ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ እሱራት ተማህረ

ካብ እሱራት ተማህረ

 ብ2011 ሓደ ሰብኣይ ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ ናብ ኖርወይ ከደ። ኣብኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኸብዎ፡ ኣብ ዓዱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቡ ኸም ዝነበረ ሓበሮም። ኣባል ሰራዊት ከሎ፡ ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸቢድ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ክነሶም ኣብ ውትህድርና ምእታው ኪኣብዩ ኸም ዝረኣየ ነገሮም።

 ብዘይተሓስበ ነገር ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ካብ 1994 ኣትሒዞም ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ ጳውሎስ እያሱን ነገደ ተኽለማርያምን ይስሃቅ ሞገስን ምስ ዚብሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ።

 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ዚምህርዎ ዀይኖም ኸም ዚመላለሱ ብዓይኑ ረኣየ። ንቕንዕናኦም ኣስተብሃለሉ፡ ንኻልኦት እሱራት ምግቢ ኸም ዜካፍልዎም እውን ረኣየ። ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብቡን ንኻልኦት ምሳታቶም ኪሓብሩ ኸም ዚዕድምዎምን ተዓዘበ። እምነቶም ከም ዝሓደጉ ኣብ ዚገልጽ ሰነድ ብምፍራም ኪፍትሑ ኸም ዚኽእሉ እኳ ምስ ተሓበሩ፡ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ረኣየ።

 እዚ ኸኣ ነዚ ቕኑዕ ዝልቡ ሰብኣይ፡ ዓሚቝ ጦብላሕታ ሓደገሉ፣ ናብ ኖርወይ ምስ ገዓዘ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶም ኪፈልጥ ደለየ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጽዎ፡ ብኡብኡ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ኣብ ኣኼባታቶም ኪእከብን ጀመረ።

 ኣብ መስከረም 2018 ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ። ሕጂ ኸኣ ዝረኸቦ ዘበለ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኻብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ንዝኸዱ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ድልድልቲ እምነት ኬማዕብሉን የተባብዖም ኣሎ።