ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዮናታን

‘ንየሆዋ ኺዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን’

‘ንየሆዋ ኺዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን’

 ኣኻውሕ ኣብ ዝመልኦ ምድሪ ኣጻምእ ኪሕልዉ ዝሰፈሩ ጭፍራ ተዋጋእቲ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እቶም ኣብኡ ዝሰፈሩ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ሓደ ዘገረሞም ነገር ረኣዩ፦ ክልተ እስራኤላውያን ሰብኡት ኣብ ስግር እቲ ስንጭሮ ደው ኢሎም ረኣዩ። እቶም ተዋጋእቲ በዚ ሰሓቑ፣ ስግኣት ዚብሃል ኣይተሰምዖምን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እስራኤላውያን ናውቲ ማሕረሶም ንምትባዕ ናብቶም ጸላእቶም ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምኻድ ወጻኢ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤላውያን ይቈጻጸርዎም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ተዋጋእቲ እስራኤል እኹል ዕጥቂ ኣይነበሮምን። ብተወሳኺ፡ እቶም ብማዕዶ እተራእዩ ኽልተ ሰብኡት ጥራይ እዮም ነይሮም። ዋላ እውን ዕጡቓት ተዋጋእቲ እንተ ዚዀኑ፡ እንታይ ጕድኣት እዮም እሞ ኼብጽሑ፧ ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን፡ “ናባና ደይቡ እሞ፡ ከነርእየኩም ኢና” ኢሎም ኣናሸውዎም።—1 ሳሙኤል 13:19-23፣ 14:11, 12

 ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ክልተ እስራኤላውያን እዮም ነቶም ፍልስጥኤማውያን ኣርእዮምዎም። እወ፡ እቶም ክልተ እስራኤላውያን ናብቲ ስንጭሮ ንቝልቍል ጐየዩ፡ ነቲ ስንጭሮ ሰገርዎ፡ ብስግሩ ድማ ኪሓዅሩ ጀመሩ። ኣዝዩ ጸዳፍ ስለ ዝነበረ፡ ብኣእዳዎምን ብኣእጋሮምን ኪሓዅሩ ነይርዎም፣ ኰይኑ ግና፡ ብኣኻውሕ እናሓዀሩ ናብቶም ጭፍራ ገጾም ቀረቡ! (1 ሳሙኤል 14:13) እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ እቲ ቕድሚት ዘሎ ሰብኣይ ዕጡቕ ምዃኑ፡ ተሰካም ኣጽዋሩ እውን ይስዕቦ ኸም ዘሎ ኽርእዩ ኸኣሉ። ይኹን እምበር፡ ምስ ካልኣዩ ዀይኑ ንብዘሎ ጭፍራ ተዋጋእቲ ድዩ ኼጥቅዕ፧ እዚ ሰብኣይ እዝስ ጽሉል ድዩ፧

 ጽሉል ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ዓባይ እምነት ነይራቶ እያ። ስሙ ዮናታን ይብሃል፣ ታሪኹ ድማ ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚጠቅም ትምህርቲ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ስጋዊ ውግእ ዘይንሳተፍ እኳ እንተ ዀንና፡ ናይ ሓቂ እምነት ንምህናጽ ብዛዕባ ዜድልየና ትብዓትን ተኣማንነትን ኣብ ርእሲ ዘይምትኳርን ካብ ዮናታን ብዙሕ ንምሃር ኢና።—ኢሳይያስ 2:4፣ ማቴዎስ 26:51, 52

እሙን ውሉድን ተባዕ ተዋጋእን

 ዮናታን ነቶም ጭፍራ ኼጥቅዖም ጠኒኑ ዝኸደሉ ምኽንያት ምእንቲ ኺርድኣና፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኡ ኽንፈልጥ ኣሎና። ዮናታን በዅሪ ወዲ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል እዩ። ሳኦል ንጉስ ኪኸውን ኪቕባእ ከሎ፡ ዮናታን ምናልባት ኣብ 20ታት ዓመት ዕድሚኡ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ዮናታን ምስ ኣቦኡ ኣጸቢቑ ዚቀራረብ ዝነበረ እዩ ዚመስል፣ ኣቦኡ እውን ብዙሕ ሳዕ ንዕኡ የማኽሮ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮናታን ንኣቦኡ ኸም ሓደ ነዊሕን ጽቡቕን ተባዕ ተዋጋኢ ገይሩ ጥራይ ኣይኰነን ዚፈልጦ ነይሩ፣ የግዳስ፡ ነቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ባህርያቱ፡ ማለት ንእምነቱን ንትሕትናኡን ይርእዮ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ የሆዋ ንሳኦል ኪነግስ ከም ዝሓረዮ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። ነብዪ ሳሙኤል እውን እንተ ዀነ፡ ከም ሳኦል ዝበለ ኣብታ ምድሪ ኸም ዘየልቦ መስኪሩ ነይሩ እዩ።—1 ሳሙኤል 9:1, 2, 21፣ 10:20-24፣ 20:2

 ዮናታን ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኣቦኡ ዀይኑ ምስ ጸላእቲ ህዝቢ የሆዋ ኺዋጋእ ምኽኣሉ ኸም ክብሪ ገይሩ ይርእዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሽዑ ዚግበር ዝነበረ ውግእ፡ ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ብሃገራዊ ስምዒት ዚጐሃሃር ግጭት ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ኪውክልዎ ሓርይዎም ነይሩ እዩ፣ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ኣህዛብ ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍንዉ ነይሮም እዮም። እቶም ከም ዳጎን ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ዜምልኹ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ነቶም ሕሩያት ህዝቢ የሆዋ ንምጭቋን ወይ ንምጥፋእ ብዙሕ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም።

 ስለዚ፡ ከም ዮናታን ዝኣመሰሉ ሰብኡት ኣብ ውግእ ኪዋግኡ ኸለዉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እዮም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ነይሮም። የሆዋ ድማ ንጻዕርታት ዮናታን ባሪኽዎ እዩ። ሳኦል ድሕሪ ምንጋሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንወዱ ኣብ ልዕሊ 1,000 ተዋጋእቲ ሓለቓ ገይሩ ሸይምዎ እዩ፣ ዮናታን ከኣ ኣብቲ ኣብ ጌባዕ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን መጥቃዕቲ ፈነወ። እቶም ተዋጋእቱ ጽቡቕ ዕጥቂ እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ዮናታን ተዓወተ። ከም ምላሹ ግና፡ ፍልስጥኤማውያን ዓብዪ ሰራዊት ኣኪቦም መጹ። ብዙሓት ካብ ተዋጋእቲ ሳኦል ከኣ ተሸበሩ። ገሊኦም ድማ ሃዲሞም ተሓብኡ፣ ገሊኦም ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ምስ ፍልስጥኤማውያን ወገኑ! ትብዓት ዮናታን ግና ኣይሃሰሰን።—1 ሳሙኤል 13:2-7፣ 14:21

 ኣብታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት መዓልቲ፡ ዮናታን ምስ ተሰካም ኣጽዋሩ መሊቑ ኪኸይድ ወሰነ። ናብቲ ኣብ ሚኽማሽ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ምስ ቀረቡ፡ ዮናታን ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ እንታይ ከም ዝሓሰበ ነገሮ። ነቶም ፍልስጥኤማውያን ተዋጋእቲ ኺርኣይዎም ከም ዝሓሰበ ሓበሮ። ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ‘ናባና ደይቡ’ እንተ ኢሎምዎም፡ እዚ ነገር እዚ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኺሕግዞም ምልክት ከም ዚዀኖም ነገሮ። እቲ ተሰካሚ ኣጽዋሩ ኸኣ ምስቲ ሓሳቡ ተሰማምዐ፣ ከምኡ ንምውሳን ድማ ምናልባት እቲ፡ “የሆዋ ብብዙሓት ኰነ ብሒደት ካብ ምድሓን ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር ስለ ዘየልቦ” ዚብል ሓያል ቃላት ዮናታን ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 14:6-10) ዮናታን እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

 ዮናታን ንኣምላኹ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ካባታቶም ኣዝዩ ንዚበዝሕ ሰራዊት ኪስዕሩ ኸም ዝሓገዞም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ የሆዋ ብሓደ ሰብ ኣቢሉ ዓወት ይህብ ነይሩ እዩ። (መሳፍንቲ 3:31፣ 4:1-23፣ 16:23-30) ስለዚ፡ ብዝሒ ወይ ኣጽዋር ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዘየገድስ፡ የግዳስ እምነቶም ከም ዜገድስ ዮናታን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብእምነት ከኣ ንሱ ምስ ተሰካም ኣጽዋሩ ዀይኑ ኣብቲ ጭፍራ መጥቃዕቲ ንምፍናው፡ ነቲ ውሳነ ኣብ ኢድ የሆዋ ገደፎ፣ እወ፡ የሆዋ ስምረቱ ኼርእየሉ ዚኽእል ምልክት ሓረየ። ስምረት የሆዋ ምስ ረኸበ ኸኣ፡ ከይፈርሀ ንቕድሚት ጠነነ።

 ኣብ እምነት ዮናታን ክልተ ነገር ከም እተራእየ ነስተብህል። ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ኣምላኹ ዓብዪ ኣኽብሮት ነይርዎ እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ኣብ ብርታዐ ሰብ ከም ዘይምርኰስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዜገልግልዎ እሙናት ሰባት ደስ ኢልዎ ይባርኾም እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ካልኣይ፡ ዮናታን ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዱ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዝረኸበ መረጋገጺ ደልዩ እዩ። ሎሚ፡ ኣምላኽ ንሓደ ተግባርና ኸም ዚሰምሮ ንምርግጋጽ፡ ልዕለ ባህርያዊ ምልክት ክንረክብ ኣይንጽበን ኢና። ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ብምሉኡ ቓል ኣምላኽ ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምስትውዓል ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እሞኸ ኣገዳሲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ንውከስ ዲና፧ ከምኡ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንሕና እውን ከም ዮናታን፡ ካብ ፍቓድና ንላዕሊ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዜገድሰና ነርኢ ኢና።

 ስለዚ፡ እቶም ክልተ ሰብኡት፡ ማለት እቲ ተዋጋእን እቲ ተሰካም ኣጽዋሩን ናብቶም ጭፍራ ተዋጋእቲ እናጠነኑ በቲ ጸድፊ ሓዀሩ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ኣብ መወዳእታኡ መጥቃዕቲ ይፍኖ ኸም ዘሎ ምስ ተረድኦም፡ ነቶም ክልተ ወረርቲ ዚዋግእዎም ሰባት ሰደዱ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ብብዝሖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝበረኸ ቦታ ብምንባሮም እውን ሓለፋ ነይርዎም እዩ፣ ስለዚ፡ ነቶም ክልተ ሰብኡት ብቐሊሉ ኼቃብጽዎም ምኸኣሉ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ዮናታን ነቶም ተዋጋእቲ በብተራ ኺወቕዖም ጀመረ። እቲ ደድሕሪኡ ዚስዕቦ ተሰካም ኣጽዋሩ እውን ይቐትሎም ነበረ። ኣብ ሓጺር ርሕቀት፡ እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኦም 20 ተዋጋእቲ ጸላኢ ቐተሉ። የሆዋ ኸኣ ተወሳኺ ነገር ገበረ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ሽዑ፡ ኣብቲ ሰፈር መሮርን ኣብ ኵሎም እቶም ሰብ ጭፍራን ሽበራ ሰፈነ፣ እቶም ወረርቲ እውን ከይተረፉ ተሸበሩ። ምድሪ ድማ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣምላኽ ከኣ ሽበራ ሰደደ።”—1 ሳሙኤል 14:15

ዮናታን ምስ ካልኣዩ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ዕጡቓት ፍልስጥኤማውያን መጥቃዕቲ ፈንዩ እዩ

 ሳኦልን ሰቡን ከኣ ብማዕዶ ዀይኖም እቲ ስምባድ ኣብ መንጎ እቶም ንሓድሕዶም ኪጣፍኡ ዝጀመሩ ፍልስጥኤማውያን ናብ ኵሉ ኼስፋሕፍሕ ረኣይዎ። (1 ሳሙኤል 14:16, 20) እቶም እስራኤላውያን ከኣ በዚ ተተባቢዖም መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ምናልባት እውን ንኣጽዋር እቶም ዝወደቑ ፍልስጥኤማውያን ተጠቒሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ በታ መዓልቲ እቲኣ ንህዝቡ ዓብዪ ዓወት ሃቦ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኣይተለወጠን። ከም ዮናታንን እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ተሰካም ኣጽዋሩን ብየሆዋ እንተ ኣሚንና፡ ብምርጫና ኣይክንጠዓስን ኢና።—ሚልክያስ 3:6፣ ሮሜ 10:11

“ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ዓይዩ እዩ”

 ሳኦል ግና ኣብቲ ዮናታን ዓወት ዝጨበጠሉ እዋን ኣሳልጦ ስኢኑ እዩ። ከመይሲ፡ እተወሰነ ዓብዪ ጌጋታት ገይሩ እዩ። ብቐዳምነት፡ እቲ ብየሆዋ እተሸመ ነብዪን ሌዋውን ዝነበረ ሳሙኤል ኬቕርቦ ዚግብኦ መስዋእቲ ብምቕራብ፡ ትእዛዝ የሆዋ ኣፍሪሱ እዩ። ሳሙኤል ምስ መጸ ኸኣ፡ ብሰንኪ እዚ ዘይተኣዛዝነቱ፡ መንግስቱ ኸም ዘይትጸንዕ ነገሮ። ድሕሪኡ፡ ሳኦል ንሰቡ ናብ ውግእ ኪሰድዶም ከሎ፡ “ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን” ኢሉ ሕማቕ ማሕላ ኣምሓሎም።—1 ሳሙኤል 13:10-14፣ 14:24

 እዚ ቓላት ሳኦል እዚ፡ ናብ ሕማቕ ኣንፈት የብል ከም ዝነበረ ይሕብር እዩ። እቲ ትሑትን መንፈሳውን ዝነበረ ሰብኣይ ህርፋን ስልጣን ኬሕድርን ብርእሱ ኺምካሕን ይጅምር ድዩ ነይሩ፧ የሆዋ ኣብቶም ተባዓትን ትጉሃትን ተዋጋእቲ ኸምዚ ዝበለ ዘይሚዛናዊ ቐይዲ ኺግበር መምርሒ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ “ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ” ኢሉ ብምዝራብ ‘ኣነ’ ኣብ ዚብል ምትኳሩ፡ እዚ ውግእ እዚ ብዛዕባ ርእሱ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ምንባሩ ዚሕብር ድዩ፧ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ ሕነን ክብርን ዓወትን ሳኦል ዘይኰነስ፡ ፍትሒ የሆዋ ምዃኑስ ረሲዕዎ ድዩ፧

 ዮናታን ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ዘምሓሎም ማሕላ ኣይፈለጠን። በቲ ውግእ ምስ ደኸመ ኸኣ፡ በትሩ ኣብ ጎጎ መዓር ጠሚዑ በልዐ፣ ብኡብኡ እውን ብርታዐ ረኸበ። ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ዘምሓሎም ማሕላ ነገሮ። ዮናታን ድማ፡ “ኣቦይ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ጭንቂ ኣምጺኡ ኣሎ። ካብዚ መዓር ሒደት ስለ ዝጠዓምኩ፡ ኣዒንተይ ከመይ ከም ዝበርሃ ርኣዩ። እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብቲ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዚበልዕ ደኣ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ! ሽዑስ ብዙሓት ፍልስጥኤማውያን ምተቐትሉ ነይሮም” ኢሉ መለሰ። (1 ሳሙኤል 14:25-30) ሓቁ እዩ ነይሩ። ዮናታን እሙን ውሉድ እዩ ነይሩ፣ ንኣቦኡ ዝነበሮ ተኣማንነት ግና ዕሙት ኣይነበረን። ምስ ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ወይ ዝበሎ ግድን ይሰማማዕ ኣይነበረን፣ እዚ ሚዛናዊ ኣረኣእያኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣኽብሮት ከም ዚረክብ ገይርዎ እዩ።

 ሳኦል ድማ፡ ዮናታን ነቲ እገዳ ኸም ዝጠሓሰ ፈለጠ፣ እንተዀነ ግና፡ እቲ ዝሃቦ ትእዛዝ ዕሽነት ምንባሩ ኣይኣመንን። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ወዱ ኺመውት ከም ዘለዎ ኣመነ! ሽዑ፡ ዮናታን ኣይተኸራኸረን ወይ ምሕረት ኪግበረሉ ኣይለመነን። እቲ ምላሹ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ርእሱ ኸይዓጀቦ፡ “እነኹ፡ ክመውት ድሉው እየ” ኢሉ መለሰ። እቶም እስራኤላውያን ግና፡ “እቲ ናብ እስራኤል እዚ ዓብዪ ዓወት እዚ ዘምጽአ ዮናታንዶ ኺመውት እዩ፧ እዝስ ዘይሕሰብ እዩ! ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ዓይዩ እዩ” ኢሎም ተዛረቡ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ንሳኦል ሕራይ ኣበልዎ። እቲ ዛንታ ቐጺሉ፡ “በዚ ኸምዚ፡ እቶም ህዝቢ ንዮናታን ከይመውት ኣናገፍዎ” ይብል—1 ሳሙኤል 14:43-45

“እነኹ፡ ክመውት ድሉው እየ”

 ዮናታን ተባዕን ትጉህን ኣብ ርእሱ ዘየተኵርን ብምንባሩ፡ ኣብ ሰባት ጽቡቕ ስም ረኺቡ እዩ። ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ፡ ስሙ ኣድሒንዎ እዩ። ንሕና እውን መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ዓይነት ስም ነጥሪ ኸም ዘለና ኽንሓስበሉ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽቡቕ ስም ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ይሕብረና እዩ። (መክብብ 7:1) ከም ዮናታን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ኪህልወና ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ስምና ኸም ብዙሕ ሃብቲ ኪዀነልና እዩ።

ምስፍሕፋሕ ጸልማት

 ሳኦል ጌጋታት ይገብር እኳ እንተ ነበረ፡ ዮናታን ግና ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ይቃለስ ነበረ። ኣቦኡ ናይ ዘይተኣዛዝነትን ናይ ትዕቢትን መንፈስ ኬማዕብል ከሎ፡ ዮናታን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓዘነ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣቦኡ ብጸልማት ይውሓጥ እዩ ነይሩ፣ ዮናታን ከኣ ነዚ ደው ንምባል ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ።

 የሆዋ ንሳኦል ምስ ኣማሌቃውያን ኪዋጋእ ምስ ኣዘዞ፡ እቲ ጸገም ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጽሐ። ብዘመን ሙሴ ዝነበሩ ኣማሌቃውያን ኣብ እከይ ዝጠሓሉ ብምንባሮም፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ኸም ዜጥፍኦም ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 17:14) ሳኦል ከኣ ንዅለን ማሎምን ነቲ ኣጋግ ዝስሙ ንጉሶምን ኬጥፍእ ተነግሮ። ኣብቲ ውግእ፡ ሳኦል ተዓወተ፣ ብዘይ ጥርጥር ድማ ዮናታን ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኣቦኡ ብትብዓት ይዋጋእ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ሳኦል ንኣጋግን ንዝረኸብዎ ሃብትን ነተን ማልን ብምንሓፍ፡ ብንቕጽና ትእዛዝ የሆዋ ጠሓሰ። ሽዑ፡ ነብዪ ሳሙኤል፡ “ቃል የሆዋ ስለ ዝነዓቕካ፡ ንሱ ድማ ንጉስ ከይትኸውን ንዒቑካ ኣሎ” ብምባል፡ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ውሳነ ገለጸ።—1 ሳሙኤል 15:2, 3, 9, 10, 23

 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ኻብ ሳኦል መንፈስ ቅዱሱ ኣርሓቐ። እቲ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚገብረሉ ዝነበረ ጽልዋ ምስ ኣልገሰ ድማ፡ ሳኦል ጠባዩ ብዙሕ ኪለዋወጥን ኣመና ኪቝጣዕን ብዙሕ ኪፈርህን ጀመረ። ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ሕማቕ መንፈስ፡ ነቲ ጽቡቕ መንፈስ ከም ዝተክኦ እዩ ዚመስል ነይሩ። (1 ሳሙኤል 16:14፣ 18:10-12) ዮናታን ነቲ ሕፉር ዝነበረ ኣቦኡ ኣመና ተለዊጡ ምስ ረኣዮስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ካብ ምግልጋል ፈልከት ኣይበለን። ብእተኻእሎ መጠን ንኣቦኡ ይድግፎ ነይሩ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ብግሁድ ይዛረቦ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣትኵሮኡ ወትሩ ኣብቲ ዘይልወጥ ኣምላኹን ኣቦኡን ዝዀነ የሆዋ እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 19:4, 5

 እትፈትዎ ሰብ፡ ምናልባት እውን ናይ ቀረባ ኣባል ስድራ ቤትካ ሕማቕ ለውጢ ኺገብር ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እዚ ኣዝዩ ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዮናታን ዝሓደጎ ኣብነት ነቲ ሓደ ዘማሪ ጸኒሑ፡ “ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ የሆዋ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ ዝጸሓፎ እዩ ዜዘኻኽረና። (መዝሙር 27:10) የሆዋ እሙን እዩ። ዘይፍጹማት ሰባት እኳ እንተ ኣጕሃዩኻ፡ ንሱ ግና ኪእርንበካን ብሉጽ ኣቦ ኪዀነካን እዩ።

 የሆዋ ነቲ ንግስና ኻብ ሳኦል መንዚዑ ኺወስዶ ኸም ዝሓሰበ፡ ዮናታን ፈሊጡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እሞኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንሱ እንታይ ዓይነት ገዛኢ ኪኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ እሙንን እዙዝን ንጉስ ብምዃን ጌጋታት ኣቦኡ ኼዐሪ ድዩ ተስፋ ገይሩ፧ ውሽጣዊ ሓሳባቱ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ከምዚ ዝበለ ተስፋታት ግና ጋህዲ ኪኸውን ይኽእል ከም ዘይነበረ ንፈልጥ ኢና። እዚ ግና የሆዋ ነዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ጠንጢንዎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብዮናታን ገይሩ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብሉጽ ኣብነታት እሙን ዕርክነት ኣቚሙ እዩ። እቲ ዕርክነት እቲ ኸኣ ኣብቲ ብዛዕባ ዮናታን ዚወጽእ ካልእ ዓንቀጽ ኪትኰረሉ እዩ።