ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | እዮብ

“ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”

“ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”

 ኣብ ባይታ ተቐሚጡ ነበረ፣ ሰብነቱ ድማ ካብ ርእሱ ኽሳብ እግሩ ብዜሳቒ ምጕልንጭዋ ወይ ብብርቱዕ ቍስሊ ተሸፊኑ ነበረ። ርእሱ ኣድኒኑ፡ እንግድዓኡ ደርብዩ፡ ንበይኑ ኾፍ ኢሉዶ ይርኣየካ ኣሎ፧ ነታ ዝተረፈቶ ሓይሉ ኣኪቡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ሃመም ዚብሉ ሃመማ እሽ ኪብል እውን ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓዘኑ ንምግላጽ ኣብ ሓምዅሽቲ እዩ ተቐሚጡ፣ ምእንቲ ኺሓክከሉ ኢሉ ድማ ገልዒ ሒዙ ኣሎ። ዝተረፎ የብሉን፣ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እዩ ተደርብዩ! ፈተውቱን ጐረባብቱን ኣዝማዱን ጠንጢኖምዎ እዮም። ቈልዑ እኳ ኸይተረፉ ኣላጊጾምሉ እዮም። ኣምላኹ የሆዋ ኣንጻሩ ዝዀነ እዩ መሲልዎ፣ ብዛዕባ እዚ ግና ተጋግዩ እዩ ነይሩ።—እዮብ 2:8፣ 19:18, 22

 እዚ ሰብ እዚ እዮብ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባኡ፡ “ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (እዮብ 1:8) ድሕሪ ዘመናት ድማ፡ የሆዋ ንእዮብ ምስቶም ፍልይ ዝበለ ጽድቂ ዝነበሮም ሰባት ጸብጺብዎ እዩ።—ህዝቅኤል 14:14, 20

 ንስኻኸ ሽግርን መከራን የጋጥመካ ድዩ፧ ዛንታ እዮብ ብዙሕ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እታ እሙን ንዘበለ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እተድልዮ ንጽህና እትብሃል ባህርይ ብዝያዳ ኽትርዳእ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሰባት ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ምስ ዚዀኑ፡ ኣብ እዋን ጸገም እውን እንተ ዀነ ኻብ መትከሎም ዘይነቓነቑ ምስ ዝዀኑ፡ ንጽህናኦም የርእዩ እዮም። እምበኣር፡ ካብ እዮብ እስከ ተወሳኺ ንምሃር።

እዮብ ዘይፈልጦ ዝነበረ ነገር

 ታሪኽ ህይወት እዮብ ካብቲ ንሱ ዝሞተሉ እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ እሙን ዝዀነ ሙሴ ዝጸሓፎ እዩ ዚመስል። ሙሴ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነቲ ንእዮብ ዝጸለዎ ኣብ ምድሪ ዝዀነ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ነገራት እውን ገሊጹ ኣሎ።

 ኣብ መጀመርታ እቲ ዛንታ፡ እዮብ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት ይነብር ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። እዮብ ምናልባት ኣብ ሰሜናዊ ዓረብ እትርከብ ምድሪ ዑጽ ዚነብር ሃብታምን ፍሉጥን ሕፉርን ሰብ ነበረ። ንእተሸገሩ ይልግሰሎም፡ ረዳኢ ንዘይብሎም እውን ይሕለቐሎም ነበረ። እዮብን ሰበይቱን ዓሰርተ ደቂ ነበርዎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እዮብ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ። ከምቲ ናይ ርሑቕ ኣዝማዱ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ዚገብርዎ ዝነበሩ ድማ፡ ንየሆዋ ኼሐጕሶ ይጽዕር ነበረ። ከምዞም ኣበው ድማ፡ ምእንቲ ደቁ ኣዘውቲሩ መስዋእቲ ብምስዋእ፡ ንስድራ ቤቱ ኻህን ኰይኑ የገልግል ነበረ።—እዮብ 1:1-5፣ 31:16-22

 ብሃንደበት ግና፡ እቲ ዛንታ ኻብ እዮብ ናብ ካልእ ኣተኰረ። ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ዚኸውን ነገር ድማ ተጻሒፉ ኣሎ፣ እዮብ ኪፈልጦ ዘይክእል ዝነበረ ነገር እውን ተገሊጹልና ኣሎ። ሓደ መዓልቲ፡ እቶም እሙናት መላእኽቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ቈሙ፣ እቲ ሰይጣን ዚብሃል ዓለወኛ መልኣኽ ድማ ኣብ መንጎኦም ኣተወ። ሰይጣን ነቲ ጻድቕ እዮብ ከም ዚንዕቆ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ንሰይጣን፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ንጽህና እዮብ ተዛረቦ። ሰይጣን ከኣ ብድፍረት፡ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ቤቱን ኣብ ዙርያ ዘለዎ ዅሉንዶ ዜዕቍቦ ሓጹር ጌርካሉ የለኻን፧” ኢሉ መለሰሉ። ሰይጣን ብንጽህና ንዚመላለሱ ሰባት ይጸልእ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ውፉያት ከም ዝዀኑ ኼርእዩ ኸለዉ፡ ንመንነት ሰይጣን፡ ማለት ንሱ ፍቕሪ ኣልቦ ኸዳዕ ምዃኑ የቃልዕዎ እዮም። ስለዚ፡ ሰይጣን፡ እዮብ ንኣምላኽ ምእንቲ ጥቕሙ ኢሉ ኸም ዜገልግሎ ተማጐተ። ዘለዎ ዅሉ እንተ ስኢኑ፡ ንኣምላኽ ኣብ ገጹ ኸም ዚረግሞ ተኸራኸረ።—እዮብ 1:6-11

 እዮብ ነዚ ኺፈልጥ ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ግና ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ ሂብዎ፦ ሰይጣን ከም እተጋገየ ኼረጋግጽ እዩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ። ሰይጣን ከኣ ንእዮብ ዘለዎ ዅሉ ኺምንዝዖ ተፈቕደሉ። ሓንትስ ንዕኡ ኸይትንክዮ እዩ ተኸልኪሉ። ስለዚ፡ ሰይጣን ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ተግባሩ ኺገብር ተላዕለ። ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ እዮብ ተኸታታሊ መዓት ኣውረደሉ። ማሉ ኸም ዝሰኣነ፡ ማለት ፈለማ ከብቱን ኣእዱጉን፡ ድሕሪኡ ኣባጊዑ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣግማሉ ኸም እተወድኣ ተነግሮ። እዚ ኸይኣክል ድማ፡ እቶም ዚጓስይወን ገላዉኡ ተቐትሉ። ኣብ ሓዲኡ ኸኣ፡ “ሓዊ ኣምላኽ፡”—ምናልባት በርቂ ኪኸውን ይኽእል፡—ከም ዘጥፍኦም እዩ ተነጊርዎ። እዮብ ብዛዕባ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ወይ ዘጋጠሞ ድኽነት ኪሓስብ ዕድል ከይረኸበ ኸሎ፡ እቲ ዝኸበደ መዓት ወረዶ። እቶም ዓሰርተ ደቁ ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ተኣኪቦም ከለዉ፡ ብሃንደበት ብርቱዕ ንፋስ መጺኡ ነታ ቤት ወቒዑ ኣፍረሳ፣ ኵላቶም እውን ሞቱ!—እዮብ 1:12-19

 እዮብ ከመይ ከም እተሰምዖ ንምግማት ከቢድ ወይ ዘይከኣል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዝዀነ፡ እዮብ ክዳኑ ቐደደ፡ ጸጕሩ ቘረጸ፡ ናብ ምድሪ እውን ወደቐ። ኣምላኽ ከም ዝሃቦን ኣምላኽ ከም ዝወሰደሉን እዩ ደምዲሙ። ሰይጣን ከኣ፡ እቲ ተኸታታሊ መዓት ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ኣምሲሉ እዩ ብጕርሒ ኣቕሪቡሉ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ሰይጣን ዝገመቶ፡ እዮብ ንኣምላኽ ኣይረገሞን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ስም የሆዋ ይወደስ” በለ።—እዮብ 1:20-22

እዮብ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚኸስሶ ዝነበረ ኽሲ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ

‘ብርግጽ ኪረግመካ እዩ’

 ሰይጣን በዚ ነደረ፡ ተግባሩ ደው ኬብል እውን ኣይደለየን። መላእኽቲ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቘመ። የሆዋ ድማ ንእዮብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብ ሰይጣን ዝወረዶ ዅሉ መጥቃዕቲ ንጽህናኡ ብዘይምብልሻዉ መሊሱ ወደሶ። ሽዑ፡ ሰይጣን፡ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ። ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዓጽሙን ስጋኡን ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። እዮብ ኣጸቢቑ እንተ ሓሚሙ፡ ንኣምላኽ ከም ዚረግም ሰይጣን ርግጸኛ ዀይኑ ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ንእዮብ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚኣምኖ፡ ንሰይጣን ኬሕምሞ ፈቐደሉ፣ ኪቐትሎ ግና ኣይፈቀደሉን።—እዮብ 2:1-6

 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እዮብ በቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ዓይነት ሕማም ተወቕዐ። ነታ መስክነይቲ ሰበይቱ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣላ። ብሞት ዓሰርተ ደቃ ሓዘን ከቢድዋ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ሰብኣያ ብዜስካሕክሕ ሕማም ኪሳቐ ኸሎ፡ እትገብሮ ሓርቢትዋ እያ እትርኢ ነይራ። በዚ ዅሉ ስለ እተሳቐየት ድማ፡ “ገናዶ ብጽኑዕ ንጽህናኻ ትሕሉ ኣለኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” በለቶ። እዮብ፡ እታ ዚፈልጣን ዜፍቅራን ሰበይቱ ተቐዪራቶ እያ። ስለዚ፡ ከም ዓያሹ ትዛረብ ከም ዘላ ኻብ ምባል ሓሊፉ ኻልእ ኣይበላን። እንተዀነ ግና፡ ንኣምላኹ ኣይረገመን። ብዘረባኡ እውን ኣይሓጥአን።—እዮብ 2:7-10

 እዚ ዜሕዝን ናይ ሓቂ ታሪኽ እዚ ንዓኻ ብብሕቲ ኸም ዚጸልወካስ ትፈልጥዶ፧ ሰይጣን ንእዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ እውን ክፉእ ክሲ ኸም ዝኸሰሶም ኣስተብህል። “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ኢሉ እዩ ኸሲሱ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነፍሲ ወከፍና ንጽህናና ኽንሕሉ ኸም ዘይንኽእል እዩ ዚኣምን! ንስኻ ንኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘይብልካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸተድሕን ኢልካ ንኣምላኽ ቀልጢፍካ ኸም እትሓድጎ እዩ ዚማጐት። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ከምኡ ፈታው ርእስኻ ኸም ዝዀንካ እዩ ዚከራኸር! እሞኸ ኸም እተጋገየ መርትዖ ኸተቕርብዶ ትደሊ፧ ነፍሲ ወከፍና እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣሎና። (ምሳሌ 27:11) ሕጂ ድማ፡ እዮብ ቀጺሉ እንታይ ብድሆ ኸም ዘጓነፎ እስከ ንርአ።

ዘይጠቕሙ መጸናናዕቲ

 ንእዮብ ዚፈልጥዎ ሰለስተ ሰባት፡—ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጾት ወይ ፈለጥቲ ተባሂሎም ዘለዉ፡—ብዛዕባ መከራኡ ሰሚዖም ኬጸናንዕዎ መጹ። ካብ ርሑቕ ምስ ረኣይዎ፡ ኬለልይዎ ኣይከኣሉን። ብቓንዛ ተወዲኡ፡ ቈርበቱ ብሕማም ጸሊሙ፡ ዳር ትርኢት ኰይኑ እዩ ጸኒሕዎም። እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ማለት ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን፡ ዓው ኢሎም ብምብካይን ሓመድ ናብ ኣራእሶም ብምብታንን፡ ኣዝዮም ዝሓዘኑ ኣምሰሉ። ድሕሪኡ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይበሉ ኣብ ጥቓ እዮብ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ሰሙን ምሉእ፡ ለይትን መዓልትን ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረቡን። ስቕታኦም ከም መጸናንዒ ጌርና ኽንርእዮ የብልናን፣ ከመይሲ፡ ንእዮብ ሓንቲ ሕቶ እኳ ኣይሓተትዎን። ብዛዕባኡ ኺፈልጥዎ ዝኸኣሉ ነገር ድማ እቲ ርኡይ ዝነበረ ብርቱዕ ቃንዛኡ ጥራይ እዩ ነይሩ።—እዮብ 2:11-13፣ 30:30

 ኣብ መወዳእታ፡ እዮብ ባዕሉ ዘረባ ጀመረ። ብቓንዛ ተወዲኡ ድማ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ። ኣመና ዘሳቐዮ ነገር እውን ገለጸ። መከራኡ ኻብ ኣምላኽ መሲልዎ ነበረ! (እዮብ 3:1, 2, 23) ናይ እምነት ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሕ መጸናንዒ ግና የድልዮ ነበረ። እቶም ፈለጥቱ ኺዛረቡ ምስ ጀመሩ ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ስቕታኦም ዝሓሸ ምንባሩ ረኣየ።—እዮብ 13:5

 እቲ ብዕድመ ኻብ ኵሎም ዝዓበየ ኪኸውን ዚኽእል፡ ካብ እዮብ እውን ኣጸቢቑ ዚዓቢ ኤሊፋዝ ኪዛረብ ጀመረ። ጸኒሖም እቶም ክልተ ሰዓብዎ። ብሓፈሻኡ፡ እዞም ክልተ ብዕሽነት ንኤሊፋዝ እዮም ስዒቦምዎ ኽንብል ንኽእል ኢና። ገለ ኻብቲ እዞም ሰባት እዚኦም ዝበልዎ ነገራት ብዛዕባ ልዕልና ኣምላኽን ንኽፉኣት ከም ዚቐጽዕን ንቕኑዓት ዓስቦም ከም ዚህቦምን ዚገልጽ መንፈሳዊ ዚመስል ልሙድ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ዘይጐድእ ይመስል ይኸውን። ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ግና፡ ለውሃት ከም ዘይብሎም ይርአ ነይሩ እዩ። ኤሊፋዝ ብቐሊሉ ዚውሓጥ ዚመስል ሓሳብ እዩ ኣቕሪቡ፦ ኣምላኽ ሕያዋይ ካብ ኰነ፡ ንኽፉኣት እውን ዚቐጽዕ ካብ ኰነ፡ እዮብ ድማ ብንጹር ይቕጻዕ ካብ ሃለወ፡ ጠንቁ እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ እዮብ ብገለ ክፉእ ስለ ዝዀነ ደይኰነን፧—እዮብ 4:1, 7, 8፣ 5:3-6

 እዮብ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይተቐበሎን። ኣበርቲዑ ተቓወሞ። (እዮብ 6:25) ይኹን እምበር፡ እቶም ሰለስተ ኣማኸርቲ፡ እዮብ ገለ ሕቡእ በደል ከም ዘለዎ ብዝያዳ እናኣመኑ ኸዱ፣ ኵሉ እቲ ዚወርዶ ዝነበረ ሕማቕ ነገር ዚግብኦ ኸም ዝዀነ ሓሰቡ። ኤሊፋዝ ንእዮብ፡ ተዳፋርን እኩይን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉን ገይሩ ኸሰሶ። (እዮብ 15:4, 7-9, 20-24፣ 22:6-11) ሶፋር ድማ ንእዮብ እከዩ ኼርሕቕ፡ ብሓጢኣት ምሕጓስ እውን ኪሓድጎ ተዛረቦ። (እዮብ 11:2, 3, 14፣ 20:5, 12, 13) ቢልዳድ ከኣ ኣመና ሕሱም ዘረባ ተዛረቦ። ደቂ እዮብ ብገለ በዲሎም ኪዀኑ ኸም ዘለዎም፡ ስለዚ ኺሞቱ ኸም ዚግብኦም ሓሳብ ሃበ።—እዮብ 8:4, 13

እዮብ ካብቶም ሰለስተ ብጾቱ እንትርፎ ተወሳኺ ስቓይ፡ መጸናንዒ ኣይረኸበን

ኣብ ልዕሊ ንጽህና ዝወረደ መጥቃዕቲ

 እዞም ግጉይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ዝገደደ ነገር ገይሮም እዮም። ኣብ ንጽህና እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ንጽህና ብሓፈሻ እውን መጥቃዕቲ ኣውሪዶም እዮም! ኤሊፋዝ ኣብ መኽፈቲ ዘረባኡ፡ ምስ ዘይርአ መንፈስ ከም እተራኸበ ገለጸ። እቲ ኤሊፋዝ ምስ ጋኔን ብምርኻቡ ዝበጽሖ መደምደምታ መርዛም እዩ ነይሩ፦ ኣምላኽ “ንኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን፡ ንመላእኽቱ እውን ጕድለት ይረኽበሎም” ኢሉ ድማ ተዛሪቡ እዩ። ብመሰረት ኣተሓሳስባ እዚ፡ ሰባት ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ኸቶ ኣይክእሉን እዮም። ጸኒሑ ቢልዳድ፡ ከምቲ ንጽህና እቡብ ወይ ሓሰኻ ንኣምላኽ ዘይጠቕሞ፡ ንጽህና እዮብ እውን ንኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይዓብሰሉ ተዛረበ።—እዮብ 4:12-18፣ 15:15፣ 22:2, 3፣ 25:4-6

 ንሓደ ብርቱዕ ስቓይ ዘለዎ ሰብ ከተጸናንዕ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ቀሊል ኣይኰነን። ካብቶም ግጉይ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ፈለጥቲ እዮብ፡ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና፣ መብዛሕትኡ እኳ እንታይ ክንብል ከም ዘይብልና ኢና እንምህር። እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም ኣብቲ ባይታ ዘይወድቕ ዚመስል ብቐጻሊ ዚውሕዝ ቃላቶምን ግጉይ ሓሳባቶምን፡ ንእዮብ ብስሙ ጠሪሶም ኣይረቝሕዎን! ብዛዕባ እቲ ዝቘሰለ ልቢ እዮብ ኣይሓሰቡን፡ ብህድኣት ኪሕዝዎ ኸም ዘለዎም እውን ኣይተራእዮምን። a ስለዚ፡ ሓደ እትሓልየሉ ሰብ እንተ ተደቚሱ፡ ራሕርሓሉ፡ ሕለየሉ፡ ለውሃሉ። እምነቱን ትብዓቱን ክትሃንጸሉ ጽዓር፣ ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ዓብዪ ለውሃቱን ምሕረቱን ፍትሑን ኪኣምን እውን ሓግዞ። እዮብ ኣብ ቦታ ብጾቱ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ከምኡ ምገበረሎም። (እዮብ 16:4, 5) ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጽህናኡ እተፈነወ ቐጻሊ መጥቃዕቲ ግና እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

እዮብ ጸንዐ

 እዚ ነዊሕ ክርክር ኪጅምር ከሎ፡ እዮብ ተስፋ ቐቢጹ እዩ ነይሩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ድማ፡ ቃላቱ “ቐይዲ ዘይብሉ ዘረባ” ኸም ዝዀነ፡ “ዘረባ ተስፋ ዝቐበጸ ሰብ” እውን ምዃኑ ተኣሚኑ እዩ። (እዮብ 6:3, 26) ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ኸኣ ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ቃላቱ ንስቓይ ልቡ እዩ ዜንጸባርቕ ነይሩ። ነቲ ውሱን ግንዛበኡ እውን የንጸባርቕ ነይሩ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱን ዝወረደ ሓዘን ሃንደበት ስለ ዝዀነን ልዕለ ባህርያዊ ስለ ዚመስልን፡ ካብ የሆዋ እዩ መሲልዎ ነይሩ። እዮብ ዘይፈልጦ ኣገዳሲ ፍጻመታት ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ገሊኡ መደምደምታኡ ኣብ ግጉይ ሓሳባት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ።

 ይኹን እምበር፡ እዮብ ሓያልን ድልድልትን እምነት ነይራቶ እያ። እምነቱ ኸኣ ኣብቲ ነዊሕ ክርክር ተራእያ እያ፣ ሓቂ ዝዀነን ጥዑምን ንዓና ዜተባብዓናን ዘረባ እዩ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ድንቂ ፍጥረታት ኪዛረብ ከሎ፡ ኣምላኽ ዝገለጸሉ እንተ ዘይኰይኑ ዝዀነ ሰብ ኪፈልጦ ብዘይክእል መገዲ ንኣምላኽ ኣሞጊስዎ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ” ኢሉ እዩ፣ ነዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ስነ ፍልጠት ገና ኸይፈለጦ ብዙሕ ዘመናት ኣቐዲሙ እዩ ተዛሪብዎ። b (እዮብ 26:7) ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ተስፋ ኺዛረብ ከሎ ድማ፡ ዓባይ እምነት ዘላቶም ካልኦት ሰባት ዘሕደርዎ እምንቶ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። እንተ ሞይቱ፡ ኣምላኽ ከም ዚዝክሮ፡ ከም ዚናፍቖ፡ ኣብ መወዳእታ እውን መሊሱ ህያው ከም ዚገብሮ ይኣምን ነይሩ እዩ።—እዮብ 14:13-15፣ እብራውያን 11:17-19, 35

 እቲ ጕዳይ ንጽህና ግና ኣበይ በጽሐ፧ ኤሊፋዝን ክልተ ፈተውቱን፡ ንጽህና ሰብ ንኣምላኽ ከም ዘይዓብሰሉ እዮም ተማጒቶም። እሞኸ እዮብ ነቲ ኽፉእ ሓሳብ ተቐቢልዎዶ፧ ኣይፋሉን! እዮብ፡ ንጽህና ንኣምላኽ ከም ዜገድሶ እዩ ተማጒቱ። ብዛዕባ የሆዋ ድማ፡ “ንጽህናይ ኪፈልጥ እዩ” ኢሉ ብምትእምማን ተዛሪቡ እዩ። (እዮብ 31:6) እቲ ኻብቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ዝመጸ ናይ ሓሶት ሓሳባት፡ ኣብ ልዕሊ ንጽህናኡ ኸም እተፈነወ መጥቃዕቲ ገይሩ እዩ ርእይዎ። በዚ ተላዒሉ ድማ፡ ካብ ኵሉ ዝነውሐ ዘረባ ተዛረበ፣ እዚ ድማ ነቶም ሰለስተ ሰባት ኣፎም ኣትሓዞም።

 እዮብ ንጽህናኡ ንመዓልታዊ ህይወቱ ኸም ዚትንኪ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣነባብራኡን ተግባራቱን ተማጐተ። ንኣብነት፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ርሒቑ እዩ፣ ንኻልኦት ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ሒዝዎም እዩ፣ ንመውስቦኡ ኻብ ዘለዎ ኣኽብሮት ተላዒሉ ኸኣ ብስነ ምግባር ንጹህ ኰይኑ ተመላሊሱ እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብተኣማንነት ውፉይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እዮብ ብምሉእ ልቡ፡ “ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!” ኪብል ይኽእል ነይሩ እዩ።—እዮብ 27:5፣ 31:1, 2, 9-11, 16-18, 26-28

እዮብ ንጽህናኡ ምሕዳግ ኣበየ

ኣስኣሰር እምነት እዮብ ስዓብ

 ብዛዕባ ንጽህና ዘሎካ ኣረኣእያ ኸምቲ ናይ እዮብ ድዩ፧ ነዛ ቓል እዚኣ ብቐሊሉ ንጥቀመላ ንኸውን፣ ንጽህና ግና ካብ ቃላት ዝዓበየ ትርጉም ከም ዘለዋ እዮብ ኣርእዩ እዩ። ንሕና ድማ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ውፉያት ከም ዝዀንና፡ ንዕኡ እዙዛት ብምዃንን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ብምግባርን ኢና እነርኢ፣ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኻብዚ ፈልከት ኣይንብልን ኢና። ናብራና በዚ ኸምዚ ንመርሕ እንተ ዄንና፡ ከምቲ እዮብ ጥንቲ ዝገበሮ፡ ንየሆዋ ብርግጽ ከነሐጕሶን ንጸላኢኡ ሰይጣን ኸነበሳጭዎን ኢና። ኣስኣሰር እምነት እዮብ እትስዕበሉ ኻብዚ ዝሓሸ መገዲ የልቦን!

 ዛንታ እዮብ ግና በዚ ዜብቅዕ ኣይኰነን። ንጽድቁ ኺጣበቐሉ ኸሎ ኣብ ርእሱ እምብዛ ብምትኳሩ፡ ንኣምላኽ ምምጓት ክሳዕ ዚርስዕ ሚዛኑ ስሒቱ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ መአረምታን መንፈሳዊ ሓገዝን ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። ብዙሕ ስቓይን ሓዘንን ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ናይ ሓቂ መጸናንዒ ኣመና የድልዮ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ነዚ ናይ እምነትን ንጽህናን ሰብ እንታይ ገይሩሉ፧ ኣብዚ ዓምዲ እዚ እትወጽእ ካልእ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

a እቲ ዜገርም፡ ኤሊፋዝ ንሱን ፈተውቱን ንእዮብ ብልእመት እተዛረብዎ እዩ መሲልዎ፣ ከምኡ ዝመሰሎ ድማ፡ ድምጾም ዓው ስለ ዘየብሉ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። (እዮብ 15:11) ኰይኑ ግና፡ ብልዙብ ቃና ድምጺ እተዘርበ ቓላት እኳ ኺጐድእን ኺወግእን ይኽእል እዩ።

b ክሳዕ ሕጂ ኸም ዚፍለጥ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣስታት 3,000 ዓመት ጸኒሖም እዮም ንምድሪ ዚድግፋ ነገር ከም ዘየሎ ኺግንዘቡ ኽኢሎም። ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ድማ ካብ ህዋ እተሳእለ ስእሊ ምስ ረኣዩ እዮም ብዛዕባ ቓላት እዮብ ብዜእምን መገዲ ብዓይኖም መረጋገጺ ኺርእዩ ኽኢሎም።