ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሃይማኖታት ይጻወርወን ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሃይማኖታት ይጻወርወን ድዮም፧

 ሰባት ዚኣምኑሉ ሃይማኖት ብዘየገድስ፡ ነቲ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕብ ኢና እንጽዕር። (1 ጴጥሮስ 2:17) ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ብዝሕና ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸር እኳ እንተ ዀነ፡ ፖለቲከኛታት ወይ ሓገግቲ ሕጊ ንኻልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ቀይድታት ኪገብሩሎም ወይ ኪእግድዎም ጸቕጢ ኣይንገብረሎምን ኢና። ብዘይካዚ፡ ማሕበረሰብ ነቲ ናትና ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን ስርዓት ኪስዕብ ዜገድድ ሕጊ ምእንቲ ኺወጽእ ወፈራ ኣይንገብርን ኢና። የግዳስ፡ ከምቲ ኻልኦት ተጻዋርነት ዜርእዩና፡ ንሕና እውን ከምኡ ንገብር ኢና።—ማቴዎስ 7:12