናን እዩ ተሰሚዑኒ።”

ፍራንሲስ ኣብ ሰሜን ማላዊ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር እዩ። ዓይነ ስዉር ስለ ዝዀነ፡ ቀደም ካልኦት ኬንብቡሉ እዩ ዚጽበ ነይሩ። ብቛንቋ ቺቸዋ እተዳለወ ጽሑፋት ብረይል ንፈለማ እዋን ምስ ተቐበለ ግና፡ “ሕልሚ ድዩ ጋህዲ፧ እዚ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ!” በለ።

ሎይስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ

ሎይስ እውን ዓይነ ስዉርቲ ዀይና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት እያ። ን52 ሰባት ድማ ህይወቶም ናብ ዝሓሸ ኪቕይሩ ሓጊዛቶም እያ። ብኸመይ፧ ተምሃሮኣ እተሓትመ ጽሑፋት ኪጥቀሙ ኸለዉ፡ ንሳ ኸኣ ጽሑፋት ብረይል ተጠቒማ ትምህሮም። እዚ ኽልቲኡ ዓይነት ጽሑፋት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ እዩ።

እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ኻብ ብራዚል ዝኸደ ሊዮ ዝስሙ ኣሰልጣኒ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ሰባት ብቛንቋኦም እተዳለወ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ሕታማት ብረይል ምስ ሃብክዎም ዜርእይዎ ምላሽ ክርኢ ኸለኹ፡ ዓሚቝ ዕግበት እዩ ዚስምዓኒ። ብዙሓት ካባታቶም፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታትን ንዕዮ ስብከትን ባዕላቶም ኪዳለዉ ብምኽኣሎም ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱን ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜመስግንዎን ገሊጾም እዮም። ደጊም ካልኦት ኬንብቡሎም ኣይጽበዩን እዮም። ሕጂ፡ ብሕታዊ መጽናዕቶም ናይ ብሓቂ ብሕታዊ እዩ ዀይኑሎም። ንኣባላት ስድራ ቤቶም ድማ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ ብዝሓሸ መገዲ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኪቐርብዎ ይሕግዞም እዩ።”