ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤስቶንያ ንሓደ “ዓብዪ ዕማም” ኣሞጊሳ

ኤስቶንያ ንሓደ “ዓብዪ ዕማም” ኣሞጊሳ

ብኤስቶንያኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብቲ ኣብ ኤስቶንያ ዚግበር ናይታ ዓመት ስርሓት ቅያ ቋንቋ ዚብሃል ሽልማት ኪወዳደር ብ2014 ተሓጽዩ ነይሩ። ካብ 18 እተሓጽየ ስራሓት ከኣ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ድምጺ፡ ሳልሳይ ወጺኡ።

እዚ ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብ8 ነሓሰ 2014 እዩ ወጺኡ፣ ኣብ ኢንስቲትዩት ቋንቋ ኤስቶንያኛ እትዓዪ ስነ ቛንቈኛ ክሪስቲና ሮስ ድማ እያ ንሽልማት ረቚሓቶ። ንሳ ንትርጉም ሓዳስ ዓለም “ንንባብ ቀሊልን ባህ ዜብልን” ኢላ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ “ንምስራሑ እተገብረ ጻዕሪ፡ ንዓውዲ ትርጉም ኤስቶንያኛ ብዙሕ ኣዕብይዎ እዩ” በለት። ፕሮፌሰር ስነ ጽሑፍን ባህልን ኤስቶንያ ዝዀነ ሬን ቬደማን ከኣ ነዚ ሓድሽ ትርጉም እዚ፡ “ዓብዪ ዕማም” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ።

ብኤስቶንያኛ እተዳለወ ናይ ፈለማ ምሉእ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብ1739 እዩ ተሓቲሙ። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ካልእ ትርጉማት ተሓቲሙ እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ ትርጉም ሓዳስ ዓለም “ዓብዪ ዕማም” ኪኸውን ዝኸኣለ፧

ልክዕነት። ብ1988 እተሓትመ ህቡብ መጽሓፍ ቅዱስ ኤስቶንያኛ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥ (ብሉይ ኪዳን)፡ ንስም ኣምላኽ “Jehoova” (የሆዋ) ኢሉ ልዕሊ 6,800 ምትርጓሙ ዚንኣድ እዩ። a ብኤስቶንያኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከኣ ነዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተወሳኺ እውን ገይሩ እዩ። ንጹር መርትዖ ኣብ ዘለዎ ቦታታት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (ሓድሽ ኪዳን) እውን ነቲ መለኮታዊ ስም ተጠቒሙሉ እዩ።

ንጹርነት። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕን ንምንባቡ ቐሊልን ድዩ፧ ቶማስ ፖል ዚብሃል ሕፉር ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኢስቲ ኪሪክ (ቤተ ክርስትያን ኤስቶንያ) ኣብ እትብሃል ጋዜጣ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም “ነቲ ናብ ጽሩይ ኤስቶንያኛ ንምትርጓም እተገብረ ሸቶ ብርግጽ ወቒዕዎ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እዚ ሸቶ እዚ ንፈለማ ግዜ ኸም እተወቕዐ ኸረጋግጸልኩም እኽእል እየ” በለ።ኤስቶንያውያን ንትርጉም ሓዳስ ዓለም ዝሃብዎ ኣቓልቦ ዜገርም እዩ። ሃገራዊ መደበር ረድዮ ኣብቲ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘተኰረ ናይ 40 ደቒቕ መደብ ኣቕሪቡ እዩ። ኣቕሽሽትን ኣብያተ ክርስትያን ዜዘውትሩ ምእመናንን ቅዳሓት እዚ ትርጉም እዚ ኪውሃቦም ሓቲቶም እዮም። ኣብ ታሊን ዚርከብ ሓደ ብሉጽ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ሓደ ኻብ ክፍልታቱ ንምጥቃም፡ 20 ቅዳሕ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኪውሃቦ ሓቲቱ እዩ። ኤስቶንያውያን መጻሕፍቲ ይፈትዉ እዮም፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ መጽሓፍ ብልክዕን ብንጹርን ትርጉም ምድላዎም የሐጕሶም እዩ።

ትርጉም ኤስቶንያኛ የንብቡ

a ኣብ ዩኑቨርሲቲ ታርቱ ኣቦ መንበር መጽናዕቲ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ኣይን ሪስታን፡ ኤስቶንያውያን ንመለኮታዊ ስም ከመይ ገይሮም “Jehoova” (ጀሆቫ) ኢሎም ኬድምጽዎ ኸም ዝጀመሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ “እታ Jehoova እትብል ቃል ንግዜና ግብእቲ ይመስለኒ። . . . ኣመጻጽኣኣ ብዘየገድስ፡ ንሓያሎ ወለዶታት ኣገዳስን ዓሚቝን ትርጉም ሒዛ ጸኒሓ እያ፣ Jehoova [የሆዋ] ስም እቲ ንደቂ ሰብ ኪብጀዎም ኢሉ ወዱ ዝለኣኸ ኣምላኽ እዩ” በለ።