ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | እዮብ

የሆዋ ኻብ ስቓዩ ኣሕወዮ

የሆዋ ኻብ ስቓዩ ኣሕወዮ

 ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዚዛራረቡ ዝነበሩ ሰብኡት ዚብልዎ ተወዲእዎም ስቕ በሉ። ምናልባት እቲ ኻብ ምድረ በዳ ዓረብ ዚነፍስ ንፋስ ዜስምዖ ፋጻ ጥራይ እዩ ዚስማዕ ነይሩ ዚኸውን። እዮብ ንነዊሕ እዋን ተኻቲዑ ስለ ዝደኸመ፡ ዘረባ ተወዲእዎ ትም በለ። ነቶም ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዝስሞም ሰለስተ ፈለጥቱ ኼፍጥጠሎም ከሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ንሳቶም ግና፡ እቲ ጕርሒ ዝመልኦ ኽትዖምን እቲ “መሸምቦባ” ቓላቶምን እቲ ናይ ኣሽሙር ዘረባኦምን ከም ዝፈሸለ ተረዲእዎም፡ ንእዮብ ዓይኑ ምርኣይ ከበዶም። (እዮብ 16:3፡ እግረ ጽሑፍ) እዮብ ንንጽህናኡ ንምምጓት ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ቘሪጹ እዩ ነይሩ።

 ንእዮብ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ፡ ንጽህናኡ ምሕላው እዩ ነይሩ። ሃብቱ፡ ዓሰርቲኦም ደቁ፡ ደገፍን ኣኽብሮትን ፈተውቱን ጐረባብቱን፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ጥዕናኡ ስኢኑ ነይሩ እዩ። ቈርበቱ ድማ ብሰንኪ ሕማም ጸሊሙን ብቕራፍ ተሸፊኑን ሓሰኽሰኽ ኢሉን ነይሩ እዩ። ኣፉ እውን ሕማቕ ይጨኑ ነይሩ እዩ። (እዮብ 7:5፣ 19:17፣ 30:30) ኰይኑ ግና፡ እዮብ ብሰሪ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ዘውረዱሉ መጥቃዕቲ ኣመና ተቘጥዐ። ከምቲ ንሳቶም ዝበልዎ፡ ሓጥእ ዘይምዃኑ ኼመስክር ድማ ጸዓረ። በቲ ናይ መወዳእታ ዘረባኡ ኣቢሉ ድማ፡ ኣፎም ኣትሓዞም። ድሕርዚ፡ እቲ ኸም ኣይሂ ዝነበረ ጭካነ ዝመልኦ ቓላቶም ደረቐ። ስቓይ እዮብ ግና ኣየቋረጸን። ስለዚ፡ ዓብዪ ሓገዝ የድልዮ ነይሩ እዩ።

 እዮብ ብኣተሓሳስባኡ ሚዛኑ ስሒቱ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ መምርሕን መአረምታን የድልዮ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ መጸናንዒ የድልዮ ነይሩ እዩ፣ እቶም ከምኡ ኺገብሩሉ ዚግብኦም ሰለስተ ፈለጥቱ ግና ኣየጸናንዕዎን። ንስኻኸ መምርሕን መጸናንዕን ክትረክብ ሃንቀው ዝበልካሉ እዋንዶ ኣሎ፧ ከም ፈተውትኻ ጌርካ እትርእዮም ሰባት ኣጕህዮምኻዶ ይፈልጡ፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንጊልያኡ እዮብ ዝሓገዘሉ መገዲ ዀነ ብዛዕባ እቲ እዮብ ዝሃቦ ምላሽ ምፍላጥካ፡ ንተስፋኻ ኼለምልሞን ጽቡቕ ትምህርቲ ኽትረኽበሉን ኢኻ።

ጥበበኛን ለዋህን መኻሪ

 ዛንታ እዮብ ቀጺሉ ዜገርም ከም ዘጋጠመ ይሕብረና። ኤሊሁ ዝስሙ ብዕድመ ዝነኣሰ ሰብ ኣብ ጥቓኦም ነይሩ እዩ። እቶም ዓበይቲ ሰብኡት ኪከራኸሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ስቕ ኢሉ ኺሰምዖም እዩ ጸኒሑ። ኰይኑ ግና፡ በቲ ዚሰምዖ ዝነበረ ፈጺሙ ኣይተሓጐሰን።

 ኤሊሁ ብእዮብ ኣዝዩ ተቘጥዐ። እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ብኻልኦት ሰባት ተደፋፊኡ፡ “ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ፡ ንርእሱ ስለ ዘጽደቓ፡” ኤሊሁ በዚ ጐሃየ። ኰይኑ ግና፡ ኤሊሁ ንእዮብ ስቓዩን ቅንዕናኡን ስለ እተረድኣሉ፡ ብለውሃት ምኽርን መጸናንዕን ከም ዜድልዮ ድማ ስለ እተገንዘበ፡ ደንገጸሉ። በቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ኪቝጣዕ እምበኣር ሓቁ እዩ። ንሳቶም ንእዮብ፡ እምነቱን ክብረቱን ንጽህናኡን ዜዳኽም መጥቃዕቲ ኼውርዱሉ ኸለዉ ሰሚዕዎም እዩ። እቲ ዝገደደ ግና፡ ቄናን ቃላት እቶም ሰለስተ ሰብኡት፡ ንኣምላኽ እውን ዜካፍእ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኤሊሁ ኺዛረብ ተደረኸ።—እዮብ 32:2-4, 18

 “ኣነ ብዕድመ ንእሽቶ እየ፣ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም። ስለዚ፡ ብኣኽብሮት ተቘጢበ፡ ዝፈልጦ እውን ክነግረኩም ኣይደፈርኩን” በለ። ኰይኑ ግና፡ ስቕ ኪብል ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ዕድመ ጥራይ ጥበበኛ ኣይገብርን እዩ፣ ቅኑዕ ዘበለ ዚርድኡ እውን ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን” በለ። (እዮብ 32:6, 9) እቲ እተዛረቦ ዘረባ ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድማ፡ ነዊሕ ተዛረበ። ዘረባኡ ግና ካብቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን እተዛረብዎ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኤሊሁ ንእዮብ ከም ዘይንዕቆ፡ ንጸቕጡ እውን ከም ዘየጋድዶ ኣረጋገጸሉ። ብዘይካዚ፡ ንእዮብ ብስሙ ብምጽዋዕን እቶም ሰለስተ ፈለጥቱ ኸም ዘባጨዉሉ ብምግላጽን ኣኽብሮት ኣርእይዎ እዩ። a ብኣኽብሮት ድማ፡ “ሕጂ ግና፡ ኦ እዮብ፡ ዘረባይ ስማዕ” በሎ።—እዮብ 33:1, 7፣ 34:7

ኤሊሁ ንእዮብ ብስሙ ጸውዖ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እውን ሓዞ

 ኤሊሁ ንእዮብ ከምዚ ብምባል ንጹር ምኽሪ ሃቦ፦ “እናሰማዕኩኻ ኸምዚ ኢልካ፡ . . . ‘ኣነ ንጹህ ብዘይ ኣበሳ እየ፣ ጽሩይ ብዘይ ሓጢኣት እየ። ኣምላኽ ግና ንምጽራረይ ምኽንያት ይረክብ።’” ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቐንዲ ጸገም ብምትኳር፡ “ቅኑዕ ምዃንካ ኽሳዕ ክንደይ ስለ እተኣማመንካ ኢኻ ‘ኻብ ኣምላኽ እጸድቕ እየ’ እትብል፧” ኢሉ ሓተቶ። ነቲ ኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ስቕ ኢሉ ኺሓልፎ ኣይደለየን። ስለዚ፡ “እዚ ብምባልካስ ቅኑዕ ኣይኰንካን” በሎ። (እዮብ 33:8-12፣ 35:2) ኤሊሁ፡ እዮብ በቲ ዘጋጠሞ ሞትን ስእነትን በቲ ኻብቶም ናይ ሓሶት ፈተውቱ ዝወረዶ መጥቃዕትን ኣመና ኸም እተቘጥዐ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንእዮብ፡ “ነድሪ ናብ ክፍኣት ከይመርሓካ ተጠንቀቕ” ኢሉ ኣጠንቀቖ።—እዮብ 36:18

ኤሊሁ ንለውሃት የሆዋ ኣጕልሐ

 ልዕሊ ዅሉ፡ ኤሊሁ ንየሆዋ ኣምላኽ ተጣቢቑሉ እዩ። በዘን ዚስዕባ ቓላት ኣቢሉ ድማ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኣጕልሐ፦ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ! . . . እቲ ዅሉ ዚኽእል . . . ፍትሒ ኣየቕንንን እዩ።” (እዮብ 34:10, 12) ኤሊሁ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብምሕረት ተደሪኹ ዜውጽኦ ፍትሒ ኣብነት ኪህብ ከሎ፡ ዋላ እኳ እዮብ ብታህዋኽን ብዘይኣኽብሮትን እንተ ተዛረበ፡ የሆዋ ግና ስጕምቲ ኸም ዘይወሰደን ከም ዘይቀጽዖን ገለጸ። (እዮብ 35:13-15) ብዘይካዚ፡ ኤሊኡ ዅሉ ኸም ዚፈልጥ ኣብ ክንዲ ዜምስል፡ ብትሕትና፡ “ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ” በለ።—እዮብ 36:26

 ኤሊሁ ምኽሩ ብግሁድ ዚህብ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ለዋህ እውን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንእዮብ ጥዕናኡ ኸም ዚመልሰሉ ዚገልጽ ዜደንቕ ተስፋ ነገሮ። ኣምላኽ ብዛዕባ እሙን ባርያኡ፡ “ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣ ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ” ከም ዚብል ሓበሮ። ኤሊሁ ብኻልእ መገዲ እውን ለውሃቱ ኣርእዩ እዩ፦ ንእዮብ ኣስተምህሮ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚህቦ፡ መልሲ ኺህብ እውን ዓዲምዎ እዩ። እወ፡ “እትብሎ እንተ ኣልዩካ፡ መልሰለይ” ኢልዎ እዩ። (እዮብ 33:25, 32) እዮብ ግና ኣይመለሰሉን። ምናልባት ነቲ ብለውሃት እተዋህቦ ዜተባብዕ ምኽሪ ምላሽ ኪህብ ከም ዘይግባእ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ብምኽንያት እቲ ዝረኣዮ ሓልዮት ይነብዕ ነይሩ ይኸውን።

 ካብ ክልቲኦም እዞም እሙናት ሰባት ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ካብ ኤሊሁ፡ ከመይ ጌርና ኽንመክርን ከነጸናንዕን ከም ዘሎና ንምሃር። ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ከቢድ ጌጋ ወይ ሓደገኛ ኣካይዳ ኺርኢ ኸሎ፡ ነዚ ኻብ ምሕባር ኣየድሓርሕርን እዩ። (ምሳሌ 27:6) ዋላ እውን ተሪር ቃል ኪዛረቡና ኸለዉ፡ ዚልውህን ዜተባብዕን ዓይነት ፈታዊ ኢና ኽንከውን እንደሊ። ንሕና ንባዕልና ምኽሪ ኼድልየና ኸሎ ኸኣ፡ ነቲ ዚውሃበና ምኽሪ ኣብ ክንዲ እንነጽጎ፡ ብትሕትና ኽንሰምዕ ከም ዘሎና ኻብ እዮብ ንምሃር ኢና። ኵላትና ምኽርን መአረምታን የድልየና እዩ። ምኽሪ ምቕባልና፡ ንህይወትና ኼድሕና ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 4:13

“ካብ ህቦብላ ንፋስ”

 ኤሊሁ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዙሕ ሳዕ ንፋስን ደበናን ነጕድን በርቅን ይጠቅስ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ድማ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ነቲ ዚሃምም ድምጹ . . . ስምዕዎ” ኢልዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ብዛዕባ “ህቦብላ ንፋስ” ተዛሪቡ እዩ። (እዮብ 37:2, 9) ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ ህቦብላ ንፋስ የንጸላሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተላዕለ። ሽዑ ድማ፡ ድንቂ ነገር ኣጋጠመ። የሆዋ ኺዛረብ ጀመረ!—እዮብ 38:1

ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ብዛዕባ ተፈጥሮ ዜቕርቦ ኣስተምህሮ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ!

 መጽሓፍ እዮብ እናኣንበብና ኣብተን የሆዋ ንእዮብ እተዛረበሉ ምዕራፋት ምስ በጻሕና፡ እፎይ ኢና እንብል። ሓቂ ዝሓዘ ህቦብላ ንፋስ ንዅሉ እቲ ባዶ ዘረባ፡ ንዅሉ እቲ ሓሶት ዝመልኦ ቓላት ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ጸራሪጉ ኸም ዝወሰዶ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ግናኸ፡ የሆዋ ኣብ ፈለማ ናብዞም ሰባት እዚኦም ኣየተኰረን። የግዳስ፡ ኣብ እዮብ ጥራይ እዩ ኣተኲሩ፣ ነቲ ፍቑር ጊልያኡ ኸኣ ከምቲ ኣቦ ንወዱ ዚእርሞ ገይሩ እዩ ኣሪምዎ።

 የሆዋ ንስቓይ እዮብ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ዜፍቅሮም ደቁ ኺሳቐዩ ስለ ዚድንግጸሎም ከኣ፡ ንእዮብ ደንጊጹሉ እዩ። (ኢሳይያስ 63:9፣ ዘካርያስ 2:8) እዮብ ‘ብዘይ ፍልጠት ይዛረብ’ ምንባሩ፡ እዚ እውን ንጸገሙ ኸም ዘጋደዶ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንእዮብ ብዙሕ ሕቶታት ብምሕታት ኣረሞ። “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸለኹ፡ ኣበይ ኔርካ፧ ክትርድኦ ትኽእል እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ” እውን በሎ። ኣብ መጀመርታ ፍጥረት፡ እቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ዝዀኑ “ኸዋኽብቲ ጽባሕ” ነቲ ድንቂ ፍጥረታት ምስ ረኣዩ ብናእዳ ጨዲሮም እዮም። (እዮብ 38:2, 4, 7) እዮብ ብዛዕባ እዚ ዚፈልጦ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን።

የሆዋ ንኣተሓሳስባ እዮብ ብፍቕሪ ኼዐሪ ኢሉ ኻብ ህቦብላ ንፋስ ተዛረበ

 የሆዋ ኣስዒቡ ብዛዕባ ፍጥረታቱ ተዛረበ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንእዮብ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ሰባት ተፈጥሮኣዊ ስነ ፍልጠት ዚብልዎ ሓጺር መግለጺ እዩ ሂብዎ፣ ኣብ ዘረባኡ ድማ ዓውድታት ስነ ኰዀብን ስነ ህይወትን ጂኦሎጅን ፊዝክስን ተናኺፉ ኣሎ። ምናዳ ኸኣ ኣብቲ እዮብ ዚነብረሉ ኽፋል ዓለም ሽዑ ዚርከቡ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ እንስሳታት፡ ማለት ኣንበሳ፡ ኳዅ፡ ወይጠል፡ ኣድጊ በረኻ፡ ጐባይ፡ ሰገን፡ ፈረስ፡ ተገዳር ሓረስታይ፡ ንስሪ፡ ብሄሞት (ጉማረ ኪኸውን ኣለዎ)፡ ሌዋታን (ሓርገጽ ኪኸውን ኣለዎ) ጠቒሱሉ ኣሎ። ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ብዛዕባ ተፈጥሮ ዜቕርቦ ኣስተምህሮ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! b

ብዛዕባ ትሕትናን ፍቕርን እተዋህበ ትምህርቲ

 በዚ ዅሉ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኺመሓላለፍ ተደልዩ፧ እዮብ ብህጹጽ ትሕት ኪብል የድልዮ ነይሩ እዩ። የሆዋ ኸም ዝገፍዖ ገይሩ ኼማርር ከሎ፡ ገዛእ ርእሱ ኻብቲ ፈቃር ኣቦኡ የርሕቕ ብምንባሩ፡ ንስቓዩ እዩ ስቓይ ዚውስኸሉ ነይሩ። ስለዚ የሆዋ፡ ድንቂ ፍጥረታት ኪፈጠር ከሎ እዮብ ኣበይ ከም ዝነበረ፡ ከምኡ ድማ እዮብ ንፍጥረታት ኪምግቦም፡ ኪቈጻጸሮም፡ ወይ ኪገርሖም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ደጋጊሙ ሓተቶ። እዮብ ንመሰረታውያን ፍጥረታት የሆዋ ኺመልኮም ዘይክእል ካብ ኰነ፡ ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ንፈጣሪ ኺፈርዶ ዚሓስብ፧ መገድታትን ሓሳባትን የሆዋ ኻብቲ ድሩት ኣረኣእያ ዘለዎ እዮብ ኣመናዶ ኣይሰፍሕን፧

እዮብ ምስ የሆዋ ኣይተማጐተን ወይ ኣየመኽነየን

 ኣብ ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ዘረባ፡ ሓያል ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ይርአ ነይሩ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ንእዮብ ከምዚ እዩ ዚብሎ ነይሩ፦ ‘ወደየ፡ ኣነ ነዚ ዅሉ ኽፈጥሮን ክሓልየሉን እንተ ኽኢለ፡ ንዓኻ እውን ዘይሓልየልካዶ ይመስለካ፧ ዝሓድገካዶ ይመስለካ፧ ደቅኻን ንብረትካን ጥዕናኻን ዘስእነካዶ ይመስለካ፧ ንዅሉ እቲ ዝሰኣንካዮ ኽመልሰልካን ካብቲ ዜስካሕክሕ ስቓይካ ከሕውየካን ዝኽእልሲ ኣነ በይነይ ደይኰንኩን፧’

 እዮብ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝቐረበሉ ዜመራምር ሕቶታት ንምምላስ፡ ክልተ ሳዕ ጥራይ እዩ ተዛሪቡ። ኣብቲ ዘረባኡ ድማ ኣይተማጐተን ወይ ኣየመኽነየን። የግዳስ፡ ፍልጠቱ ኣመና ንእሽቶ ምዃኑ ብትሕትና ተኣመነ፡ ብታህዋኽ ብምዝራቡ እውን ተነስሐ። (እዮብ 40:4, 5፣ 42:1-6) ኣብዚ ኸኣ እምነቱ ደሚቓ ኢና እንርእያ። እቲ ዅሉ መከራ ተጻዊሩ ኼብቅዕ፡ ዓባይ እምነት ዘላቶ ሰብ እዩ ነይሩ። ካብ የሆዋ እተዋህቦ መአረምታ ተቐቢሉ ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎ እዩ። ስለዚ፡ ንሕና ንርእስና፡ ‘ኣነኸ መአረምታን ምኽርን ንምቕባል ዜኽእል ትሕትና ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልና ዜመራምር ሕቶ ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። ኵላትና መአረምታን ምኽርን የድልየና እዩ። እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣስኣሰር እምነት እዮብ ክንስዕብ ኢና።

‘ብዛዕባይ ሓቂ ኣይተዛረብኩምን’

 የሆዋ ቐጺሉ ንእዮብ ካብ ስቓዩ ዜጸናንዖ ስጕምቲ ወሰደ። ነቲ ኻብቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ብዕድመ ዝዓበየ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኤሊፋዝ ድማ፡ “ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ሓቂ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኽልተ ብጾትካን ቍጥዓይ ነዲዱ ኣሎ” በሎ። (እዮብ 42:7) ብዛዕባ እዘን ቃላት እዚአን እሞ ሕሰብ። ኣብዝስ እቶም ሰለስተ ሰብኡት እተዛረብዎ ዅሉ ሓሶት ከም ዝዀነ፡ እቲ እዮብ እተዛረቦ ዅሉ ድማ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ድዩ ዚብል ነይሩ፧ ኣይፋልን። c ኣብ መንጎ እዮብን እቶም ከሰስቱን ግና ዓብዪ ፍልልይ ነይሩ እዩ። እዮብ ብሓዘንን ብናይ ሓሶት ክስታትን እተደቝሰን ልቡ እተሰብረን ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ብታህዋኽ እንተ ተዛረበ፡ ክትርድኣሉ ይከኣል እዩ። ኤሊፋዝን እቶም ክልተ ብጾቱን ግና ከምዚ ዓይነት ጾር ኣይነበሮምን። እምነቶም ድኽምቲ ብምንባራ፡ ደይ መደይ ኢሎም ብትዕቢት እዮም ተዛሪቦም። ነቲ ንጹህ ሰብ ኣጥቂዖምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ዝገደደ እውን ንየሆዋ ኸም ሕሱምን እኩይን ኣምላኽ ገይሮም ብጌጋ ስኢሎምዎ እዮም።

 ስለዚ፡ የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም መስዋእቲ ኪኸፍሉ ምእዛዙ ሓቁ እዩ። ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ኪስውኡ ነይርዎም፣ እዚ ኸኣ ንእሽቶ መስዋእቲ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ደሓር ኣብ ዝቘመ ሕጊ ሙሴ፡ ሊቀ ኻህናት ብሓጢኣቱ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገይርዎ፡ ዝራብዕ ኪስውእ እዩ ተወሲኑሉ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 4:3) ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዚቐርብ መስዋእቲ እንስሳታት፡ ዝራብዕ ካብ ኵሉ ዝኸበረ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ የሆዋ ንመስዋእቲ እቶም ከሰስቲ እዮብ ዚቕበሎ፡ እዮብ እንተ ጸልዩሎም ጥራይ ምዃኑ ገሊጹሎም እዩ። d (እዮብ 42:8) እዮብ፡ የሆዋ ንሓቅነቱ ኼረጋግጸሉን ፍትሒ ኼስፍንን ምስ ረኣየስ፡ ልቡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተደዓዒሱ ኪኸውን ኣለዎ!

“ጊልያይ እዮብ . . . ኪጽልየልኩም እዩ።”—እዮብ 42:8

 እዮብ ከምቲ እተሓትቶ ኸም ዚገብር፡ ማለት ነቶም ውሽጡ ዝጐድእዎ ሰባት ይቕረ ኸም ዚብለሎም የሆዋ እምንቶ ነይርዎ እዩ። እዮብ እውን ንኣቦኡ ኣየሕፈሮን። (እዮብ 42:9) ተኣዛዝነቱ ኸኣ ካብ ቃላት ዚበልጽ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መርትዖ ንጽህናኡ እዩ ነይሩ። ነቲ እዮብ ኣብ ህይወቱ ዝረኸቦ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ በረኸት እውን መገዲ ጸሪጉ እዩ።

“ኣዝዩ ፈቃር”

 የሆዋ ንእዮብ፡ “ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን” እዩ ዀይኑሉ። (ያእቆብ 5:11) ብኸመይ፧ የሆዋ ንእዮብ ጥዕናኡ መለሰሉ። እዮብ ስጋኡ ኸምቲ ኤሊሁ ዝበሎ ብሓቂ ‘ኻብ ናይ መንእሰይ ዚልምልም’ ምስ ኰነ እተሰምዖ እሞ ገምቶ! ኣብ መወዳእታ፡ ቤተ ሰቡን ፈተውቱን ኬጸናንዕዎምን ህያባት ኪህብዎምን ኢሎም ኣብ ጐድኑ ተኣከቡ። የሆዋ ኸኣ ንሃብቲ እዮብ መለሶ፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ድማ ዕጽፊ ሃቦ። ግናኸ፡ ካብቲ ልዕሊ ዅሉ ዘሕዘኖ ሞት ደቁ ብኸመይ እዩ ተጸናኒዑ፧ እዮብን ሰበይቱን ዓሰርተ ውሉዳት ብምውላዶም፡ ብእተወሰነ ተጸናንዑ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ንእዮብ ነዊሕ ዕድመ ሃቦ። እዮብ ተወሳኺ 140 ዓመት ብህይወት ጸንሐ፣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ እውን ረኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ “እዮብ . . . ኣሪጉን ዕድመ ጸጊቡን ሞተ።” (እዮብ 42:10-17) ኣብ ገነት ከኣ፡ እዮብን ፍቕርቲ ሰበይቱን ምስ ስድራ ቤቶም፡ እንተላይ ምስቶም ሰይጣን ዝቐተሎም ደቆም ዳግም ኪራኸቡ እዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29

 የሆዋ ንእዮብ ኣብዚሑ ዝባረኾ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም” ኢሉ ምላሽ ይህበና። (ያእቆብ 5:11) እዮብ ካብቲ መብዛሕትና ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ መከራ ተጻዊሩ እዩ። እታ “ተጻዋርነት” እትብል ቃል ከኣ፡ እዮብ በቲ መከራ ኻብ ምሕላፍ ንላዕሊ ኸም ዝገበረ ትሕብረና። እወ፡ ብእምነት ተጻዊሩ እዩ፡ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ እውን ኣይደኸመትን። ልቡ ብቝጥዓን ብምረትን ኣብ ክንዲ ዚምላእ፡ ነቶም ኰነ ኢሎም ዝጐድእዎ እኳ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ነታ ኽብርቲ ተስፋኡ ዀነ ነታ ብልጽቲ ጥሪቱ ዝዀነት ንጽህናኡ እውን ከቶ ኣይሓደገን።—እዮብ 27:5

 ነፍሲ ወከፍና ተጻዋርነት የድልየና እዩ። ሰይጣን ከምቲ ንእዮብ ዝገበሮ፡ ንዓና እውን ተስፋ ኬቝርጽና ሒዅ ኪብል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ብእምነት እንተ ተጻዊርና፡ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና፡ ንጽህናና ንምሕላው እውን እንተ ቘሪጽና፡ ነታ ኽብርቲ ተስፋና ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ኢና። (እብራውያን 10:36) ኣስኣሰር እምነት እዮብ እንተ ስዒብና ኸኣ፡ እዚ ንሰይጣን ሕርር ኵምትር ኬብሎ፡ ነቲ ፈቃር ልቢ የሆዋ ድማ ደስ ኬብሎ እዩ።

a ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ንእዮብ ብዙሕ እዮም ተዛሪቦምዎ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እቲ ዘረባኦም ትሽዓተ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ይኹን እምበር፡ ሓንሳእ እውን ትኹን ንእዮብ ብስሙ ኣይጸውዕዎን።

b የሆዋ ኣብ ገሊኡ ቓል ብቓሉ ኽዉን ኣገላልጻ፡ ኣብ ገሊኡ እውን ንግጥሚ ዚኸውን ምሳልያዊ ኣገላልጻ ተጠቒሙ ኣሎ። (ንኣብነት፡ እዮብ 41:1, 7, 8, 19-21 ርአ።) ዝዀነ ዀይኑ፡ ዕላማኡ ሓደ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ነቲ እዮብ ንፈጣሪኡ ዝነበሮ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከም ዚውስኽ ምግባር እዩ ነይሩ።

c ከም ሓቂ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ንገለ ኽፋል ዘረባ ኤሊፋዝ ከም ሓቂ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (እዮብ 5:13፣ 1 ቈረንቶስ 3:19) ኤሊፋዝ ሓቂ እዩ ተዛሪቡ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዘይግብኦ እዮብ እዩ ኣውዒልዎ።

d እዮብ ምእንቲ ሰበይቱ ተመሳሳሊ መስዋእቲ ኬቕርብ ከም እተሓትተ ዚሕብር ነገር የሎን።