ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሎት ሓንቲ ዓይነ ስዉር ተመሊሱ

ጸሎት ሓንቲ ዓይነ ስዉር ተመሊሱ

 ኣብ እስያ እትነብር ያንሜ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ሚንጅያ ዝስማ ዓይነ ስዉር፡ መገዲ ኸተሳግራ ትደሊ እንተ ዀይና ሓተተታ። a ሽዑ ሚንጅያ፡ “ሕራይ ኣምላኽ ይባርኽኪ” በለታ። ድሕሪኡ፡ ያንሜ ንሚንጅያ፡ ተራኺበን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጣ ትደሊ እንተ ደኣ ዀይና ሓተተታ። ሚንጅያ ጸኒሓ ኸም ዝገለጸቶ፡ ኣምላኽ ናብታ ናይ ሓቂ ጉባኤኡ ምእንቲ ኺመርሓ መዓልቲ መዓልቲ ትጽሊ ነይራ እያ። ስለምንታይ እያ ኸምኡ ኢላ ትጽሊ ነይራ፧

 ሚንጅያ ብ2008 መሓዛኣ ዓይነ ስዉር ኣብ ቤተ ክርስትያን ስንኩላት ክትካፈል ዓዲማታ ኸም ዝነበረት ገለጸት። ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣስተምህሮ ምስ ሰምዓቶ፡ ነቲ ቐሺ፡ ካበየናይ መጽሓፍ ይጠቅስ ከም ዝነበረ ሓተተቶ። እቲ ቐሺ ድማ ካብቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጠቐሰ ነገራ። ሚንጅያ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ኣዝያ ተሃንጠየት። ብብረይል እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ቻይንኛ ምስ ረኸበት፡ ነቲ 32 ጥራዝ ዳርጋ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣንቢባ ወድኣቶ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ዝኸደቶ ቤተ ክርስትያን ብኣስተምህሮ ዚቐርብ ዝነበረ ሰረተ እምነት ስላሴ ናይ ሓሶት ምዃኑ፡ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ፡ ስሙ ድማ የሆዋ ምዃኑ ፈለጠት።

 ድሕሪ ግዜ፡ ሚንጅያ ኣባላት እቶም ቤተ ክርስትያን ብዜርእይዎ ዝነበሩ ባህርይ ተስፋ ቘረጸት። ኣካይዳኦም ምስቲ ተንብቦ ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሰማማዕ ተገንዘበት። ንኣብነት፡ ንዅሉ ሰብ ሓድሽ ምግቢ፡ ንዓይነ ስዉራን ግና ተረፍ መረፍ ይህብዎም ነበሩ። ሚንጅያ በቲ ኣድልዎ እቲ ስለ ዝጓሃየት፡ ኣብ ከባቢኣ ኻልእ ቤተ ክርስትያን ከተናዲ ጀመረት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እያ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትረክብ እትጽሊ ዝነበረት።

 ሚንጅያ በቲ ያንሜ ዘርኣየታ ለውሃት ስለ እተተንከየት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ሓተተታ፡ ፍቓደኛ ዀነት። ጸኒሓ ኸኣ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፈለት። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ነታ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ፈጺመ ኣይርስዓን እየ፡ ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘቕረቡለይ ምዉቕ ሰላምታ ኣዝዩ እዩ ተንክዩኒ። ዓይነ ስዉር እኳ እንተ ዀንኩ ኣድልዎ ዘይብላ ፍቕሪ ርእየ እየ።”

 ሚንጅያ ጽቡቕ ዕቤት ገይራ፡ ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ክትካፈል ጀመረት። ብፍላይ ከኣ፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዝማር ባህ እዩ ዚብላ ነይሩ። መጽሓፍ መዝሙር በቲ ኸተንብቦ እትኽእል ቋንቋ ብረይል ስለ ዘይተዳለወ ግና፡ ምዝማር የጸግማ እዩ ነይሩ። ብሓገዝ ጉባኤ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ቛንቋ መዝሙር ኣዳለወት። ኵሉ እቲ 151 መዝሙራት ናብ ብረይል ክትግልብጦ፡ 22 ሰዓት እዩ ወሲዱላ። ኣብ ሚያዝያ 2018 ብስሩዕ ክትሰብኽ ጀመረት፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ወወርሒ 30 ሰዓት ኣብ ስብከት ተሕልፍ ነበረት።

ንመጽሓፍ ናብ ብረይል ምግልባጥ ኣድካሚ ዕዮ እዩ

 ሚንጅያ ንጥምቀት ምእንቲ ኽትዳሎ፡ ያንሜ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ንዘሎ ሕቶታትን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ብኣውድዮ ቐዲሓ ኣዳለወትላ። ሚንጅያ ኣብ ሓምለ 2018 ተጠምቀት። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ዘርኣዩኒ ፍቕሪ ተንክዩኒ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ክፍሊ ናይ ሓቂ ጉባኤ ኣምላኽ ብምዃነይ ንብዓት ስዒሩኒ እዩ።” (ዮሃንስ 13:34, 35) ሚንጅያ፡ ከምቲ ኻልኦት ፍቕሪ ዘርኣይዋ፡ ንሳ እውን ንኻልኦት ፍቕሪ ኸተርኢ ስለ ዝቘረጸት፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይና ተገልግል ኣላ።

a ስማት ተቐይሩ እዩ።