ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብል

ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብል

ጸገም

ንስኻን መጻምድትኻን ክትቋየቑ ኸለኹም፡ መብዛሕትኡ እዋን ንዝሓለፈ፡ ማለት ነቲ ኻብ ዚድቅስ ነዊሕ ዝገበረ ሓያሎ ጕዳያት እንደገና ተተንስእዎ ትዀኑ። እንታይ እዩ እቲ ጸገም፧ ክልቴኹም ወይ ከኣ ሓዴኹም፡ ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብሉ ኣይትፈልጡን ትዀኑ።

ይኹን እምበር፡ ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብሉ ኽትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም። ፈለማ ግና፡ ሰብኣይን ሰበይትን ይቕረ ምባል ኪኸብዶም ዚኽእል ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ጽልዋ ንምሕዳር። ገሊኦም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ገለ እዋን ባእሲ እንተ ተላዒሉ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ተጠቒሞም ንመጻምድቶም ጽልዋ ምእንቲ ኼሕድሩሉ ወይ ምእንቲ ኺዕብልልዎ፡ ይቕረ ኻብ ምባል ዓዲ ይውዕሉ።

ቂምታ። እቲ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዘጋጠመ ቘየቛ እተፈጥረ በሰላ፡ ክሳዕ ዚሓዊ ግዜ ኺወስድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ፡ ‘ይቕረ ኢለልካ እየ’ እኳ እንተ በለ፡ ገና ግና ተቐይሙ፡ ምናልባት እውን ሕነ ኺፈዲ ይደሊ ይኸውን።

ጓሂ። ገሊኦም ሰባት፡ ሓዳር ኪገብሩ ኸለዉ፡ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጸገም ተሓጒሶም ዚነብሩ ይመስሎም። ስለዚ፡ ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከሎ፡ እቲ “ፍጹም መጻምድቲ” ኢሎም ዝሓሰብዎ ሰብ ንነገራት ብኻልእ ዓይኒ ኺርእዮ ኸሎ ስለ ዜጕህዮም፡ ንጸገም ካብ ምፍታሕ ዕጭ ይሕንፍፉ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት፡ ጌጋታት ንምእራይ ህርድግ ከም ዚብል፡ ይቕረ ንምባል ከኣ ዕጥይጥይ ከም ዚብል ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

ግጉይ ምርዳእ። ብዙሓት መጻምድቲ፡ ትርጕም ይቕረ ምባል ስለ ዘይተረድኦም፡ ይቕረ ኻብ ምባል ዓዲ ይውዕሉ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም፦

ይቕረ እንተ ኢለ፡ ነቲ ጌጋ ኣቃሊለዮ ማለት እዩ።

ይቕረ እንተ ኢለ፡ ነቲ ዘጋጠመ ኽርስዖ ኣሎኒ ማለት እዩ።

ይቕረ እንተ ኢለ፡ ባዕለይ ካልእ ጕድኣት እዕድም ኣለኹ ማለት እዩ።

ከም ሓቂ ግና፡ ይቕረ ምባል ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ትርጕም ኣይኰነን ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ ይቕረ ምባል፡ ብሕልፊ ኣብ ከም ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ዓይነት ጥብቂ ርክብ፡ ኣመና ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ይቕረ ምባል እንታይ ከም ዜጠቓልል ፍለጥ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ይቕረ ምባል” እትብል ሓረግ፡ ሓድሓደ ግዜ “ምሕዳግ” ማለት እያ። ስለዚ፡ ይቕረ ምባል ኪብሃል ከሎ፡ ወትሩ ነቲ ዘጋጠመ ትርስዖ ወይ ኣትሒትካ ትርእዮ ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ጕዳይ፡ ምእንቲ ርእስኻን ምእንቲ ሓዳርካን ኢልካ ትሓድጎ ማለት እዩ።

ይቕረ ዘይምባል ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን ፍለጥ። ገሊኦም ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ ቂም ምሓዝ፡ እቲ ኣብ ሓዳር ዜውርዶ ጕድኣት ከም ዘሎ ዀይኑ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ጸገማት፡ እንተላይ ጭንቀትን ልዑል ጸቕጢ ደምን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ” ዚብል።—ኤፌሶን 4:32

ይቕረ ምባል ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ፍለጥ። ይቕረ ምባል ንዓኻን ንመጻምድትኻን፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ንኸይትረኣኣዩን ኣረይቲ ጌጋታት ንኸይትዀኑን ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ቂም ከም ዘይትሕዙን ፍቕርኹም ከም እትዓብን ኪገብር እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 3:13

ሚዛናዊ ኹን። ኣብ ጕድለታት መጻምድትኻ ዘይተተኵር እንተ ዄንካ፡ ይቕረ ንምባል ቀሊል ኪዀነልካ እዩ። ፋይቲንግ ፎር ዮር ሜሪጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብቲ ዘይብልካ ነገራት ተተኵር እንተ ዄንካ፡ ነቲ ዘሎካ ነገራት ብቐሊሉ ኢኻ እትርስዖ” በለት። እታ መጽሓፍ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እሞኸ ኣበየናይ ኢኻ ኸተተኵር፧” ኢላ ሓተተት። ንዓኻ እውን ሓዊሱ፡ ፍጹም ሰብ ከም ዘየለ ኣይትረስዕ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 3:2

ርትዓዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። መጻምድትኻ ዝበሎ ወይ ዝገበሮ ነገር ኬጕህየካ ኸሎ፡ ‘እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧ መጻምድተይ ይቕረታ ኺሓትተኒ እደሊ ድየ ወይስ ክሓድጎ እኽእል እየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 4:8

ኣገዳሲ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ጕዳይ ተዘራረቡሉ። ህድእ ኢልካ ነቲ ዘጕሃየካ ነገርን ስለምንታይ ከም ዘጕሃየካን ተዛረብ። ንመጻምድትኻ ኽትከስሶ ወይ ከኣ ከምቲ ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ኢልካ ድርቕ ክትብል ኣይትፈትን፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መጻምድትኻ ንርእሱ ኺከላኸለላ እዩ ዚጽዕር። ስለዚ፡ ተግባር መጻምድትኻ ብኸመይ ከም ዝጸለወካ ጥራይ ግለጽ።